ዮሃንስ 4

1 – 3
ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፦ 

ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፦ 

ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ።

ጎይታ የሱስ ናብ ይሁዳ ክቐርብ ኣይመረጸን፣ ምኽንያቱ፣ ኣምላኽ ዝመደበሉ ግዜ ኣይበጽሐን ነበረ፣ ከምኡ ከኣ እቶም መራሕቲ ኣይኣመንዎን ነበሩ።

4. ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኰኖ።

ሳምራዉያን ካብ ህዝቢ ኣይሁድ ዝነበሩ ኮይኖም፣ ህዝቢ ኣይሁድ ናብ ባቢሎን ክዉሰዱ እንከለዉ፣ ገለ ካብቶም ኣይሁድ ብድሕሪት ተሪፎም ነበሩ፣ እዞም ኣይሁድ፣ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ህዝቢ ክዋሰቡ ጀመሩ። እዞም ዝተረፉ ህዝቢ ከኣ ምስ ኣህዛብ ብምዉሳቦም ምኽንያት ብፍርቂ ጎኖም እዮም ኣይሁድ፣ በዚ ምኽንያት ከኣ፣ እቶም ምሉእ ብምሉእ ኣይሁድ ዝኾኑ ህዝቢ ነዞም ዳሓር ሳምራዉያን ተበሂሎም ዝተጸዉዑ ህዝቢ ክንዕቅዎም ጀመሩ። ስለዚ እምበኣር ናብ ጥቕኦም ንኸይቀርቡ ኢሎም መንገዲ የንዉሑ ነበሩ።

ኣምላኽ ንየሱስ ብከምዚ መንገዲ ልኣኾ። ኣምላኽ ናትና መደብ ክቕያይሮ እንከሎ በጋጣሚ ኣይኮነን። ኣምላኽ ብዘይ ሓሰብናዮ መንገዲ መደባትና ክቕይሮ እንከሎ፣ ብኣና ጌሩ ንካልኦት ንክበጽሕን፣ ቃል ኣምላኽ ከኣ መታን ክንምህርን ስለ ዝደሊ እዩ።

5 – 8
ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ። 

ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ አሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። 

ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ። 

ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። 

ኣንስቲ ማይ ክወርዳ ኢለን ኣብ ሳድሰይቲ ሰዓት/ ፋዱስ ኣይወፍራን ነበራ። እዚ ዘርእየና እዛ ሰበይቲ ካብቶም ህዝቢ ክብረት ትረክብ ከም ዘይነበረት እዩ፣ በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ካልኦት ኣንስቲ ትፍለ ዝነበረት።

9. ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧” በለቶ።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ክንምህሮም ክንጅምር እንከሎና፣ ብጌጋ ስለ ዝርድእዎ፣ ክንዛረብ ዕድል ከይሃቡ ነቲ ንሳቶም ክሕልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ ከሕልፉ ይጽዕሩ።

10. የሱስ ድማ፥ “ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ።

ወንጌል ንካልኦት ኣብ እነካፍለሉ እዋን፣ ጨዉ ብዝተቃመመ ኣዘራርባ ቁምነግር ምስ እነግሮም፣ እቲ ጨው ዘለዎ ዘረባ ጽምኣት ይገብረሎም እሞ ክመሃሩ ከኣ ይገብሮም።

11. እታ ሰበይቲ ድማ፥ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኽቦ፧.

እቶም ንክርስቶስ ከም መድሓኒ ዘይተቐበሉ ሰባት፣ ኣብ መንጎ መንፈሳዉን ስጋዊ ዓለምን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ኣይፈልጥዎን እዮም።

12. “ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዓቢ ኢኻ፧” በለቶ።

እዛ ሰበይቲ ንክትከራኸር ድልዉቲ ከም ዝነበረት ንዕዘብ። ያቆብ “ኣቦ ሳምራዉያን” ብምባል ንጎይታ የሱስ ከተመኽንየሉ ከም ዝፈተነት ንርኢ። ሰባት መንፈሳዊ ዉግእ ይመጽእ ከም ዘሎ መንፈሶም ምስ ነገሮም፣ ነቲ ኣርእስቲ ብምቕያር ክሃድሙ ይፍትኑ።

13 – 14
የሱስ ድማ፥ “ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። 
እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡” ኢሉ መለሰላ።


እታ ሰበይቲ ትግልሎ ዝነበረት ማይ ናይቲ ኣብዚ ምድሪ ንምነዮ ነገራት ምሳሌ እዩ፣ ነቲ እንምነዮ ነገር ምስ ረኸብናዮ፣ እቲ ግዚያዉ ሓጎስና ይበንን እሞ፣ ካልእ ነገር ከኣ ክንምነ ንጅምር።

15. እታ ሰበይቲ ኸኣ፥ “ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ፡” በለቶ።

ሓደ ሰብ “ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ንገረኒ” ክብለና እንከሎ፣ መንፈስ ኣምላኽ ይሰርሕ ከም ዘሎ የርእየና። ከምዚ ዝብል ቃል ኣብ ትሰምዓሉ፣ ኣምላኽ ኣብ ነቲ ጽምኣት ናይቲ ሰብ ዘርዊ ቃል ክህበካ ጸሊ። ኣብታ ሰዓት ክትብሎ ዝግበኣካ ቃላት ክትብሎ መታን ኣምላኽ ትብዓት ጸሊ።

16. የሱስ ከኣ፥ ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ። 

ሓደ ሰብ ኩነታቱ ክንፈልጥ መታን፣ ሕቶታት ንሓቶ እሞ፣ ነቲ ሕቶታት ብሓሶት ወይ ብሓቂ ከም ዝምልሶ ንርኢ። እቲ ዝህበና መልሲ ነቲ ድሕሪኡ ክንክተሉ ዘሎና መንገዲ የርእየና። በዚ መንገዲ ከኣ ብዝግባእ ክነረድኦ ንኽእል።

17 – 19
እታ ሰበይቲ መሊሳ፥ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ቅኑዕ ተዛረብኪ። 

ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዝስ ሓቂ ተዛረብኪ፡ በላ። 

እታ ሰበይቲ በለቶ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ አሎኹ።

ኣምላኽ ቃል ፍልጠት ኣብ ዝህበና ግዜ፣ ምስ ሰብ ክንዘራረበሉ ይግባእ። ከምኡ ኣብ ንገብረሉ ግዜ፣ ብዙሓት ሰባት ኣርእስቲ ይቕይሩ ይረኣዩ እዮም። እቶም እንዛረቦም ሰባት ሰባት ክስምዑና ብዛዕባ ዘይፈቐዱሉ ኣርእስቲ፣ ኣገዲድና ክንምህሮም የብልናን። ሂወት ካልኦት ሰባት ክንቆጻጸር ፍቓድ የብልናን። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ማይ ንዝጠልቕ ዘሎ ሰብ ምሕጋዝ/ ምድሓን ይመሳሰል።
እቲ እተድሕኖ ሰብ ካብ ፍርሒ ተላዒሉ ብዙሕ ክቃልስ የብሉን፣ ከምኡ እንተ ገይሩ ክልቴኹም እትጥሕሉሉ ኣጋጣሚ ክፍጥር ይኽእል እዩ።

20. “ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺስገደላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ።”

ከተማ ሲካር ጥቓ ከረን ጌሪዚም ኮይና ኣብ ከረን ዔባል ትርከብ፣ እዚኣተን ናይ በረኸትን መርገምን ኣኽራን እየን። እታ ሰበይቲ ናብ ከረን ጌሪዚም ተመልክት ነበረት፣ እቶም ሳምራዉያን እምበኣር ኣብዘን ኣኽራን እዮም ዝሰግዱ ዝነበሩ። እያ 8:33

21. የሱስ በላ፥ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ።"

ኣርእስቲ ክቕይሩ ኣብ ዝጅምሩሉ ግዜ፣ ነቶም ሰባት ዝትንክፍ ተነቃፊ ኣርእስቲ ተንኪፍካ ከም ዘሎኻ እዩ ዘመልክት። ኣብዚ ግዜዚ ቀልጢፍካ ናብ ወንጌል ክትምለስ ኣሎካ እምበር በዚ ኣንፈት ክትቅጽል የብልካን።

22. ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ።

ህዝቢ ዓለም እንታይ የምልኹም ከም ዘለዉ ኣየስተዉዕሉን እዮም።

23 – 24
“ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።”

ሰባት ንኣምላኽ ዝምልኹሉ ቦታ ኣገዳሲ ኣይኮነን። እቲ ዘገድስ ግና፣ ኣምልኾ ብኣእሙሮኻ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብመንፈስካን፣ ካብቲ ሓቂ ከኣ ከይተሓባእካን ክኸዉን ኣለዎ።

25 - 26
እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ አሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረና እዩ፡ በለቶ። 

“የሱስ ከኣ፥ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡” በላ።

ኣብ መጀመርታ የሱስ ነቶም ፋሪሳዉያን ቀትታዊ መልሲ ኣይሃቦምን፣ ምኽንያቱ ከኣ ከም ዘይኣምንዎ ስለ ዝፈልጥ እዩ። ንስኻ ከኣ ምስ ሰባት ኣብ ተዘራረበሉ ግዜ፣ ብኣተኩሮ ስምዓዮም፣ ከምኡ ብምግባርካ ከኣ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ እቶም ሰባት ክሰምዑኻ ከም ዝኽእሉ ከርእየካ እዩ።

27. ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፥ እንታይ ትደሊ፡ ወይስ፥ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ አሎኻ፡ ዝበሎ የልቦን።

በቲ ግዜቲ፣ ኣንስቲ ምስ ኣንስቲ ክማኸራ/ ምኽሪ ክለዋወጣ ሰብኡት ዉን ምስ ሰብኡት ክማኸሩ ልሙድ ነበረ። ቲቶ 2:4

28 – 30
እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሐዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፥ 

“ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧” በለቶም። 

ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ።

እታ ሰበይቲ ደጊም ንሓጢኣታ ክትሓብእ ኣይመረጸትን፣ ምኽንያቱ ኣምላኽ ድሮ ንሓጢኣታ ፈሊጥዎን ሸፊንዎን ነበረ፣ ሓደ ሰብ ንክርስቶስ ከም መድሓኒ ምስ ዝቕበሎን ምስ ዝዉከሎን፣ ካብ ኮነኔ ሓራ ስለ ዝወጽእ፣ ንካልኦት ከካፍል እዮም ብጣዕሚ እዩ ዝህንጠ። እንተ ኾነ ግን፣ እተን ኣንስቲ ግን ክሰምዓዓ ኣይከኣላን።

31. ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ “መምህር፡ ብላዕ፡” ኢሎም ለመንዎ።

እቶም ንሰባት መሪሕካ ናብ ክርስቶን ኣብ ምምጻእ ዘሎ ፍስሃ ዘየስተማቐሩ ሰባት፣ ሓደሽቲ ሰባት ድሒኖም ክሰምዑ ከለዎ ብዙሕ ግዲ ኣይገብሩን። ስለዚ ከኣ “ ጽቡቕ እምበር፣ እሞ ንብላዕ” እዮም ዝብሉ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ህያብ ሒዞም ዝሞቱን ዝቕበሩ እዮም።

32 – 34
ንሱኸኣ፥ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ አሎኒ፡ በሎም። 

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፥ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃሃሉ። 

የሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።

ኣብዚ ምድሪ ዘሎና፣ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ንክንፍጽም እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዝመደበና ነገር ምስ ፈለጥና፣ እቶም ካልኦት ነገራት ክንድኡ ክስሕቡና ኣይክእሉን እዩ።

35. “ንስካትኩምዶ፥ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።”

የሱስ ይዛረብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ እቶም ሰብ ሰኬም እታ ሰበይቲ እንታይ ትብል ከም ዝነበረት መታን ክሰምዑ በቲ ማእከል ግራት ይሓልፉ ኔሮም ይኾኑ። በዚ መንገዲ ኸኣ የሱስ፣ እቲ ሓቀኛ ዓጺድ እንታይ ከም ዝመስል የርእዮም ነበረ።

36 – 38

ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዓጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዓጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ። 

ኣነ ንኣካትኩም ኣብ ዘይጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዓሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም።

ንሕና ካልኦት ዝጀመርዎ ኣገልግሎት ኢና ንቕጽሎ። ብተመሳሳሊ ከኣ ፊሊጶስ ነቲ የሱስ ዝጀመሮ ዕዮን፣ ብእኡ ከኣ ሂወት ብዙሓት ዝለወጠሉ ዕዮ ቀጸሎ። ሓደ ክርስትያን፣ ንካልእ ሰብ ብዛዕባ ክርስቶስ ንነዊሕ ዓመታት ነጊርዎ ክኸዉን ይኽእል፣ እዚ ኣብቲ ሰብ ዝተዘርአ ቃል ከኣ፣ ነቲ ንሕና ንምህሮ ከም ዝዳሎ ይገብሮ። ግብ 8:5 – 8

39 – 40
ስለቲ እታ ሰበይቲ፥ “ዝገበርክዎ ዘበለ ነጊሩኒ፡” ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ። 

እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለመንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዓለ።

ሽሕ እኳ የሱስ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ብዙሕ ሰናይ ነገራት እንተ ገበረ፣ ንሳምራዉያን ገዲፍካ፣ ምስኦም ክጸንሕ ዝሓተትዎ ጠቐማጦ ካልእ ከተማ ኣየጋጠምዎን።

41 – 42
ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ። 

ነታ ሰበይቲውን፥ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ።

ንኣምላኽ ዝፍትንዎ ሰባት ትኣምራት ክርእዩ ይደልዩ፣ እቶም ንኣምላኽ ከም ዝበደሉ ዝፈልጡ ሰባት ግን፣ ድምጺ ኣምላኽ ክሰምዑ ጥራይ እዮም ዝምነዩ እዚ ከኣ ንዕዖም እኹል እዩ።

43 – 45
ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸደ። 

ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣ ናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ።

ሰባት መዓስ ክሰምዑና ከም ዘይተዳለዉ ክንፈልጥ ኣሎና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክንገብሮ እንኽእል ነገረ እንተልዩ፣ ኣምላኽ ክሰምዕዎ ዝኽእሉ ሰብ ልኢኹ ክዛረቦም ክንጽሊ ጥራይ እዩ። ማቴ 13:57

46 – 50
የሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፡ ናብ ቃና ናይ ገሊላ፡ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሐመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ። 

ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ። 

ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም፡ በሎ። 

እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ፡ በሎ። 

የሱስ ድማ፥ ኪድ፡ ወድኻ ሐውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ።

እዚ ሰብኣይ ብኸመይ እየ ከረጋግጽ ዝኽእል ክብል ምኸኣለ። ቅፍርናሆም መንገዲ 20 ማይልስ ጥራይ እዩ። ብጃኻ ናብ ገዛይ ንዓናይ እሞ፣ ኣነ ኸኣ ንወደይ ከም እተሕውዮ ርግጸኛ ክኸዉን። ንቃል ኣምላኽ ከም ቃል ኣምላኽ ምዃኑ መጠን፣ ኣብኡ ተወኪልና ክንመላለስ ከሎና፣ ኣምልኽ ባህ ይብሎ፣ ሰናይ ዘበላ ፍቓዱ ከኣ ኣባና ይፍጽሞ።

51 – 54
ኪወርድ ከሎ፡ ባሮቱ ተቐበልዎ እሞ፥ “ወድኻ ሐውዩ፡” ኢሎም ኣበሰርዎ። 

ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፥ “ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶ፡” በልዎ። 

ሽዑ ኣቦኡ በታ የሱስ፥ “ወድኻ ሐውዩ፡” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ። 

የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣዩ እዩ።

እዚ ሰብኣይ ነቲ የሱስ ዝበሎ ኣቓልቦ ከም ዝሃቦ እሞ ተዓዘብ፣ ከምኡ ስለ ዝገበረ ከኣ ኣብ ኣምላኽ ክዉከል እምነት ረኸበ። ነሕና ዉን ብተመሳሳሊ፣ ቃል ኣምላኽ ኣብ ንሰምዓሉ ወይ ነንብበሉ ግዜ፣ ብኩነታትና ንኣምላኽ ክንኣምኖ ሓይሊ ንረክብ።

እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። ሮሜ 10:17

ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፣ ካብ ጕድጓዶም ከኣ ኣናገፎም። መዝ 107:20