ዮሃንስ 7
1 – 2
ድሕርዚ የሱስ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺዘውር ኣይፈተወን እሞ፡ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ።
እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ።
እዚ እቲ ኣይሁዳዉያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምዉጽኦም፣ ኣብ ዳስ ይቕመጡ ኣብ ዝነብሩሉ ኣብ ግዜ እዩ ዘዘክሮም። ዘለዋውያን 23:42
3 – 5
ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፥ ባዕሉ ኺገሃድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግለጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ።
ኩሎም ኣወዳት ዘበሉ፣ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ንሰለስተ ግዜ ኣብ ዓመት ክቐርቡ ነይርዎም። እዚ በዓል ሓደ ካብዞም ግዚያት እዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ፣ ኣሕዋቱ ንሱ መሲሕ ከም ዝኾነ ኣይተረድኦምን ኔሩ። ብድሕሪዚ ግን ከም ዝኣመኑ ንርእዮም።
ዚ
ኣዝማዱ ምስ ሰምዑኡ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ኪሕዝዎ መጹ። ማርቆስ 3:21
6 – 9
የሱስ ከኣ፥ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ።
ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን፡ ንኣይ ግና፡ ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ።
ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ፡ በሎም።
እዚ ምስ በሎም፡ ኣብ ገሊላ ተረፈ።
ጎይታ የሱስ፣ እቲ ከም መሲሕ ክግለጸሉ ዝኽእል ግዜ ከም ዘይበጽሐ ይሕብሮም ነበረ። ኣምላኽ፣ ጎይታ የሱስ ናብ የርሳሌም ዝኣትወሉ መዓልቲ መሪጹ ከም ዝነበረ ኣንረስዕ። እዚ፣ ኣነ “ክኸደሉ ዝግባእ ግዜ ኣይኮነን። ንስኻትኩም ኣብ ዝኾነ ግዜ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም፣ እንተኸድኩም ዉን ጸገም የብሉን” ከም ዝብሎም ዘሎ እዩ።
10 – 11
እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ፡ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበ። ግናኸ ተሐቢኡ እምበር፡ ብግሁድ ኣይኰነን።
ኣይሁድ ግና በቲ በዓል፥ ኣበይ አሎ ንሱ፧ እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ።
እቶም ኣይሁዳዉያን ንጎይታ የሱስ ክቐትልዎ ከም ዝደልዩ ንርዳእ።
12. እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፥ ሕያዋይ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት አሎ፡ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ።
ኣምላኽ, ጎይታ የሱስ ሕዋያዋይ ኢሎም ዝዛረበሉ ሰብ ኣይኮነን ደልዩ ኔሩ። ጎይታ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ክትኣምን ኢኻ ወይ ኣይክትኣምን ኢኻ። ንጎይታ የሱስ ጌጋ ነገር ፈጺሙ ኢሉ ክኸሱ ዝኽእል ሰብ የለን። ዋላ ዉን ጲላጦስ፣ ይሁዳን፣ እቲ ንጹሕ እዩ ኢሉ ዝመስከረሉ ሮማዊ ወትሃደርን ከይተረፉ ክኸስዎ ኣይከኣሉን።
13. ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን።
ቃል ኣምላኽ መሊኡካ እንተ ኮይኑ፣ ከምኡ ከኣ ጸላዪ እንተኮንካ፣ ከይድካ ብዛዕባ ጎይታ የሱስ ክትዛረብ የተባብዓካ። ወንጌል ንሰባት ካብ ሞት ናብ ሂወት ናይ ምምላስ ሓይሊ ስለ ዘለዎ፣ ኣምላኽ ተዛረቦ ዝበለካ መልእኽቲ ክትብሎ ኣይትፍራሕ።
ንሰብ ምፍራህ
ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ብእግዚኣብሄር
ዚእመን ግና ኣብ ደሓን
ይነብር።
ምሳሌ 29:25
14 – 16
የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ።
ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ ኢሎም ተገረሙ።
ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፥ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።
ጎይታ የሱስ ኣብ ኩሉ እንገብሮ ነገራት ኣብነት እዩ ዝኾነና። ኣብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምልላስ ካብ ሰባት ብዙሕ ነገር ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ንላዕሊ ግን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ መጽሓፍ፣ መዘከሪ እናጸሓፍካ ክትመሃር ከለኻ ዝያዳ ሓይሊ ትረክብ። ናብ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መጽሓፋት ብምኻድ፣ ክትርድኦ ብእትኽእል ቃላት ጌርካ ሕዞ። ኩሉ እቲ ዝበርሃልካ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኣብ መዘከሪ ብምስፋር ከትጽንዖ ፈትን። ንካልኦት ክርስትያናት ከኣ እቲ ጽሑፍካ ክርእይዎ ዓድሞም። ከምዚ ዝገብሩ ሰባት ዉሑዳት እዮም። ኣማልኽ ከኣ እቲ ዝመሃረካ ነገር መታን ክርእይዎ፣ ናብኻ ሰባት ከም ዝልእኽ ክትርእይ ኢኻ።
17. ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ።
ኣብ መጻሕፍ ቅዱስ ኣማልኽ ከምዚ ከብል ኣብ ብዙሕ ንረኽቦ፡ “እቲ ዝእዝዘኩም እሞ ፈጽሙ፣ ድሕሪኡ እቲ ዝርዝሩ ክበርሃልኩም እዩ” ከቢድ ግዜ ኣብ ተሕልፈሉ ግዜ፣ እቲ ክትገብሮ ከም ዘሎካ ዝተረደኣካ ነገር፣ ብዛዕባ እቲ ዘይትፈልጦ ነገር ኣይትጨነቕ። መንፈስካ በቲ ቅኑዕ መንገዲ ክትመላለስ ክረድኣካ እዩ።
እቲ መንፈስ
ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ
ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ
እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን
እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ
ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ
ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።
ዮሐንስ 16:13
18. እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።
እቲ ካብ ርእሶም ዝኾነ ሓሳብት ካብ ዝምህሩ መምሃራን ተጠንቀቕ። ተራ ናይ መምህር፣ እቲ መጽሕፍ ቅዱስ ዝብሎ ንክምህር እምበር፣ በቲ ዝመስሎ ክገልጾ ኣይኮነን።
19 – 20
ሙሴዶ ሕጊ ኣይሃበኩምን እዩ፧ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፧
እቶም ህዝቢ ኸኣ፥ ጋኔን አሎካ፡ መን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊ፧ ኢሎም መለስሉ።
እቲ ሕጊ፣ “ኣይትቕተል” “ብሓሶት ኣይትመስክር” ይብል። እንተ ኾነ ግን፣ ሓሶት ክዛረቡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝቐለለሎምን፣ ብዛዕብኡ ዉን ክሲ ከም ዘይስምዖምን ንርኢ።
21 – 23
የሱስ ከኣ፥ ሓደ ግብሪ ገበርኩ፡ ንዅላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም።
ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም፦ እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እምበር፡ ካብ መሴ ኣይኰነን፦ ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ አሎኹም።
እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ፡ ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ፡ ስለምንታይ ትዅርዩለይ አሎኹም፡
ብዛዕባ እቲ ጎይታ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 5:1-9 ዝፈወሶ ሰብኣይ ጌና ተናዲድም ነበሩ። ቁልዓ ወዲ 8 መዓልቲ ምስ ኮነ ይኽንሸብ ስለ ዝነበረ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ይግበር ነበረ። ጎይታ የሱስ ከኣ “ዕዮ ኣምላኽ ሰንበት ክግበር ሰናይ ካብ ኮነ፣ ኣነ ኸ ብሰንበት መዓልቲ ንሰብ ክፍዉስ ከመይ ጽቡቕ ኣይከዉንን” እዩ ዝብሎም ዘሎ።
24. ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።
ብዛዕባ ሓደ ሰብ ብዝያዳ ከይፈለጥካ ክፉእ ምሕሳብ ስናይ ኣይኮነን። ብፍላይ ናይቲ ሰብ ኩነታት ከይፈለጥካ፣ ንካልኦት ሰባት ብግምቲ እናተዛረብካ ሽማ ሰብ ኣይተጸልም። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ትዛረበሉ ነገር ብዕምቆት ኣይትፈልጦን ኢኻ።
25 – 26
ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ፡ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧
እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ አሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም፧
ሓደ መራሒ ኣብ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ከኣ እዩ መራሒ ማለት ከም ኣገልጋሊ ክኸዉን ዘለዎ እምበር ከም ኩሉ ዝፈልጥ ኣዛዚ ክኸዉንን ንኩሉ ሰብ ከኣ ከም ናቱ ንክሓስብ ክግድዶ የብሉን።
27 – 29
ግናኸ እዚ ካበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን፡ በሉ።
የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ ዓው ኢሉ፥ ንኣይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርሰይ ኣይመጻእኩን፡ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።
ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ እፈልጦ እየ፡ በለ።
ጎይታ የሱስ ኣብ ቤትልሄም ከም ዝዉለድ ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ናዝሬት ከም ዝነብር፣ ኣምላኽ ፈሊጡ ከም ዝነበረ ይፈልጡ እዮም፣ ምኽንያቱ ከኣ ኢሳያስ ክጽላእ ከም ዝኾነ ተነብዩ ነበረ። ኢሳይያስ 53:8
30. ስለዚ ኺሕዝዎ ደለዩ። ጊዜኡ ስለ ዝይበጽሔ ግና፡ ኢዱ ዘልዓለሉ የልቦን።
ሓደ ሓደ ሰባት ኣለዉ፣ ንጎይታ ክቕበልዎ ኣይደልዩን ጥራይ ዘይኮነስ ካልኦት ዉን ብዛዕብኡ ክሰምዑ ኣይደልዩ እዮም።
31. ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ፡ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧ በሉ።
እቶም ኣይሁድ ብዛዕባ ተኣምራታት እዚ መሲሕ ክገብሮም ዝኾነ ነገራት ብዙሕ ሓሳባት ነበሮም። ኢሳይያስ 61:1
32 – 34
ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ሰምዑ። ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላዉኦም ለኣኹ።
ስለዚ የሱስ፥ ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ።
ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም።
ኣብ ሓጢኣት ዝነብሩ ሰባት፣ ንጎይታ ካብ ምቕባል ምዉሳን ምስ ዝኸብዶም፣ ሓደ ግዜ ነዚ ዕድል ክስእንዎ ከም ዝኽእሉ ክፈልጡ ኣለዎም።
35. ስለዚ ኣይሁድ፥ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፡ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ኪምህር ሐሲቡ ዀይኑ፧
እቲ ዝብልዎ ኣይፈልጡ ነበሩ፣ ብሉእ ኪዳን ግን እቲ መሲስሕ ብርሃን ኣህዛብ ከም ዝኾነ ይትንበ። ኢሳይያስ 49:6
36. ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን፡ ዚብሎ ቓልሲ እንታይ እዩ፧ ተባሃሃሉ።
ኣምላኽ ክሳብ ብገመድ ስሒብና ናባና ነምጽኦ ፓፐት ኣይኮነን፣ ምስኡ ናይ ቆልዑ ስራሕ ንሰርሕ እንተኮይንና ክሳብ ጸወታ ንዉድእ ከም ንደልዩ ክገብር ይኽእል እዩ።
ጎይታ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ ክንደልዮ ኣሎና። ጥቓና ክሳብ ዘሎ ንጸዉዓዮ። ኢሳይያስ 55:6
37 – 38
በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ።
ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።
እቶም ካህናት ንሸዉዓተ መዓልቲ ማይ ዝቐድሕሉ ልምዲ ነበረ። ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ግብጃ ማይ ኣይቀድሓሎምን። ኣብቲ ሰዓት ኣሽሓት ሰባት መጺኦም ነቲ ሰልፊ ይዕዘቡ ነበሩ። ኣብ ክንዲ ወንጌል ምንጋሮም ከኣ፣ ጎይታ የሱስ ንሱ እቲ ዝደልይዎ ዘለዉ ሓቀኛ ማይ ከም ዝኾነ፣ ኣብቲ ግብጃ ከኣ ከምዚ ኣብ ኢሳያስ ዘሎ ናይ ምዝማር ልምዲ ነበሮም።
ካብ ዔላታቱ
ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ
ክትቀድሑ ኢኹም።
ኢሳይያስ 12:3
39. የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ።
ወንጌል ዮሃንስ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እዩ ተጻሒፉ፣ ዮሃንስ ድሓር፣ ጎይታ ብማይ ክዛረብ ከሉ ብዛዕባ ምምላእ መንፍስ ቅዱስ ከም ዝኾነ በርሃሉ።
40 – 44
ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፥ እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ፡ በሉ።
ካልኦትውን፥ እዚ ክርስቶስ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፥ ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧
እቲ ጽሑፍዶ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ፡ ካብ ቤት- ልሄም፡ ከም ዚመጽእ፡ ኣይነግርን እዩ፡ በሉ።
ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ።
ገሊኦም ከኣ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ኢዱ ዘልዓለሉ ግና የልቦን።
ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ኣፍልጡ ንእሽተይ እንተኮይኑ፣ እቲ ተፈልጦ ከኣ ነንሕድሕዱ ብከመይ ከም ዝሰማማዕ ዘይትፈልጦ እንተኮይንካ፣ ሰባት ብትብሎ ይደናገሩን ንዓኻ ከኣ ከም መስተዉዓሊ ክርዩኻ ይገብርም። ሉቃስ ንሂወት ጎይታ የሱስ ብጥንቃቐ ከም ዝጽንዐ ይዛረብ፣ እዞም ሰባት ከኣ ከምኡ ክገብሩ ምኸኣሉ ኔሮም።
እቲ መሲሕ ኣብ ቤትልሄም ከም ዝዉለድ፣ ከም ካልኦት ደቂ ናዝሬት ግን ከም ዝጽላእ ክፈልጡ ኔርዎም። ካብ ድንግል ከም ዝተወልደ፣ ናብ ግብጺ ዉን ከም ዝስደድን ከም ዝምለስን ክፍልጡ ኔርዎም። ንቃል ኣምላኽ ጽምኣት ስለ ዘይነበሮም፣ ንቃል ኣምላኽ ብጥንቃቐ ኣይመርመርዎን፣ ከምዚ ናቶም ተመላሊስና ንካልኦት ከይነጋግዮም ክንጥንቀቕ ኣሎና።
ሚክያስ 5:2. ኢሳይያስ 11:1, ኢሳይያስ 7:14, ዘዳግም 18:15, ሆሴእ 11:1
45 – 46
እቶም ገላዉ ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹ። ንሳቶም ድማ፡ ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧ በልዎም።
እቶም ገላዉ፥ ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን፡ ኢሎም መለሱ።
ክትዛረብ እንከሎኻ እቶም ዝሰምዑኻ ሰባት፣ ብዛዕባ እትዛረቦ ኣርእስቲ ኣፍልጦ ኣልካ ወይ የብልካን ክፍልዩ ይኽእሉ እዮም። ሂወትካ ኣብ ቃል ኣምላኽ እንተ ደኣ ተሰሪቱ ኮይኑ፣ ብመጠን ዝኣመንካዮ መሰረት እትመላለስ እንተ ደኣ ኮይንካ፣ ሰባት ኣብቲ እትዛረቦ ቅልካ ኣምላኽ ሓይሊ ከስተማቕርዎ እዮም።
ዝናም ዘነመ፡
ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን
ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡
ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ
ዓብዪ ዀነ።
ማቴዎስ 7:29
47. ፈሪሳውያን ከኣ፥ ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፡
እቶም ንሓቂ ክሕብእዋ ዝፍትኑ ዝነበሩ እቶም ፋሪሳዉያን እዮም። ዝተደናገሩ ሰባት እቲ ንሶም ዝብድልዎ በደል ከየስተዉዓሉ፣ ካልኦት ሰባት ምስ ገበርዎ ይኸሱዎም።
48. ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ አሎ፧
ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይሰጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሃዱን።
ዮሐንስ 12:42
ቃል ኣምላኽ
ድማ ተዘርግሔ፡ ቊጽሪ
እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ
ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ
ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን
ንእምነት ተኣዘዙ።
ግብሪ ሃዋርያት 6:7
49. እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም።
እቶም ዝተረግሙ ግና ፋሪሳዉያን ባዕሎም ነበሩ። ንሳቶም መንፈስ ሓሶት፣ መንፈስ ቅትለትን፣ መንፈስ እከይ ዝነበሮም ሰባት እዮም።
50 – 51
ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ፥
ሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዔን እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን፡ ይፈርዶ እዩ፧ በሎም።
ሰብ ኣብ ዝኸሰሰል ግዜ ሕጊ ኣይሁድ፣ መሰኻኽር ክህልው ይግድድ ኔሩ፣ እዞም ሰባት ግን መሰኻኽር ክረኽቡ ኣይከኣሉን ነበሩ። ንኣብነት፣ ብምሸት ንጎይታ ክፈድርዎ ምእካቦም ነቲ ነቶም ሕጊ ክጥሕሱን ከለዉን፣ ንሕጎም ግዲ ከም ዘይብሎምን ንርእዮም። ሰባት ኣጋንንታዊ ኣእምሮ እንተለዎም፣ ክፉእ ነገር ክፍጽሙ ምኽንያት ኣይደልዩን እዮም።
52 – 53
ንሳቶም፥ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሎም መለሱሉ።
ኵሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።
ከምዚ ኢሎም ዝዛረቡ ሰባት፣ ብዛዕባ እቲ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣርእስቲ ብዙሕ ከም ዘይፈልጡ ኣይተረድኦምን፣ ምኽንያቱ ናሆም፣ ሆሴእን ዮናስን ካብ ገሊላ እዮም። እቶም ንቃል ኣምላኽ ኣንቢቦም ናብቲ ንሳቶም ዝደልዎ ትርጉም ጥዉዮም ዝርድእዎ ሰባት፣ ብዛዕባ እቲ ክቕበልዎ ዘይደለዩ ምልእኽቲ መጽሕፍ ቅዱስ ክፈልጡ ኣይክእሉን እዮም ምኽንያቱ ከኣ ነቲ ንእምንቶም ዝጻረር ነገር ንከይቕበልዎ እዞም ዓዮም እዮም። 2ይ ነገስት 14:25
“ኣብ መጽሕፍ ቅዱስ ካብ ዝርክበ ቃል ኣምላኽ፣ ሓደ ነገር ክሳብ ዘይፈለጥክዎ፣ ብእኡ ኣይሽገርን እየ፣ በቲ ዝፈለጥክዎ ነገራት ግን ክሽገር ግድን እዩ።” ማርክ ትወይን |