ዮሃንስ 4 1 – 3 ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፦ ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፦ ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ። 4. ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኰኖ። ሳምራዉያን ካብ ህዝቢ ኣይሁድ ዝነበሩ ኮይኖም፣ ህዝቢ ኣይሁድ ናብ ባቢሎን ክዉሰዱ እንከለዉ፣ ገለ ካብቶም ኣይሁድ ብድሕሪት ተሪፎም ነበሩ፣ እዞም ኣይሁድ፣ ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ህዝቢ ክዋሰቡ ጀመሩ። እዞም ዝተረፉ ህዝቢ ከኣ ምስ ኣህዛብ ብምዉሳቦም ምኽንያት ብፍርቂ ጎኖም እዮም ኣይሁድ፣ በዚ ምኽንያት ከኣ፣ እቶም ምሉእ ብምሉእ ኣይሁድ ዝኾኑ ህዝቢ ነዞም ዳሓር ሳምራዉያን ተበሂሎም ዝተጸዉዑ ህዝቢ ክንዕቅዎም ጀመሩ። ስለዚ እምበኣር ናብ ጥቕኦም ንኸይቀርቡ ኢሎም መንገዲ የንዉሑ ነበሩ። ኣምላኽ ንየሱስ ብከምዚ መንገዲ ልኣኾ። ኣምላኽ ናትና መደብ ክቕያይሮ እንከሎ በጋጣሚ ኣይኮነን። ኣምላኽ ብዘይ ሓሰብናዮ መንገዲ መደባትና ክቕይሮ እንከሎ፣ ብኣና ጌሩ ንካልኦት ንክበጽሕን፣ ቃል ኣምላኽ ከኣ መታን ክንምህርን ስለ ዝደሊ እዩ። 5 – 8 ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ አሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። 9. ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧” በለቶ። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ክንምህሮም ክንጅምር እንከሎና፣ ብጌጋ ስለ ዝርድእዎ፣ ክንዛረብ ዕድል ከይሃቡ ነቲ ንሳቶም ክሕልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ ከሕልፉ ይጽዕሩ። 10. የሱስ ድማ፥ “ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ። እቶም ንክርስቶስ ከም መድሓኒ ዘይተቐበሉ ሰባት፣ ኣብ መንጎ መንፈሳዉን ስጋዊ ዓለምን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ኣይፈልጥዎን እዮም። 12. “ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዓቢ ኢኻ፧” በለቶ። እዛ ሰበይቲ ንክትከራኸር ድልዉቲ ከም ዝነበረት ንዕዘብ። ያቆብ “ኣቦ ሳምራዉያን” ብምባል ንጎይታ የሱስ ከተመኽንየሉ ከም ዝፈተነት ንርኢ። ሰባት መንፈሳዊ ዉግእ ይመጽእ ከም ዘሎ መንፈሶም ምስ ነገሮም፣ ነቲ ኣርእስቲ ብምቕያር ክሃድሙ ይፍትኑ። 13 – 14 15. እታ ሰበይቲ ኸኣ፥ “ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ፡” በለቶ። ሓደ ሰብ “ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ንገረኒ” ክብለና እንከሎ፣ መንፈስ ኣምላኽ ይሰርሕ ከም ዘሎ የርእየና። ከምዚ ዝብል ቃል ኣብ ትሰምዓሉ፣ ኣምላኽ ኣብ ነቲ ጽምኣት ናይቲ ሰብ ዘርዊ ቃል ክህበካ ጸሊ። ኣብታ ሰዓት ክትብሎ ዝግበኣካ ቃላት ክትብሎ መታን ኣምላኽ ትብዓት ጸሊ። 16. የሱስ ከኣ፥ ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ። 17 – 19 ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዝስ ሓቂ ተዛረብኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ በለቶ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ አሎኹ። 20. “ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺስገደላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ።” ከተማ ሲካር ጥቓ ከረን ጌሪዚም ኮይና ኣብ ከረን ዔባል ትርከብ፣ እዚኣተን ናይ በረኸትን መርገምን ኣኽራን እየን። እታ ሰበይቲ ናብ ከረን ጌሪዚም ተመልክት ነበረት፣ እቶም ሳምራዉያን እምበኣር ኣብዘን ኣኽራን እዮም ዝሰግዱ ዝነበሩ። እያ 8:33 21. የሱስ በላ፥ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ።" 22. ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። ህዝቢ ዓለም እንታይ የምልኹም ከም ዘለዉ ኣየስተዉዕሉን እዮም። ሰባት ንኣምላኽ ዝምልኹሉ ቦታ ኣገዳሲ ኣይኮነን። እቲ ዘገድስ ግና፣ ኣምልኾ ብኣእሙሮኻ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብመንፈስካን፣ ካብቲ ሓቂ ከኣ ከይተሓባእካን ክኸዉን ኣለዎ። 25 - 26 “የሱስ ከኣ፥ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡” በላ። ኣብ መጀመርታ የሱስ ነቶም ፋሪሳዉያን ቀትታዊ መልሲ ኣይሃቦምን፣ ምኽንያቱ ከኣ ከም ዘይኣምንዎ ስለ ዝፈልጥ እዩ። ንስኻ ከኣ ምስ ሰባት ኣብ ተዘራረበሉ ግዜ፣ ብኣተኩሮ ስምዓዮም፣ ከምኡ ብምግባርካ ከኣ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ እቶም ሰባት ክሰምዑኻ ከም ዝኽእሉ ከርእየካ እዩ። 27. ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፥ እንታይ ትደሊ፡ ወይስ፥ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ አሎኻ፡ ዝበሎ የልቦን። “ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧” በለቶም። ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ። እቶም ንሰባት መሪሕካ ናብ ክርስቶን ኣብ ምምጻእ ዘሎ ፍስሃ ዘየስተማቐሩ ሰባት፣ ሓደሽቲ ሰባት ድሒኖም ክሰምዑ ከለዎ ብዙሕ ግዲ ኣይገብሩን። ስለዚ ከኣ “ ጽቡቕ እምበር፣ እሞ ንብላዕ” እዮም ዝብሉ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ህያብ ሒዞም ዝሞቱን ዝቕበሩ እዮም። 32 – 34 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፥ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃሃሉ። የሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ። 35. “ንስካትኩምዶ፥ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣለኹ።” የሱስ ይዛረብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ እቶም ሰብ ሰኬም እታ ሰበይቲ እንታይ ትብል ከም ዝነበረት መታን ክሰምዑ በቲ ማእከል ግራት ይሓልፉ ኔሮም ይኾኑ። በዚ መንገዲ ኸኣ የሱስ፣ እቲ ሓቀኛ ዓጺድ እንታይ ከም ዝመስል የርእዮም ነበረ። ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዓጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዚዓጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ። ኣነ ንኣካትኩም ኣብ ዘይጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዓሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም። እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለመንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዓለ። ሽሕ እኳ የሱስ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ብዙሕ ሰናይ ነገራት እንተ ገበረ፣ ንሳምራዉያን ገዲፍካ፣ ምስኦም ክጸንሕ ዝሓተትዎ ጠቐማጦ ካልእ ከተማ ኣየጋጠምዎን። 41 – 42 ነታ ሰበይቲውን፥ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ። 43 – 45 ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣ ናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ። 46 – 50 ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ። ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም፡ በሎ። እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ኪድ፡ ወድኻ ሐውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ። ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፥ “ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶ፡” በልዎ። ሽዑ ኣቦኡ በታ የሱስ፥ “ወድኻ ሐውዩ፡” ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ። የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣዩ እዩ። እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። ሮሜ 10:17 ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፣ ካብ ጕድጓዶም ከኣ ኣናገፎም። መዝ 107:20 |