ዮሃንስ 5

1 -2
ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። 

ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤት-ሄስዳ ዚብሃል፡ ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ።

እዚ ኣብ ቤት ሄስዳ ዝርከብ ቐላይ፣ ኣብ 1890ታት እዩ ተረኺቡ። ምስኡ ከኣ ኣርባዕተ በረንዳ ዝመስል መጽለሊ ኣብ ከባቢኡ፣ ከምኡ’ዉን ሓደ ካልእ በረንዳ ዝመስል መጽለሊ ኣብ ማእከል ይርከብ። ቤት ሄስዳ፣ “ቤተ ጸጋ” ማለት እዩ።

3 – 5
ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕውራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ።

እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እንተንሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ።

ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኣ ነበረ።

[እቲ ነቲ ማይ ዘንቀሳቀሰ መልኣኽ ዝትርኽ ዛንታ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ተወሲኹ።]

ጎይታ ነቲ ኣብ ምዱብ ግዚኡ ኣባና ክሰርሖ ዝደሊ ክሳብ ዝሰርሖ፣ ዋላ ንዓመታት ይኹን ክንጽበዮ ከም ንኽእል ከነርእዮ ንኽእል ኢና። ካልኦት ናብ ጎይታ ንክመጹ መታን፣ ፍሉይ ኩነታት ክፈጥር ይኽእል እዩ።

“እዚ ካብ ጎይታ እንተኾይኑ እቕበሎ፣ ካብ ሰይጣን እንተ ኾይኑ፣ እነጽጎ” ኢሶበል ኩህን።”

6. የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፡ በሎ።

ኣብዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ንርኢ። ምኽንያቱ ከኣ፣ ቅድሚ ሕጂ፣ ብልምዲ እቶም ህዝቢ ባዕሎም እዮም ንጎይታ ንክፍዉሶም ዝልምንዎ ዝነበሩ፣ ሕጂ ግን ጎይታ መጀመርታ ባዕሉ ሓተተ።

7. እቲ ሕሙም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ።

እዚ ብዛዕባ መልእኽቲ ዝተጻሕፈ ዛንታ፣ ኣምላኽ ንሂወት ሰባት ከም ዘየኽብር ኣምሲሉ እዩ ዝርኢ። ነዚ “ሎሚስ ክትድሕን ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ምኽንያቱ፣ ናብቲ ማይ ቀልጢፍካ ኣይዘለልካን” እንተ ዝብል ኣምላኽ ከነፍቅሮ ምኸበደ ኔሩ። እዚ ሰብኣይ ካብ ሰባት ደኣ እምበር ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን ሓገዝ ዝሓትት ዝነበረ።

8. የሱስ ከኣ፥ ተንስእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ፡ በሎ።

ኣምላኽ፣ ዘይከኣል ዝመስል ነገራት ንክገብሩ ንብዙሓት ከም ዝኣዘዞም፣ ኣብ ብዙሕ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ንርኢ። ኣምላኽ ሓደ ነገር ክትገብር እንተ ኣዚዙካ፣ ነቲ ዝኣዘዘካ ንክገብሮ ከም ዘኽእለካ ርግጸኛ ክትከዉን ይግበኣካ። ኣምላኽ ግበሮ እንተ ኢሉካ፣ እቲ ትእዛዘ ክትግበር ይከኣል ኣዩ።

9. እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት።

እዚ ሰብኣይ ንጎይታ ኣይፈልጦን ነበረ፣ ስለዚ ከኣ፣ ነቲ ጎይታ ዝኣዘዙ ብምግባሩ ደኣ እዩ ተፈዊሱ እምበር ብእምነት ኣይኮነን። ጎይታ ንሓደ ሰብ ደሕሪ ምፍዋሱ፣ እቲ ዝሓወየ ሰብ የመስግነካ ክብሎን ሂወቱ ከኣ ክህቦን ክጽበ ይኽእል እዩ። ሉቃ 17:17

10. ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፥ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን፡ በልዎ።

ኣቶም ኣይሁድ ነቲ ሰብ ብምፍዋሱ ግዲ ኣይገበሩን። እዚ ዘርእየና ልቦም ክሳብ ክንደይ ተሪሩ ከም ዝነበረ እዩ።

11. ንሱ ግና፥ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። 

እቲ ዝሓወየ ሰብ፣ “ንዓይ ከም ዝፈወሰ ኣይትረስዑ፣ ንሱ ዝኣዘዘኒ እየ ከኣ ዝገብር ዘለኹ። ስለዚ ከኣ ኣነ ኣይበደልኩን” ይብል ነበረ።”

12 – 14

ንሳቶም፥ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ።

እቲ ዝሐወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን።

ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፥ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ።

ኩሉ ሕማም ካብ ሓጢኣት ኣይኮነን። ሓደ ግዜ ግን ሰባት ባዕሎም ብዝግበረዎ ነገራት እዮም ጠንቂ ሕማሞም ኮይኖም ዝርከቡ። ሓደ ሓደ ሰባት ኩሉ ሕማም ካብ ሓጢኣት እዩ ዝመስሎም፣ ስለዚ ከኣ ንዝሓመሙ ሰባት፣ እኹል እምነት የብልኩምን ብምብላ ተወሳኺ ሽግር ይፈጥሩሎም። ፍቕሪ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡1 ቆር 13:5, እብ 6:4 – 6, 2 ጴጥ 2:21, ማቴ 12:43 – 45

15 – 16

እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም።

ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጕዎ፡ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ።

ኣይሁድ ንጎይታ ንክጸልእዎ ዘጀመሮም ምኽንያት እዚ እዩ ኔሩ፣

መሊሱ ድማ በሎም፥ ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቖ፡ ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን አሎ፧ ሉቃ 14:5

17. የሱስ ግና፥ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።

እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ። መዝ 121:4

18. ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ።

ብዙሓት ንመጽሕፍ ቅዱስ ብዝግባእ ዘየጽንዑ ሰባት፣ ጎይታ የሱስ ኣምላኽ እየ ኣይበለን ኢሎም ይምህሩ። ኣይሁዳዉያን ግና፣ ጎይታ የሱስ ወዲ ኣምላኽ እንተኾይኑ፣ ንሱ ዉን ኣምላኽ ከም ዝኾነ ይፈልጡ ነበሩ።

19. የሱስ መሊሱ በሎም፥ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ።

ጎይታ የሱስ፣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዘይዓዪ እዩ ዝብል ዝምህር ዝነበረ። ሰባት ኣብ ልዕሊ ጎይታ እንተ ደኣ ተቖጢዕም፣ ንኣምላኽ ዉን ይቑጥዑሉ ኣለዉ።

20. ኣቦ ንወዲ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስካትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዝዓቢ ግብሪውን ከርእዮ እዩ።

እቲ ኣቦ ዝገብሮ ዘበለ ዂሉ ንወዱ ማለት፣ ንጎይታ የሱስ የርእዮ። ጎይታ የሱስ ከኣ ንስራሕ ኣምላኽ መታን ከግህዶ፣ ዝገብሮ ዘበለ ንሰባት ይርእዮም።

21. ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ።

ጎይታ የሱስ ንምዉታት ከተንስኦም ከም ዝኽእል ከርእዮም እዩ። ሰይጣን ኣብ ሂወትና ዝተበላሸዉና ወይ ዝሙቱና ጉዳያት ኩሉ ንከነዕርዮ ተስፋ ከም ዘይብልና ኣምሲሉ ይነግረና፣ ኣምላኽ ግን ኩሉ ዝሞተና ነገራት እንደገና ክሰርሖ ከም ዝኽእል ንክንኣምን ናትና ተራ እዩ።

22 – 23

ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ።

ሓደ ጉጅለ፣ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ከም ዝምህር እትፈልጠሉ መንገዲ፣ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ኣይኮነን ምስ ዝብል እዩ። በተመሳሳሊ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ኣይኮነን፣ ወይ ዉን ንሳቶም ባዕላቶም ብዝምህርዎ ጥራይ እዩ ክትርጎም ዝኽእል ምስ ዝብሉ እዩ። ንጎይታ ምንጻግ ማለት ንኣምላኽ ምንጻግ ማለት እዩ።

24. እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

ንሕና እቶም ዳግም ዝተወለድና፣ ካብ መንፈሳዊ ሞት ድሒንና ኢና፣ ሕጂ መንፈስና ህያዉ እዩ። ንጎይታ የሱስ እንታይ ከም ዘሓጉሶ ካልእ ሰብ ክነግረና ኣየድልየናን እዩ፣ ምኽንያቱ ከኣ መንፈስና ነቲ ጽቡቕን እኩይን ፈላልዩ ስለ ዘረእየና።

25 – 26

እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትህልዎ፡ ህይወት ሃቦ።

እቲ መቓብር ተኸፍተ፣ ኣካላት እቶም ሞይቶም ዝነበሩ፣ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ካብ ሞት ተንሰአ። ማቴ 27:52, ዮሃ 11:43

27. ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሃቦ።

ኣይሁዳዉያና ንመጽሓፍ ትንቢት ዳኒኤል ይፈልጥዎ ነበሩ፣ ከምኡ’ዉን ብዛዕባ እቲ መሲሕ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነን ይፈልጡ ነበሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጎይታ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣብ ዝነገረሉ ግዜ፣ ንትንቢት ዳኒኤል የዘክሮም ነበረ።

ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ። ዳኒl 7:13

28. ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።

ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። 1 ቆሮ 15:52

እቶም ኣብ ሓጢኣት ዝነብሩ ዘደሓኑ ሰባት ድሮ ተፈሪድዎም ኣሎ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ግን ነቲ ፍርዲ ከም ዘይቅየር ይገብሮ። ራኢ ራኢ 20:4 – 6

30. ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ።

እዚ ንክትዛረበሉ ቀሊል እዩ፣ ንሕና ንክንገብሮ ግን ከቢድ እዩ።

31. ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ።

ጎይታ ሓቀኛ ምስክር እንተ ዝነግሮም’ዉን ኣይምኣመንዎን ኔሮም። ኣይሁዳዉን ሰብ ብናይ ርእሱ ምስክር ምስ ዝህብ፣ ኣይቅበልዎን ነበሩ።

32. ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ አሎ፡ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምኳኑ እፈልጥ አሎኹ።

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዝመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂ’ውን ኪመርሓኩም እዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።  ዮሃ 16:13 – 14

33 – 36

ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ።

እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል አሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን።

ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም።

ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዓቢ ምስክር አሎኒ።

ኣብዚ ጎይታ “ ዋላ’ዉን ንዮሃንስ፣ ከም ቀንዲ ምስክር ናይ መወዳእታ ምስክረይ ጌረ ኣይቅበሎን እየ፣ ኣነ ዝግበሮ ዘለኹ፣ ሰብ ዘይገብሮ እዩ፣ ስለዚ ከኣ ኣምላኽ ከም ዝለእኸኒ ሓደ ምስክር እዩ” ከም ዝብል እዩ ዘስምዕ።

ሓደ ሓደ ሰባት ነቲ ጎይታ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት፣ ተኣምራታዊ ከም ዘይኮነ ነገር ጌሮም ከገልጽዎ ይፍትኑ እዮም። ንኣብነት “ጎይታ ኣብ ጥቓ እቲ ገምገም እዩ ኔሩ፣ ደቀ መዛሙርቱ ከኣ ኣብ ማይ ዝኸይድ ዝነበረ መሰሎም” ይብሉ እዮም። ኣምላኽ ኣብዚ ዘበን ዉን ተኣምራት ይገብር እዩ። ሰባት ግን ኣይኣምኑን እዮም። ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ኣምላኽ ዝገበሮም ተኣምራት ዘይቅበልዎ ሰባት፣ ኣብ ሂወቶም ብዙሕ ሓጢኣት ይሓብኡ ኣለዉ። ቲቶ 3:11

37. እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን።

ኣምላኽ ምስክሩ ሃቦም ንሳቶም ከኣ ክርእይዎ ኣይከኣሉን።

ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ። ሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፥ ነጕዲ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም፥ መልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ
ዮሃ 12:28 – 29

ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። ማር 9:7

38 – 39

በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞ፡ ቃሉውን ኣይሐደረኩምን።

ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጹሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ።

እቲ ቅዱስ ጽሑፋት፣ ብዛዕባ ሂወት ጎይታ እዮም ዝምስክሩ፣ ንኣብነት እንተርኢና ኣብ መዝሙር 22, ትንቢት ኢሳያስ 53, ሚኪያስ 53, ዘካርያስ9:9 ን 11:3

ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ ኣሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። መዝ 40:7

40 – 42

ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም።

ኣነ ውዳሴ ሰብ ኣይቅበልን እየ።

ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም ግና እፈልጠኩም አሎኹ።

ገለ ገለ ሰባት፣ ኩሉ መንግዲ ናብ ኣምላኽ እዩ ዝወስድ ይብሉ። እዚ ብዘይ ፍቕሪ ኣምላኽ ክኾኑን በቲ ዝደለይዎ መንገዲ ክመላለሱን ይገብሮም። ኣምላኽ ግን፣ ወይ ኩለንትናና ክህሉ ወይ ዉን ኩለንትናና ምስኡ ዘይምህላዉ ይመርጽ። ሰብ ክድሕነሉ ዝኽእል ካልእ መንገዲ ከም ዘናዲ፣ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ ምኽንያቱ ከኣ በቲ ብዛዕባ ጎይታ የሱስ ዝሰምዖ ክቕበሎ ስለ ዝኸብዶ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ጎይታ የሱስ ጠዋይ ዝኾነ ትምህርቲ ስለ ዝተማህሩ እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንዓና እቲ ትኽክለና መንነት ጎይታ የሱስ ብንጹር ከነርእዮም ልኢኹና ኣሎ።

43. ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩምንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ፡ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም።

ጎይታ የሱስ እቲ ኣምላኽ ሰባት ክሰምዕዎ ዝደለዮ መልእኽቲ የመሓላልፍ። ስለዚ እዩ ከኣ፣ ዮሃንስ እቲ ቃል ኢሉ ዝጽዉዖ። ኣይሁዳዉያን ምስቶም ጸረ ክርስቶስ ስምምዕ ክገብሩ እዮም። ዳኒ 9:27

44. ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፡

ሰባት ነቲ ዝደልይዎ ክረኽቡ ክብሉ ንሰባት የኽብርዎም። በንጻሩ ግን፣ ሰባት ኣምላኽ ዝግብኦ ክረክብ መታን ንዕኡ ክብሪ ክህብዎ ይግባእ።

45. ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸስኩምሲ አሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ።

ሕጊ፣ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝጸልእ ንኣይሁድ ኣርኣዮም። ኣይሁድ ነቲ ሕጊ ከም ዝኽተልዎ ክመስሉ ይኽእሉ እዮም፣ እንተኾነ ግን፣ ኣብ ዉሽጦም ክሲ ከም ዝለዎም ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ከኣ እቲ ንኣምላኽ ኢልካ ምፍላይ ዝብል ሙሴ ዝመሃሮም ትምህርቲ ካብ ልቦም ኣይኣምንዎን ነበሩ።

46 – 47

ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ አሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።

ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፡

ጎይታ የሱስ ኣብዚ ዝብሎም ዘሎ፣ እቲ ሙሴ ብዛዕባይ እተንብብዎ ጽሑፋት ብጥንቃቐ እንተ ዘይኣንቢብኩሞ ብዛዕባይ ክትዛረብዎ ትኽእልሉ ነገር የለን ከም ዝበሎም እዩ ዘስምዕ።