ዮሃንስ 6

1 – 2

ድሕርዚ የሱስ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ገሊላ፡ ንሳ ኸኣ ባሕሪ ጥብርያዶስ፡ ከደ።

ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ፡ ኣብ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ርእዮም ነበሩ እሞ፡ ሰዓብዎ።

ሰባት ብዝተፈላለይ ምኽንያታት እዮም ንጎይታ የሱስ ዝደልይዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ብርእሰ ፍትወት ተደሪኾም ክኾኑ ከለዉ፣ ካልኦት ከኣ ብድንገት ሓገዝ ምስ ዝደልዩ እዩ።

3
6

የሱስ ድማ ናብ ከረን ደዪቡ፡ ኣብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠ።

ፋስጋ፡ እቲ በዓል ኣይሁድ፡ ድማ ቀሪቡ ነበረ።

 

ሽዑ የሱስ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ርእዩ፡ ንፊልጶስ፥ እዚኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧ በሎ።

 

እቲ ኺገብሮ ዝደለዮስ ባዕሉ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ፡ እዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺዕዘቦ እዩ።


ሓደ ሓደ ግዜ፣ ጎይታ የሱስ ብዛንታ ተጠቂሙ ይምህርን ነበር። ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ነቲ ዘሎ ኩነታት ድሕሪ ምእዛብ፣ ነቲ ኩነት ዘንጸባርቕ ዛንታ ብምምሃዝ ይምህር ነበረ።

ጎይታ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጸገም ብከመይ ከፍትሕዎ ከም ዝኽእሉ ዝሓተቶም ሕቶ ረሲዖሞ ኔሮም። ነዚ ኩሉ ህዝቢ ዝኣክል መግቢ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ ኣይነበረን። ማቴዎስ 14:15

 

7. ፊልጶስ ከኣ፡ ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቘቍራስ ኣይበጽሖምን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

ን5000 ዝኣክል ህዝቢ ዝኸዉን መግቢ ንምግዛእ ብዝጣዕሚ ብዙሕ ገንዘብ የድሊ። ኣምላኽ ነቲ ዘይከኣል ኩነታት የዳልወና እዩ ዘሎ።

 

8 – 9

ካብቶም ደቀ መዛሙርቱስ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፥

 

ሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ አሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧ በሎ።


እቲ ቖልዓ ነቲ መግቢ ክሽጦ ሓሲቡ ክኸዉን ይኽእል፣ ግን ከኣ ወፍይዎ። ኣብዚ ከኣ እንድርያስ ንሰባት ናብ ክርስቶስ ከምጽኦም ከሎ ንርእዮ።

10. የሱስ ከኣ፥ ኣቐምጥዎም፡ በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ ተቐመጡ፡ ቍጽሮም ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ዚኣኽሉ ነበሩ።

ማርቆስ 6:39, ዳዊት 23:2

11
12

የሱስ ነተን ጐጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ነቶም እተቐመጡ ሃቦም፡ ካብቲ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ከከም ዝደለይዎ መቐሎም።

ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝተረፈ ቘረርስ፡ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፡ ኣክብዎ፡ በሎም።

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ ክዉስኹ ክሳብ ዘይክእሉ ከም ዝበልዑ ይነግረና።

13.
ስለዚ ኣከብዎ፡ ተረፍ እቶም ዝበልዑ ካብተን ሓሙሽተ ጐጎ ስገም ዓሰርተው ክልተ መሶብ ቈረርስ መልኡ።

ነቲ ተረፍ ምናልባት ነቲ ክሸይጥ ዝሕሰበ ቖልዓ ሂቦሞ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ 12 መሶብ ብምእካቡ፣ ኣምላኽ ዘድልየና ክህበና ከም ዝኽእል ነቶም 12 ደቀ መዛሙርቲ ከርእዮም ደልዩ ክኸዉን ይኽእል።

 

14 – 15

እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩ፥ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ፡ በሉ።

 

የሱስ ድማ፡ መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ።


ኣምላኽ ሓደ ሓደ ዝመደቦም ነገራት ነበሩ፣ ስለዚ ንሕና ከኣ ምስቲ ናቱ መደብ ተሰማሚዕና ክንዓዪ ኣሎና ደኣ እምበር ናይ ርእስና መደብ ክህልወና የብሉን። 

ከም ምሳሌ ክኾነና፣ ሙሴ ነቲ ኸዉሒ ክዛረቦ ተነግሮ፣ ሙሴ ግን ብበትሪ ሃረሞ።  ኣምላኽ ነቲ ኸዉሒ ወይ ክርስቶስ ናብ ደቂ ሰባት ክልእኾ ከም ዝኾነ ንደቂ ሰባት ከርእዮም ደለየ። እቲ መደብ ከኣ ደቂ ሰባት ንየሱስ ክዛረብዎ ከም ዘለዎም ንምርኣይ እዩ። ሙሴ ከኣ ነቲ ኸዉሒ ብምህራም ነዚ መልእኽቲ ኣየብጽሖን። ዘህልቍ 20:12

ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ልክዕ ኣብታ ዳኔኤል ራእይ ዝረኣየላ መዓልቲ ኣምላኽ ንጎይታ የሱስ ንጉሶም ከም ዝኾነ ከግህደሎም ደለዩ ነበረ። ጎይታ የሱስ ካብቲ ቦታ ተበገሰ፣ ምኽንያቱ ከኣ እታ መዓልቲ ብኣምላኽ ዝተመርጸት ኣይነበረትን። ቅድሚ ንኣምላኽ ዘሊልና ቀዲምናዮ ንኸይድ ፍቓዱ እንታይ ከም ዝኾነ ክንሓቶ ኣሎና። ዳንኤል 9:25

 

16 – 18

ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ።

 

ኣብ ጃልባ ኣትዮም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ጸልሚቱ ነበረ፡ የሱስውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ።

 

እቲ ባሕሪ ግና፡ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነፈሰ፡ ይናወጽ ነበረ።


የሱስ ንዕኡ ገዲፎሞ ክኸዱ ነገሮም። ማዕበል ናይ ማይ ከም ዝመጽእ ፈሊጡ ነበረ። ኣብ ካልእ መጽሓፍቲ ወንጌል፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ለይቲ ምሉእ ምስቲ ማዕበል ይቃለሱ ከም ዝነበሩ ይነግር። ኣምላኽ ናብ ማዕብለ እንተ ደኣ ልኢኽካ ዘጨንቕ ምኽንያት ይብልካን።

ሽዑ ሽዑ፣ የሱስ ነቶም ህዝቢ ነናብ ቤቶም ክሳብ ዘፋንዎም፣ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ናብ ጃልባ ክምለሱን ናብቲ ሓደ ገምገም እቲ ቀላይ ክሰግሩን ኣጥቢቑ ነገሮም። ማቴዎስ 14:22

19 21

ዕስራን ሓሙሽተን ወይ ሰላሳ እስታድዮስ ምስ ከዱ ኸኣ፡ የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኪቐርብ ከሎ፡ ርእዮም ፈርሁ።

 

ንሱ ግና፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም።

 

ሽዑ ናብ ጃልባ ኼእትውዎ ደለዩ፡ እታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዚኸድዎ ዘለዉ ምድሪ በጽሔት።


ኣብ ሽግር ኣብ ንወድቀሉ ግዜ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣምልኽ ካብኡ ሓገዝ ንቕበል ዲና ወይስ ባዕልና ክንፈትሖ ንዉስን ንክርእየና ቅድም ይዕዘበና እዩ።

ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፡ ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም። ብራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣቢሉ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ናባታቶም መጸ ኺሐልፎምውን ደለየ። ማርቆስ 6:48

 

22 – 25

ንጽብሒቱ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፡ ብጀካ ሓንቲ ጃልባ ኽልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፡ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ንበይኖም ከም ዝኸዱ እምበር፡ የሱስ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይኣተወ ምስ ረኣዩ፦

 

ግናኸ ኻልኦት ጀላቡ ካብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ባረኸ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ፦

 

ሽዑ እቶም ዝህቢ፡ የሱስ ኰነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ዘይምህላዎም ርእዮም፡ ንሳቶም ድማ ናብተን ጃለቡ ኣትዮም ንየሱስ እናደለይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ።

 

ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፥ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፡ በልዎ።


ኣንፈት እቲ ንፋስ ኣንጻር ስለዘይነበረ፣ ጃላባ ተጠቒሙ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ ኢሎም ሓሲቦም ኔሮም። ኣደላልይኦም ከምቶም ሓገዝ ክሓትዎ ኢሎም ዝመጹ ሰባት ከም ዘይመስልን ኣስተዉዕሉ። ብዛዕባ እቲ ዝምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ክፈልጡ ህንጡይነት ዝነበሮም ኣዮም ዝመስሉ ኔሮም።  ሓቅርኛ ድሌቶም ግን ተኣምራት ክርእዩን መግቢ ክወሃቦምን እዩ ኔሩ።

 

26. የሱስ ድማ፥ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

ነቲ እንጀራ ዝወሰድኩሞ ስለ ዝጠመኹም ኢኹም እምበር ንኣምላኽ ስለ ዝደለኹሞ ኣይኮንኩምን። ሕጂ ዉን ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ዝደልይዎ ይመስሉ፣ እንተ ኾነ ግን የሱስ ህይወቶም ንክቕይሮ ኣይፈቕዱሉን እዮም።

27.
ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ’ ኢሉ መለሰሎም።

ነቲ ኣነ ዝህበኩም እንጀራ ብዘይ ክፍሊት ብኸምኡ ተወሃብኩም፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ፣ ንዘልኣለም ዝጸንሕ ካልእ መግቢ ከይሰራሕኩሙሉ ክህበኩም እየ።

28. ስለዚ ንሳቶም፥ ግብሪ ኣምላክ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፡ በልዎ።

እቲ እንጀራ ከይዓየኹሙሉ ብናጻ ከም እትህበና ኢላካ። እንታይ ዓይነት ዕዮ ኢና ክንዓዪ። ካሎኦት ሰባት እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ክሓቱ ዘገርም እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 16:30

29.
የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም።

ናትና ዕዮ ንኣምላኽ ድሉዋት ክንከዉንን፣ ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ ክንዉከሎን እዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ያዕቆብ ዘገለጾ፣ ግብሪ ካብ ዘልኣለማዊ ኮነኔ/ገሃነም ኣየድሕንን እዩ። እንታይ ደኣ፣ ግብሪ ከም ኣብ መሰዉኢ ዝቐርብ ንኣምላኽ ኢልና እንስዉኦ መስዋእቲ እዩ። ያዕቆብ 2:18

 

30. ስለዚ፥ ርኢና ክንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር አሎኻ፧

እዚ ዘርእየና፣ እቲ ቅድሚኡ ዝተገብረ ትኣምራት ከም ዝረስዕዎ እዩ። ብእምነት ህጻናት ዝኾኑ ሰባት፣ ኩሉ ግዜ ተኣምራት እዮም ዝደልዩ። ዘይኣምኑ ሰባት ትኣምራት ክርእዩ ይሓቱ፣ ትኣምራት ምስ ዝርእዩ ከኣ ካልእ ተወሳኺ ተኣምራት ክሳብ ዘይረኣዩ፣ ነቲ ቐዳማይ ተኣምራት ከም ዘይኣምኑ፣ ይዛረቡ። ኣምላኽ ከዘናግዓና ኢሉ ተኣምራት ኣይገብርን እዩ።

31.
ኣቦታትና፡ ከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም፡ ዚብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ።

 

እብዚ ዝብሉ ዘለዉ፣ ሙሴ ትኣምራት ይገብር ነይሩ እዩ’ሞ፣ ንሕና ዉን ትኣምራት ክትግበር ኢና ንደልየካ። ሙሴ ነቲ ህዝቢ ይምግብ ነበረ፣ ስለዚ ካልእ ትኣምራት ክንርኢ ንደሊ ኣሎና እዩ ዘስምዕ። ዘጸአት 16:21

 

32 – 34

ሽዑ የሱስ፥ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

 

ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ እቲ እንጌራ እቲኸ ኵሉ ሳዕ ሃበና፡ በልዎ።


 እዚ ክብል ከሎ ጎይታ፣ ኣነ መንፈሳዊ ዕዮ ክዓዪ እየ ዝመጻኩ እምበር፣ መግቢ ክምግብ ጥራይ ኣይኮነን። ሙሴ’ዉን እተኾነ ካብ ርእሱ ኣይኮነን ነቶም ህዝቢ መጊብዎም፣ ኣምላኽ እዩ መጊብዎም። ኣነ ኸኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም እህበኩም ኣለኹ። እቶም ህዝቢ፣ ነቲ ማና እዮም ዝዝክሩ ዝነበሩ።

ንሙሴ ግና ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ገለ ሰባት ካብኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣትረፉ፡ ንሱ ኸኣ ሐሰኸ፡ በድበደ ድማ። ሙሴ ኸኣ ብኣታቶም ተናደደ። ዘጸአት 16:20

 

35. የሱስ በሎም፥ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከቶ ኣይጸምእን እዩ።

ሰባት ብዘይ ብእኦም ክንነብር ኣይንኽእል ኢና ዝብልዎም ነገራት ኣለዉ። እንተኾነ ግን ነዞም ነገራት ምስ ረኸብዎም እቲ ዝምነይዎ ሓጎስ ክፈጥረሎም ኣይክእልን እዩ።

36.
ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም እዩ፥ ርኢኩምንሲ ኣይኣመንኩምንን።

ሓደ ሓደ ግዜ፣ ብርሃን ኣምላኽ ቀዲሙ ኣብ ካልእ ምስ በርሀ እዩ ናባና ዝመጽእ። ናይ ሓደ ብርቱዕ ክርስትያን ታሪኽ ሂወት ኣብ እነንብበሉ ግዜ፣ እቲ ብርሃን ኣባና ከንጸባርቕ ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ብርሃን ክንርእዮ ንኽእል ኣብቲ መሐለዊና ተዳሊና ምስ እንጽበ ጥራይ እዩ። በቲ ኣምላኻዊ መንገዲ ክንመላለስ ብዝመረጽናዮ ግዜን ኣብቲ ክንጸንሖ ዝግበኣና ቦታ ብዝጸናሕናዮ መጠንን፣ ዝዛየደ ብርሃን ክንርኢ ንኽእል። ዝተቐብልናዮ ብርሃን ዝያዳ ብርሃን ሒዝልና ይመጽእ፣ ዝነጸግናዮ ብርሃን ከኣ ዝያዳ ጸልማት ንክህልወና ጠንቂ ንከዉን።

37 40

ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።

 

ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ።

 

ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኽተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ።


ኩሉ ሰብ “ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ?” ኢሉ ይሓትት ኣሎ። ፍቓድ ኣምላኽ፣ ደቂ ሰባት ካብ ኩሉ ዓይነት እከይ ክፍወሱን እዩ።  ኣምላኽ በቲ መንፈሳዊ ዉግእ ክንስልጠንን በቲ ዝሰልጠንናዮ ከኣ ብዙሓት ሰባት ካብ ጸልማት ናጻ ክወጹን ካብ ሽግራት ናይ ሂወት ክድሕኑን እዩ።

41 – 43

ሽዑ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ፡ ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ብዛዕባኡ ኣጕረምረሙ እሞ፥

 

እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፡ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ካብ ሰማይ ወረድኩ፡ ይብል አሎ፧ ይብሉ ነበሩ።

 

የሱስ መሊሱ በሎም፡ ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ።


ሓደ ሓደ ሰባት በቲ ፈሊጥናዮ ዝብልዎ ንእሽተይ ፍልጠት ክመላለሱ ይደልዩ፣ ንካልእ ሓሳብ ዋላ ዉን ሓንቲ ቃል ክሰምዑ ይኸብዶም። እዚ ማለት ዋላ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘንብብሉ ግዜ፣ ነቲ ቃል ስለ ዘይቅበልዎ ኣብ ኣእምሮኦም ኣይጸንሕን እዩ።

ኣይሁዳዉያን ነቲ ቃል ኣምላኽ ብምጥዋይ፣ እቲ መሲሕ ካበይ ከም ዝመጽእ ሰብ ክፈልጥ ከም ዘይክእል ኣምሲሎም ይዛረቡ ኔሮም። ኢሳይያስ 53:8

ሓደ ሓደ ቤተ ክርስትያናት፣ ዮሴፍን ማርያምን ቆልዑ ኣይነበሮምን ኢሎም ይምህሩ፣ እንተኾነ ግን፣ ፋሪሳዉያን ጎይታ የሱስ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ እዮም ዝነብሩ ኔሮም፣ እቲ ቃላቶም እንተ ርኢናዮ ከኣ ኣብ ስድራቤት ዮሴፍ ማርያምን ዝያዳ ቆልዑ ከም ዝነበሩ እዩ ዝትርጎም።

ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰኑን፡ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም።

ማቴዎስ 13:55  

 
44.
እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንሲኦ እየ።

ንሰባት ካብ ክርስቶስ ዘምጽኦም ቀዳማይ ነገር፣ ጎይታ የሱስ ኣብ መስቀል ምእንተኦም ከም ዝሞተ ምስ ዝርእዩን ዝሰምዑን እዩ።

ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።

ዮሓንስ 12:32

45.
ኣብ ነብያትውን፥ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም፡ ዚብል ጹሑፍ አሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ።

ጎይታ የሱስ ዝብሎ ዘሎ ካብ ኣምላኽ ስለ ዘይተመሃርኩም፣ ናባይ ኣይመጻኩምን፣ በቲ እኩይ ወይ ዉን ብኣእሙሮኹም ኢኹም ትመሃሩ ዘለኹም፣ ከም ዝበሎ እዩ ዘስምዕ። ኢሳይያስ 54:13

46 49

ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ ንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ።

 

እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

 

እንጌራ ህይወት ኣነ እየ።

 

ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ።


ነቲ ዘልኣለማዊ ሂወት ዘይህብ መግቢ ምብላዕ ክትዉስኹ ትደልዩ፣ ነቲ ካብ መንግስተ ሰማያት ዝኾነ እንጀራ ሂወት ግን ኣይትደልይዎን እዩ ዝብሎም ዘሎ።

እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ።

ዘህልቍ 21:5

50 51

ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ።

 

እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።


ጎይታ የሱስ ነቲ ዝምህሮም ትምህርቲ ዝኣመኑ ኩሎም እንተ ኣሚኖም ንዘልኣለም መታን ክነብሩ ኢሉ፣ ስግኡን ደሙን ከም ዝሃበ ብዘየወላዉል መንገዲ ተዛረቦም።

52.
ስለዚ ኣይሁድ፥ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ።


ነቲ ስጋዊ ምስቲ መንፈሳዊ ስለ ዝሓዋወስዎ ክርድኦም ተጸጊሞም ነበሩ።

ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና።

1ይ ቆሮንቶስ 2:13

53.
የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

መንፈሳዊ መግቢ ኩሉ ግዜ ድዩ ዘድልየና? ኩሉ ግዜ ኣየድልየንን እዩ ኢልካ ትሓስብ እንተኮንካ፣ ናብ ሞት መንገዲ ኢኻ ተምርሕ ዘሎኻ። ነቲ መንፈሳዊ መግቢ ብዘይምብላዕካ ምኽንያት፣ ቅድሚ ሙማትካ፣ ምስ ሰባት ዘሎካ ዝምድናን ካልእ ነገራት ክመዉት ይኽእል እዩ።  

54 – 57

ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።

 

ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ።

 

እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ።

 

ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ።

 

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፣ ስጋ ቆልዑን ደሞምን ይበልዑን ይሰትዩ ተባሂሉ ይኽሰሱ ነበሩ። ነቲ ሓቂ እንተ ዝደልዩ ግን፣ ነቲ ሓቂ ዝፈልጥ ክሓቱ ኔሩዎም። ነቲ ሓቂ ክፈልጥዎ ምስ ዘይደልዩ ግን፣ ዘይተገብረ ምሂዞም ክዛረቡ እዮም።

ከምዚ ክብል ምኽኣለ ኔሩ፣ " ኣነ ንኣምላኽ ናብ ስጋን ደምን ዝለበሰ ሰብ ለኣኽክዎ። ክርስቶስ ንኣና መታን ከደሕን ኢሉ ስጋን ደምን ለቢሱ ብምምጽኡ እንተ ደኣ ምሉእ ኣሚንካ ዘልኣለማዊ ሂወት ክትረክብ ኢኻ።" 

ኣምላኽ ብከምዚ ዝስዕብ ኣይኮነን ዝገልጾ ኔሩ፣ ከምቲ ኣብዚ ሂወት ልሙድ ዝኾነ ኣብ መንገድኻ መዓንቀፊ ኣቐሚጡ፣ “ክሳብ ክንደይ ክትፈልጥ ተደሊ?" ማቴዎስ 26:27 – 28

58 59

እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።

 

ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ።

 

ጎይታ መንፈሳዊ ትምህርቲ እዩ ዝምህሮም ዝነበረ። ንሳቶም ግን፣ መንፈሳዉያን ስለ ዘይነበሩ ኣይርድኦምን ነበረ።

 

60. ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ።

ንሳቶም ዝብሉ ዘለዉ” ዝመዉት እንተኾይኑስ እቲ መሲሕ ኣይኮነን ማለት እዩ”። ንሓደ ዓይነ ስዉር፣ ሓርማዝ እንታይ ከመ ዝመስል ብቃላት ክትገልጸሉ ምስ እትፍትን፣ ነቲ እትብሎ ብግምት ጥራይ እዩ ክርድኦ ዝኽእል።  

ንክርኢ ዝተዓደለ ሰብ ዉን ሓርማዝ ከመይ ከመ ዝመስል ክትገልጸሉ ይከኣል እዩ። እንተኾነ ግን፣ ዓይኑ ዕሚቱ ብእዝኑ ምስ ዝጥቀም፣ እቲ እትብሎ ብትኽክል ኣይክርድኦን እዩ። ናቲ ናይ ኣምላኽ ዝኾነ ነገር፣ ብመንፈስካ ከይተጠቀምካ ክትርድኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ማዕጾኡ ዝኸፍት ጥራይ እዩ መብራህቲ ዝበርሃሉ፣ እቲ ዝረኽቦ መጥን ብርሃን ከኣ ከም መጠን ምኽፋት እቲ ማዕጾ እዩ።

61 – 62

የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧

 

ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧


ጎይታ የሱስ ንሞቱን ትንሳኤኡን የዳልዎም እዩ ዘሎ። ሮሜ 10:6 – 7

63.
መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን።

ጎይታ የሱስ፣ “ዋላ ዉን እንተሞትኩ፣ ሂወተይ ኣብ ስጋይ ዘይኮነስ፣ ኣብ መንፈሰይ እዩ ክቕመጥ” እዩ ዝብል ዘሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሶም ዘየንብቡ ሰባት፣ ንክርድእዎ ይሽገሩ እዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ፣ ጂኦግራፊ ወይ ታሪኽ ክርድእዎ ይኽእሉ ይኾኑ እዮም፣ ነቲ ትኽክለኛ መልእኽቲ ግን ኣይክርድእዎን እዮም፣ ደሕሪ ምድሓንካ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስካ ከትርድኦ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ቃላትን ፊደላትን መጽሓፍ ኣይኮነን። ናይ መንፈስ መጽሓፍ እዩ። ስልዚ ከኣ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስና ከነንብቦ ኣሎና። ዮሐንስ 4:24

ንኣምላኽ ብኣእሙሮኻ ወይ ብስምዒትካ ካብ ምምላኹ ተጠንቀቕ። ቆሎሴ 2:23 ብገዛእ ፍቓድ ካብ ምምላኽ ክንጥንቀቕ ይምህረና። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦ እንተ ዘይክኢልካ፣ ኣብ ሂወትካ ገለ ነገር ጎዲሉ ከም ዘሎ ይፍለጠካ እዩ።

64.
የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥

ኣይሁዳዉያን ኣይርድኦምን ኔሩ ምኽንያቱ፣ ኣብ ሓደ ግዜ፣ ኣብ ክልተ ነገራት እዮም ዘተኩሩ ኔሮም። ነቲ ለሚዶሞ ዝነበሩ ነገራት ክገድፍዎም ኣይደለዩን ኔሩም። ንነገራት ብናይ ኣምላኽ መንገዲ ምስእተግብሮም፣ ብሓቂ እቲ ዝመረጽካዮ መንገዲ ናይ ኣምላኽ ድዩ ወይስ ኣይኮነን ሽዑ ሽዑ ክትፈልጥ ኢኻ። ንነገራትካ በቲ ናይ ኣምላኽ መንገዲ ክትገብሮም ምስ ዘይትዉስን፣ ክትድኦም ኣይትኽእልን ኢኻ። ዮሐንስ 7:17

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ክትርድኦ ዘይምኽኣልን ካብኡ ክትረኽቦ ዝግበኣካ ብርሃን ክትረክብ ዘይምኽኣል፣ ብቀሊል ዝሕለፍ ነገር ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ትሕት ክብል ፍቓደኛ እንተ ዘይኮይኑ፣ ምኽንያታት እናምጽአ ደጊኡ ከጸብቕ ይፍትን እዩ።  ብዘይመንፈስ ኮይኑ ናይ ኣምላኽ ባህሪ ከጽንዕ ምስ ዝፍትን ከኣ፣ ነቲ ብሰንኪ በደላቱ ዝስምዖ ክሲ ክሓብኦ ክፍትን እዩ።

65.
ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።

እዛ ጥቕሲ፣ እቶም ሓደ ሓደ ሰባት ጥራይ እዮም ዝድሕኑ፣ ካልኦት ሰባት ግን ዝገበሩ ይግበሩ፣ ክድሕኑ ኣይክእሉን እዮም ኢሎም ዝምህሩ መምሃራን እዮም ዝጥቀሙላ።  ኣምላኽ ግን ኩሉ ንወንጌል ዝሰምዐን ዝኣመነን ከም ዝድሕን ኣርእዩና ኣሎ። 

ኣማልኽ ናባይ የምጽኦም ክብል ከሎ፣ ነቲ ሓቂ የፍልጦምን ዓይኖም ከኣ ይኸፍትን ማለት እዩ። ሰባት ነቲ ሓቂ ክጥዕምዎ ይኽእሉ እዮም፣ ድሕሪኡ ግን ዘይክመርጽዎ ዉን ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ሰብ ከምዚ ምስ ዝገብር፣ ብድሕሪዚ እቲ ሰብ ከይተመስልሰ ናይ ፍርዲ ግዜ ክእክል ይኽእል እዩ። እዚ ነቲ ጳዉሎስ ኣንጻር መንፈስ ቅዱስ ክኸዉን ከሎ የዘኻኽረና። ግብሪ ሃዋርያት 9:5 

ኣብ መወዳእታ፣ እቲ መንፈስ ናብ ጎይታ የሱስ እናኣቕረቦ ምስ ከደ፣ ጳዉሎስ ቅኑዕ ስጉምቲ ክወስድ ጀመረ። ኣምላኽ ነቶም ኣብ ሂወትካ ዘለዉ ሰባት ናብኡ ንክስሕቦም ማለት ጸሊ።

ኣይሁዳዉያን ነዚ ክርድእዎ ኣይከኣሉን፣ ንሕና ግን እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ንርድኦ ኢና። ድንን ኢልና ንሰግድ እሞ፣ ከምዚ ንብል፡” ኦ ጎይታ፣ ስጋን ደምን ለቢስካ እንተ ዘይትመጽእሲ፣ ሎሚ ብሂወት ኣይምሃለኹን።

ሓደ ሰብ ገዝኡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ክረክብ ኢሉ ብዘይካ ስልኪ/ቋረንቲ ኩሉ መሳርሒ ምስ ዘዳሉ፣ ብካልእ ነገራት ማለት ብዕንጨይቲ፣ ክዳን፣ ካልእን ክፍትን ይኽእል ይኸዉን፣ ግን ኣይክሰርሓሉን እዩ። ነቲ ስልኪ ኣብ ዘዳልወሉ ግዜ ግን፣ ነቲ ኤለክትሪክ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ መንፈስ ኣምላኽ ምስ ዝህልወካ፣ ነቲ ቃሉ ንክትርድኦ ኣይክትሽገርን ኢኻ።

 

66. ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን።

እዞም ሰባት ሰዓብቲ እምበር፣ ደቀ መዛሙርቲ ኣይኮኑን። ካብኣቶም ኣየናይ ኢኻ።

የሱስ ግና፥ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።”  ሉቃስ 9:62

67 69

ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም።

 

ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧

 

ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ።


ኣብ ሂወትካ ሽግር ምስ ዝህሉ፣ ሰይጣን፣ “ኣምላኽካ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ይሓተካ። ብከምዚ ዓይነት መንገዲ ከኣ ናብ ጓሂን ዝመልኦን ተስፋ ዘይብሉ ዝመስል ሂወት ይመርሓካ። 

ንሕና ግን “ ኦ ጎይታ፣ ናበይ ክንከይድ ንኽእል፣ ንስኻ እቲ እንኮ ተስፋና ኢኻ” ኢና ንብል


ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።


ኤርምያስ 29:11

 

70 – 71

የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።

 

እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።



ኣምላኽ ዝመረጾም ሰባት ጥራይ እዮም ዝድሕኑ ምባል ጌጋ እዩ፣ ምኽንያቱ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ተመሪጹ እዩ ዝነበረ፣ እንተኾነ ግን፣ ወደቐ።