ዮሃንስ 1

ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። 

ማቴዎስ፣ ማርቆስን ሉቃስን፣ ብዛዕባ ህይወት ጎይታ የሱስ ከዘንትዉ እንከለዉ፣ ካብ ዝተፈላለየ መበገሲ ሓሳባት ይጅምሩ። ዮሃንስ ካብ መጀመርታ ይጅምር። ኣይሁዳዉያን ነዚ ጥቕሲ ከንብብዎ ከለዉ፣ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ኣጀማምራ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዝክሩ ይገብሮም። "ብመጀመርታ...” ዘፍጥረት 1:1

ኣይሁዳዉን፣ ንስም ኣምላኽ ብጣዕሚ የኽብርዎ ነበሩ፣ ካብ ምኽባሩ ዝተላዕለ ከኣ፣ ንስም ኣምላኽ ከልዕልዎ ኣይደፍሩን ነበሩ። ዮሃንስ፣ ጎይታ የሱስ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ከርእየና ይደሊ። ስለዚ ከኣ፣ ስራኽ ኣሳእን ጎይታ ክፈትሕ ከም ዘይክእል ብምግላጽ ንስም የሱስ ከኽብር ከሎ የርእየና።
ካብዚ እንመሃሮ፣ የሱስ ከም ፍጡር ዘይኮነስ፣ ሓደ ካብ ስላሴ ከም ዝኾነ ደኣ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ብሰለስተ ኣካል ከም ዝግለጽ እዩ ዝምህረና። ንሱ ኣብ፣ ወልድ፣ መንፈስ ቅዱስን እዩ። ብመጀመርታ ኣምላኽ ከምዚ በለ፡ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡” ዘፍጥረት 1:26

ሓደ ሓደ ናይ ሓሶት መምሃራን፣ ነቲ ቃል ኣምላኽ ብምልዋጥ “ሓደ ኣምላኽ” እዚ ከኣ ነቲ እንኮነት/ ካልኣይ ዘይብሉ ናይ ኣምላኽ ባህሪ ሓቂ ኣይገልጽን እዩ። ቋንቋ ግሪኽ ነዚ ነዚ ትምህርቲ ኣይድግፎን እዩ፣ እዚ ከኣ የሱስ ኣምላኽ ኣይኮነን ኢሎም ንክምህሩሉ ይጥቀሙሉ።

4 – 5
“ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን”

እቲ ቃል፣ ንኩሉ ዝተፈጥረ ዘበለ ሂወት ሃበ፣ ሂወቱ ከኣ ንኩሉ ሰብ ብርሃን ኣምጸአ። እቲ ብርሃን ከኣ ኣብ ልዕሊ ጸልማት የብርህ፣ ጸልማት ከኣ ብፍጹም ደዉ ከብሎ ኣይክእልን እዩ።

“እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም” ኢሳያስ 9:2

6 – 8
“ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።”

ዮሃንስ መጥምቕ፣ በቲ ምስክሩ ሰባት ብዛዕባ እቲ ብርሃን መታን ንክኣምኑ፣ ብዛዕባ እቲ ብርሃን ክነግሮም ብኣምላኽ ተላእከ። ዮሃንስ ብርሃን ኣይነበረን፣ ብዛዕባ እቲ ብርሃን ደኣ ክምስክር መጸ እምበር። ኣባና’ዉን ከምኡ እዩ። ሰባት ክርእዩና ከለዉ፣ ፍሉይ ነገር ክርእዩልና ባህርያዊ እዩ። ንሕና፣ ብዛዕባዚ ክንብሎ እንኽእል እንተሎ፣ ንወንጌል ብምእማንና እዚ ወንጌል ሓቂ ከኣ ኣባና ብርሃን ከም ዘብርሃልናን፣ ካብ ግዝኣት ሓይሊ ጸልማት ከኣ ናብ ብርሃን ሓቂ ከም ዘምጻና እዩ። ካልኦት’ዉን ናብ ጎይታ ብምጽላይ ከማና ንክኾኑ ክንጽሊ ንኽእል ኢና።

9. እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ።

ሰባት ንኣምላኽ መታን ክፈልጥዎ የሱስ ሰብ ኮነ። ዮሃንስ እምበኣር፣ ብርሃን ኣምላኽ ብከመይ ክንመላልሰ ከም ዘሎናን፣ ብከመይ ፍቓድ ኣምላኽ ክንፍጽም ከም እንኽእል ከም ዘርእየና ዮሃንስ ምስክር ኮነ። እዚ ብርሃን ከኣ ንክቕበሎ ንዝደሊ ቀረብኡ እዩ።

እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡ 1ይ ዮሃንስ 1:1

10. ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን

ሓደ ሓደ ግዜ ኣግኖስቲክ ዝብሃል ቃል ሰሚዕኩም ትፈልጡ ትኾኑ፣ ኣግንስቲክ ማለት “ኣይፈልጥን እየ” ማለት እዩ። እዚ ቃል ነቶም ንኣምላኽ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና ዝብል እምነት ዘለዎም ሰባት ዝዉክል እዩ። ንስኻ ግን ንጎይታ ክትፈልጦን ንካልኦት ዉን ዝፈልጡሉ መንገዲ ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ።

11. ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።

እቶም ኣይሁድ መሲሕ ዝመጸ ነቶም ሮማዉያን ከርሕቕ ዝመጸ ይመስሎም ነበረ። ጎይታ ግን በንጻሩ፣ ንዓለም ምሉእ ከም ዘፍቅር ምስ ነገሮም ክሰምዕዎ ኣይደለዩን።

12 – 13
ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።


ዳግማይ ዝተወለድና፣ ካብ ክርስትያናዊት ስድራ ቤት ስለ ዝተወለድና ኣይኮናን ወይ ዉን ሰብ ስለ ዝተዛረበና ኣይኮናን።

14. እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።

ሓደ ግዜ ሓደ የሱስ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ዘይኣምን ነበረ። ሓንቲ ቆራሪት ናይ ሓጋይ ለይቲ። ኣዕዋፍ ኣብ ገረብ እንከለዋ ብቁሪ ጥራይ ክደርቃን ንወድቃን ይርእየን። ናብ ደገ ብምዉጻእ ከኣ ነቲ ከም መኸዘኒ ቆፎ ዘገልግል ክፍሊ ከፈቶሞ፣ ነተን ኣእዋፍ ከእትወን ፈተነ። ንሳተን ግን ፈሪሐን ብምንባረን ክኣትዋ ኣይከኣላን። ዑፍ እንተዝኸዉን ነይረ ነዘን ኣእዋፍ መሪሐ ናብቲ ዉሑስ ቦታ ምወሰድኩወን ኢሉ ሓሰበ። ኣምላኽ ልክዕ ከምዚ ከም ዝገብረ ነቲ ሰብኣይ ኣርኣዮ። ስለዚ የሱስ መታን ከይንፈርሕን ካብ ሞት ከኣ መታን ከነምልጥን እዩ ሰብ ዝኾነ።

15 – 16
ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ “”እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡” ኢሉ ጨደረ... እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ 


ዘይግበኣና ጸጋን ምሕረትን ከም ምቕባልና ዝመሳሰል ትምህርቲ፣ ኣብ ዝኾነ ካልእ ሃይማኖት ወይ እምነት እሞ ከኣ ኩለን ሰብ ዝመስረተን ብምዃነን ኣይርከብን እዩ። ዘየቋርጽ ማዕበላት ናይ ጸጋ ኣብ ርእሲ ጸጋ ከም እንቕበል ቃል ኣምላኽ ይነግረና። 2 ቆር 12:9

17. ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ 

ብሰንኪ ሓጢያትና ዘስዓቦ ድኻም፣ እጊ ሙሴ ከድሐነና ኣይከኣለን. ኣምላኽ እምበር እቲ ሕጊ ክትግብሮ ዘይከኣለ ገበሮ።


ሮሜ 8:3
ነቲ ሓደ ወዱ ከኣ ከምዚ ከማና ኣብ ስጋ ክሓድር ለኣኾ። ኣብቲ ስጋ ኮይኑ ከኣ ነቲ ገዚኡና ዝነበረ ሓጢኣት መወዳእታ ክገብረሉ መታን ኣምላኽ በጃና ክሓልፍ ለኣኾ።

18. ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።

ጎይታ የሱስ ንልቢ ኣምላኽ ኣግሃደልና። ኣምላኽ ከመይ ከምዝመስል ክንርእዮ ኣኽኢልና።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎም ርድኢት ብዙሕ ግዜ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ንርኢ። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ተቖጢዑ ከም ዘሎን ንሰባት ከኣ ናብ ገሃነም ክእትዎም ከም ዝደሊ ጌሮም ይሓስብዎ። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን። ሰባት ብዝዉስንዎ ዉሳኔ ምኽንያት እዮም ናብ ገሃነም ክኣትዉ ዝግደዱ።

ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፣ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለምንታይ እትሞቱ∶ ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፣ ተመለሱ፣ በሎም። ህዝ 33:11

19 – 20
ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን።

ንሱ ኺዓቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። ዮሃንስ 3:30

21. ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ።

ወለዲ ዮሃንስ ብዛዕባ ዮሃንስ /ብመንፈስ ኤልያስ ከም ዝግለጽን ተነጊርዎም ኔሩ። ስለዚ ከኣ መንፈስን ሓይሊ ኤልያስን ከም ዝህልዎ ተነጊዎም ነበረ።
ሉቃስ 1:17፣ ሚል 4:5፣ ሉቃስ 1:17

22 – 23
ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም

ኢሳያስ ጎይታ የሱስ ምጸ ዝመጽእ እንታይ ከም ዝገብር ኣርእዩና እዩ። ንደቂ ሰባት ካብ ምድረ በዳ የዉጽእ፣ ሰባት ክመላልሱላ ዝግብኦም መንገዲ የርእዮም። ኣብ ሩባ ሩባ ድነ ሞት ኣብ ዝምላሰሉ ኣምላኽ ይረድእ። ንሂወቶም ክዓግት ንዝህቅን ጎቦታት ክድይብዎ ይሕግዝ። ነቲ ዝተጠዋወየ ህይወቶም ይጽግኖ።

ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኢሳያስ 40:3-4

24 -25
እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። 

ጎይታ ድሕሪዚ፣ ዮሃንስ መጥምቕ እቲ ኣብ ሚልክያስ 4:5 ተጠቒሱ ዘሎ ከም ዝኾነ ኣረድኦም።
ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ። ማቴ 11:14

ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ንምንታይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ። 

ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ፡ ከም ዝደለዩ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለልይዎን። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም።  ማቴ 17:10 – 12

26 – 27
ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ።

ዮሃንስ ከምዚ ክብል እንከሎ፣ ኣነ ኣይኮንኩን ዘገድስ፣ ኣነ ክገብራ ዝኽእል ነገር እንተላ፣ ንሰባት ናብ ጎይታ የሱስ ክመርሖም ጥራይ እዩ። ንሕና ድማ ከምዚ ዓይነት ርዲኢት ክህልዋንስ ሰናይ እዩ።

28. እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ።

 ቢታንያ ካብ ያሪኮ ስግር ሩባ እዩ።

29. ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።

ብተደጋጋሚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም እንረኽቦ፣ ሓጢኣት ኩሉ ብደም ከም ዝጸሪ እዩ፣ እዚ ከኣ እቲ መስዋእቲ ደም እዩ። ዮሃንስ ከኣ ብዛዕባ መሲሕ ብዝተፈልየ መንገዲ ክሓስብ ጀሚሩ።

30. እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ።

ንሕና ክንገብሮ እንኽእል እንተሎ፣ ንሰባት ብዛዕባ ጎይታ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነን፣ ምእንቲ ሓጢኣትና ከም ዝሞተን ዳሕር’ዉን ሓዲሽ ሂወት ክህበና ከም ዝመጽእ ምብሳርን እዩ።

31 – 32
ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ።


ዮሃንስ መጥምቕ ንጎይታ የሱስ ከም ዘመዱ እዩ ዝፈልጦ ኔሩ፣ እንተ ኾነ ግን ኣምላኽ ክሳብ ዘርእዮ ጎይታ መን ከም ዝኾነ ኣይፈለጦን ነይሩ። ንኣና ዉን ብተመሳሳሊ መንፈስ ቅዱስ ምስ ዘመርሓና ኢና ነቲ ትኽክለኛ
መንገዲ ንፈልጦ።

33 – 34
እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።

ዮሃንስ ኣብ መንጎ ብማይ ምጥማቕን ብመንፈስ ቅዱስ ምጥማቕን ዘሎ ፍልልይ ይምህረና። ብማይ ምጥማቕ፣ ነቲ ዝወደቐ ኣረጊት መንነትና ክንመዉት/ የመላኽት። ሕግ ኣምላኽ ብምጥሓስካ ነቲ ዝስዕብ ሓጢኣት ከኣ ብደም የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ክሽፈን ከም ዝኽእል ምንሳሕን ምእማንን ከኣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምጥማቕ የመላኽት።

35 – 37
ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፥ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዓብዎ።

ጎይታ በቲ ሽዑ እዋን፣ ዝስዕብዎ ሰባት ክረክብ ኢሉ ዪደሊ ኣይነበረን። ዮሃ 3:28

38 – 39
የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፥ እንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢ፦ ትርጉሙ መምህር፦ ኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በሎዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። 

ስለዚ ኣምላኽ “እንታይ ትደልዩ ኣሎኹም” እናበለ ይሓተና እሎ። ኣምላኽ ግን ቅድሚ ንጎይታ ምሕታትና እንታይ ከም እንደሊ ይፈልጥ እዩ። ማቴ 6:8

40 – 41
ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲሕ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ


እንድርያስ ንሰባት ናብ ጎይታ እናምጽአ ዝነግር ሰለስተ ካልኦት ጥቕስታት ንርኢ። ኩሉ ግዜ ንቃል ኣምላኽ እናንበብናን እናሰማዕና ምስ ጎይታ ጠቢቕና ኣብ እንመላለሰሉ፣ ህልዉና ጎይታ የሱስ ናብ ሰባት ከነምጽእ ንኽእል ኢና። ንሓደ ሰብ ናብ ክርስትና እንመርሖ ብብዙሕ ዘረባ ኣይኮነን እንታይ ደኣ፣ ንወንጌል ብቅልል ዝበለ መንገዲ ምምሃርን፣ ኣብ ህልዉና ጎይታ የሱስ ምንባር ከመይ ከም ዝመስል ብምክፋል እዩ። ድሕሪ ምፍልላና ከኣ፣ ነቶም እንምህሮም ሰባት ኩሉ ግዜ ብምጽላይን እዩ። ጎይታ የሱስ ከኣ ባዕሉ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክግለጸሎም እዩ።

42. ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፥ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ- ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፦ ክትብሃል ኢኻ፡ በሎ።

ኣምላኽ ናይ ሓደ ሰብ ስም ምስ ዝቕይር፣ ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝብሎም ዘሎ እዩ፣ “እዚ እቲ ቀደም ዝነበርካዮ ኮይኑ፣ ሕጂ ግን ሕድሽ መንነትካ እዚ እዩ”። ንዓኻ/ንዓኺ ከ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ዶ ኣሎ እዩ፧

43 – 45
ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ።
 

ኣብ ዘዳግም 18:15 ከምዚ ዝብል ንረክብ፣
እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ማእከልካ፡ ካብ ኣሕዋትካ፡ ከማይ ዝበለ ነብዪ ኼተንስኣልካ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ

46 – 47
ናትናኤል ድማ፥ ካብ ናዝሬት ገለ ሰናይ ኪመጽእ'ዶ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፥ ንዓ ርኤ፡ በሎ። የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ።

ኢሳያስ ብዛዕባ ኣቲ መሲሕ ክትንበ እንከሎ፣ ልክዕ ከምቲ ህዝቢ ናዝሬት ሰባት ብዙሕ ዋጋ ከም ዘይህብዎን ናትናኤል ረሲዕዎ ነበረ። ስለዚ ጎይታ ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣይፍልጥን ነበረ፣ ጎይታ የሱስ ከኣ በቲ ናትናኤል ዝበሎ ቃል ንናትናኤል ኣይሓዘሉን። ማቴ 2:23, ኢሳ 53:3

48 – 51
ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ኢሉ ሓተቶ። ቀጺሉ እቲ ቃል ከምዚ ይብል፣
ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ። 


ምናልባት ናትናኤል ብዛዕባ ታሪኽ ያቆብ ይሓብስን የስተንትን ኔሩ ይኸዉን።ምናልባት ዉን ኣምላኽ፣ እቲ ያቆብ ኣብ ሕልሙ ዝረኣዮ መሳልል ንጎይታ ከም ዝመስል ንናትናኤል ኣርእይዎ ይኸዉን። ልክዕ ከምቲ ያቆብ ዝረኣዮ ከም ክርኢ ከም ዝኾነ እዩ ናትናኤል ተነጊርዎ። ዘፍ 28:12