ዮሃንስ 7

1 – 2

ድሕርዚ የሱስ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺዘውር ኣይፈተወን እሞ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ

እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ

እዚ እቲ ኣይሁዳዉያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምዉጽኦምኣብ ዳስ ይቕመጡ ኣብ ዝነብሩሉ ኣብ ግዜ እዩ ዘዘክሮምዘለዋውያን 23:42

3 – 5

ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ ባዕሉ ኺገሃድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር የልቦን እሞ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ ርእስኻ ንዓለም ግለጽ ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኺርእዩስ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ በልዎ

ኩሎም ኣወዳት ዘበሉኣብ ቅድሚ ጎይታ ንሰለስተ ግዜ ኣብ ዓመት ክቐርቡ ነይርዎምእዚ በዓል ሓደ ካብዞም ግዚያት እዩ ነይሩኣብ መጀመርታኣሕዋቱ ንሱ መሲሕ ከም ዝኾነ ኣይተረድኦምን ኔሩብድሕሪዚ ግን ከም ዝኣመኑ ንርእዮም


ኣዝማዱ ምስ ሰምዑኡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ ኪሕዝዎ መጹማርቆስ 3:21

6 – 9

የሱስ ከኣ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ

ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን ንኣይ ግና ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ ትጸልኣኒ እያ

ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ ኣነስ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ በሎም

እዚ
ምስ በሎም ኣብ ገሊላ ተረፈ

ጎይታ የሱስእቲ ከም መሲሕ ክግለጸሉ ዝኽእል ግዜ ከም ዘይበጽሐ ይሕብሮም ነበረኣምላኽጎይታ የሱስ ናብ የርሳሌም ዝኣትወሉ መዓልቲ መሪጹ ከም ዝነበረ ኣንረስዕእዚኣነክኸደሉ ዝግባእ ግዜ ኣይኮነን  ንስኻትኩም ኣብ ዝኾነ ግዜ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹምእንተኸድኩም ዉን ጸገም የብሉንከም ዝብሎም ዘሎ እዩ

10 – 11

እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበ ግናኸ ተሐቢኡ እምበር ብግሁድ ኣይኰነን

 

ኣይሁድ ግና በቲ በዓል ኣበይ አሎ ንሱ እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ

እቶም ኣይሁዳዉያን ንጎይታ የሱስ ክቐትልዎ ከም ዝደልዩ ንርዳእ

12.
እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ ገሊኦም ሕያዋይ እዩ ይብሉ ገሊኦም ድማ ኣይኰነን ንህዝቢ ደኣ የስሕት አሎ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ


ኣምላኽ, ጎይታ የሱስ ሕዋያዋይ ኢሎም ዝዛረበሉ ሰብ ኣይኮነን ደልዩ ኔሩ ጎይታ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ክትኣምን ኢኻ ወይ ኣይክትኣምን ኢኻ ንጎይታ የሱስ ጌጋ ነገር ፈጺሙ ኢሉ ክኸሱ ዝኽእል ሰብ የለንዋላ ዉን ጲላጦስይሁዳንእቲ ንጹሕ እዩ ኢሉ ዝመስከረሉ ሮማዊ ወትሃደርን ከይተረፉ ክኸስዎ ኣይከኣሉን

13.
ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን

 

ቃል ኣምላኽ መሊኡካ እንተ ኮይኑከምኡ ከኣ ጸላዪ እንተኮንካከይድካ ብዛዕባ ጎይታ የሱስ ክትዛረብ የተባብዓካ ወንጌል ንሰባት ካብ ሞት ናብ ሂወት ናይ ምምላስ ሓይሊ ስለ ዘለዎኣምላኽ ተዛረቦ ዝበለካ መልእኽቲ ክትብሎ ኣይትፍራሕ

ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።
ምሳሌ 29:25

14 – 16

የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ

 

ስለዚ ኣይሁድ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ ኢሎም ተገረሙ

 

ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ናተይ ኣይኰነን

ጎይታ የሱስ ኣብ ኩሉ እንገብሮ ነገራት ኣብነት እዩ ዝኾነናኣብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምልላስ ካብ ሰባት ብዙሕ ነገር ክትመሃር ትኽእል ኢኻካብኡ ንላዕሊ ግን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ መጽሓፍመዘከሪ እናጸሓፍካ ክትመሃር ከለኻ ዝያዳ ሓይሊ ትረክብ  ናብ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መጽሓፋት ብምኻድክትርድኦ ብእትኽእል ቃላት ጌርካ ሕዞኩሉ እቲ ዝበርሃልካ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስኣብ መዘከሪ ብምስፋር ከትጽንዖ ፈትንንካልኦት ክርስትያናት ከኣ እቲ ጽሑፍካ ክርእይዎ ዓድሞምከምዚ ዝገብሩ ሰባት ዉሑዳት እዮምኣማልኽ ከኣ እቲ ዝመሃረካ ነገር መታን ክርእይዎናብኻ ሰባት ከም ዝልእኽ ክትርእይ ኢኻ

17.
ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ ኪፈልጥ እዩ

ኣብ መጻሕፍ ቅዱስ ኣማልኽ ከምዚ ከብል ኣብ ብዙሕ ንረኽቦእቲ ዝእዝዘኩም እሞ ፈጽሙድሕሪኡ እቲ ዝርዝሩ ክበርሃልኩም እዩከቢድ ግዜ ኣብ ተሕልፈሉ ግዜእቲ ክትገብሮ ከም ዘሎካ ዝተረደኣካ ነገርብዛዕባ እቲ ዘይትፈልጦ ነገር ኣይትጨነቕመንፈስካ በቲ ቅኑዕ መንገዲ ክትመላለስ ክረድኣካ እዩ

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

ዮሐንስ 16:13

18.
እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን

እቲ ካብ ርእሶም ዝኾነ ሓሳብት ካብ ዝምህሩ መምሃራን ተጠንቀቕተራ ናይ መምህርእቲ መጽሕፍ ቅዱስ ዝብሎ ንክምህር እምበርበቲ ዝመስሎ ክገልጾ ኣይኮነን

19
20

ሙሴዶ ሕጊ ኣይሃበኩምን እዩ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም

 

እቶም ህዝቢ ኸኣ ጋኔን አሎካ መን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊ ኢሎም መለስሉ

እቲ ሕጊ፣ “ኣይትቕተል” “ብሓሶት ኣይትመስክርይብልእንተ ኾነ ግንሓሶት ክዛረቡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝቐለለሎምንብዛዕብኡ ዉን ክሲ ከም ዘይስምዖምን ንርኢ

21 23

የሱስ ከኣ ሓደ ግብሪ ገበርኩ ንዅላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም

 

ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እምበር ካብ መሴ ኣይኰነን ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ አሎኹም

 

እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ ስለምንታይ ትዅርዩለይ አሎኹም

ብዛዕባ እቲ ጎይታ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 5:1-9 ዝፈወሶ ሰብኣይ ጌና ተናዲድም ነበሩቁልዓ ወዲ 8 መዓልቲ ምስ ኮነ ይኽንሸብ ስለ ዝነበረሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ይግበር ነበረጎይታ የሱስ ከኣዕዮ ኣምላኽ ሰንበት ክግበር ሰናይ ካብ ኮነኣነብሰንበት መዓልቲ ንሰብ ክፍዉስ ከመይ ጽቡቕ ኣይከዉንንእዩ ዝብሎም ዘሎ

24.
ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ ኢሉ መለሰሎም

 

ብዛዕባ ሓደ ሰብ ብዝያዳ ከይፈለጥካ ክፉእ ምሕሳብ ስናይ ኣይኮነንብፍላይ ናይቲ ሰብ ኩነታት ከይፈለጥካንካልኦት ሰባት ብግምቲ እናተዛረብካ ሽማ ሰብ ኣይተጸልምምኽንያቱ ከኣ እቲ ትዛረበሉ ነገር ብዕምቆት ኣይትፈልጦን ኢኻ

25 – 26

ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ እዚዶ ኣይኰነን

 

እንሆ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ አሎ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም

ሓደ መራሒ ኣብ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ክትርኢ ትኽእል ኢኻስለዚ ከኣ እዩ መራሒ ማለት ከም ኣገልጋሊ ክኸዉን ዘለዎ እምበር ከም ኩሉ ዝፈልጥ ኣዛዚ ክኸዉንን ንኩሉ ሰብ ከኣ ከም ናቱ ንክሓስብ ክግድዶ የብሉን

27
29

ግናኸ እዚ ካበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን በሉ

 

የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ ዓው ኢሉ ንኣይ ትፈልጡኒ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም ኣነ ብርሰይ ኣይመጻእኩን እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም

 

ኣነ ግና ካብኡ እየ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ እፈልጦ እየ በለ

ጎይታ የሱስ ኣብ ቤትልሄም ከም ዝዉለድ ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ናዝሬት ከም ዝነብርኣምላኽ ፈሊጡ ከም ዝነበረ ይፈልጡ እዮምምኽንያቱ ከኣ ኢሳያስ ክጽላእ ከም ዝኾነ ተነብዩ ነበረኢሳይያስ 53:8

 

30. ስለዚ ኺሕዝዎ ደለዩ ጊዜኡ ስለ ዝይበጽሔ ግና ኢዱ ዘልዓለሉ የልቦን

ሓደ ሓደ ሰባት ኣለዉንጎይታ ክቕበልዎ ኣይደልዩን ጥራይ ዘይኮነስ ካልኦት ዉን ብዛዕብኡ ክሰምዑ ኣይደልዩ እዮም

31.
ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ በሉ


እቶም ኣይሁድ ብዛዕባ ተኣምራታት እዚ መሲሕ ክገብሮም ዝኾነ ነገራት ብዙሕ ሓሳባት ነበሮም ኢሳይያስ 61:1

32 – 34

ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ሰምዑ ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላዉኦም ለኣኹ

 

ስለዚ የሱስ ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ

 

ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ በሎም

ኣብ ሓጢኣት ዝነብሩ ሰባትንጎይታ ካብ ምቕባል ምዉሳን ምስ ዝኸብዶምሓደ ግዜ ነዚ ዕድል ክስእንዎ ከም ዝኽእሉ ክፈልጡ ኣለዎም

 

35. ስለዚ ኣይሁድ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ኪምህር ሐሲቡ ዀይኑ

እቲ ዝብልዎ ኣይፈልጡ ነበሩብሉእ ኪዳን ግን እቲ መሲስሕ ብርሃን ኣህዛብ ከም ዝኾነ ይትንበ ኢሳይያስ 49:6

36.
ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን ዚብሎ ቓልሲ እንታይ እዩ ተባሃሃሉ

ኣምላኽ ክሳብ ብገመድ ስሒብና ናባና ነምጽኦ ፓፐት ኣይኮነንምስኡ ናይ ቆልዑ ስራሕ ንሰርሕ እንተኮይንና ክሳብ ጸወታ ንዉድእ ከም ንደልዩ ክገብር ይኽእል እዩ

ጎይታ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ ክንደልዮ ኣሎናጥቓና ክሳብ ዘሎ ንጸዉዓዮኢሳይያስ 55:6

 

37 – 38

በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን ዝጸምኤ እንተሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ

 

ብኣይ ዚኣምን እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ

እቶም ካህናት ንሸዉዓተ መዓልቲ ማይ ዝቐድሕሉ ልምዲ ነበረ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ግብጃ ማይ ኣይቀድሓሎምንኣብቲ ሰዓት ኣሽሓት ሰባት መጺኦም ነቲ ሰልፊ ይዕዘቡ ነበሩ  ኣብ ክንዲ ወንጌል ምንጋሮም ከኣጎይታ የሱስ ንሱ እቲ ዝደልይዎ ዘለዉ ሓቀኛ ማይ ከም ዝኾነኣብቲ ግብጃ ከኣ ከምዚ ኣብ ኢሳያስ ዘሎ ናይ ምዝማር ልምዲ ነበሮም

ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።

ኢሳይያስ 12:3

39.
የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ

ወንጌል ዮሃንስ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት እዩ ተጻሒፉዮሃንስ ድሓርጎይታ ብማይ ክዛረብ ከሉ ብዛዕባ ምምላእ መንፍስ ቅዱስ ከም ዝኾነ በርሃሉ

40 – 44

ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖም እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ በሉ

 

ካልኦትውን እዚ ክርስቶስ እዩ በሉ ገሊኦም ግና ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ

 

እቲ ጽሑፍዶ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ ካብ ቤት- ልሄም ከም ዚመጽእ ኣይነግርን እዩ በሉ

 

ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ

 

ገሊኦም ከኣ ኪሕዝዎ ደለዩ ኢዱ ዘልዓለሉ ግና የልቦን


ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ኣፍልጡ ንእሽተይ እንተኮይኑእቲ ተፈልጦ ከኣ ነንሕድሕዱ ብከመይ ከም ዝሰማማዕ ዘይትፈልጦ እንተኮይንካሰባት ብትብሎ ይደናገሩን ንዓኻ ከኣ ከም መስተዉዓሊ ክርዩኻ ይገብርምሉቃስ ንሂወት ጎይታ የሱስ ብጥንቃቐ ከም ዝጽንዐ ይዛረብእዞም ሰባት ከኣ ከምኡ ክገብሩ ምኸኣሉ ኔሮም

 

እቲ መሲሕ ኣብ ቤትልሄም ከም ዝዉለድከም ካልኦት ደቂ ናዝሬት ግን ከም ዝጽላእ ክፈልጡ ኔርዎምካብ ድንግል ከም ዝተወልደናብ ግብጺ ዉን ከም ዝስደድን ከም ዝምለስን ክፍልጡ ኔርዎምንቃል ኣምላኽ ጽምኣት ስለ ዘይነበሮምንቃል ኣምላኽ ብጥንቃቐ ኣይመርመርዎንከምዚ ናቶም ተመላሊስና ንካልኦት ከይነጋግዮም ክንጥንቀቕ ኣሎና

ሚክያስ 5:2. ኢሳይያስ 11:1, ኢሳይያስ 7:14, ዘዳግም 18:15, ሆሴእ 11:1

45 – 46

እቶም ገላዉ ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹ ንሳቶም ድማ ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ በልዎም

 

እቶም ገላዉ ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን ኢሎም መለሱ

ክትዛረብ እንከሎኻ እቶም ዝሰምዑኻ ሰባትብዛዕባ እትዛረቦ ኣርእስቲ ኣፍልጦ ኣልካ ወይ የብልካን ክፍልዩ ይኽእሉ እዮም ሂወትካ ኣብ ቃል ኣምላኽ እንተ ደኣ ተሰሪቱ ኮይኑብመጠን ዝኣመንካዮ መሰረት እትመላለስ እንተ ደኣ ኮይንካሰባት ኣብቲ እትዛረቦ ቅልካ ኣምላኽ ሓይሊ ከስተማቕርዎ እዮም

ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።

ማቴዎስ 7:29

47. ፈሪሳውያን ከኣ ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም

እቶም ንሓቂ ክሕብእዋ ዝፍትኑ ዝነበሩ እቶም ፋሪሳዉያን እዮምዝተደናገሩ ሰባት እቲ ንሶም ዝብድልዎ በደል ከየስተዉዓሉካልኦት ሰባት ምስ ገበርዎ ይኸሱዎም

48.
ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ አሎ

ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይሰጕዎም ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሃዱን
ዮሐንስ 12:42

ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ፡ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ።

ግብሪ ሃዋርያት 6:7

49.
እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ ኢሎም መለሱሎም

እቶም ዝተረግሙ ግና ፋሪሳዉያን ባዕሎም ነበሩንሳቶም መንፈስ ሓሶትመንፈስ ቅትለትንመንፈስ እከይ ዝነበሮም ሰባት እዮም

50 51

ሓደ ኻባታቶም እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ

 

ሕግናኸ ንሰብዶ ቅድም ከይተሰምዔን እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን ይፈርዶ እዩ በሎም

ሰብ ኣብ ዝኸሰሰል ግዜ ሕጊ ኣይሁድመሰኻኽር ክህልው ይግድድ ኔሩእዞም ሰባት ግን መሰኻኽር ክረኽቡ ኣይከኣሉን ነበሩንኣብነትብምሸት ንጎይታ ክፈድርዎ ምእካቦም ነቲ ነቶም ሕጊ ክጥሕሱን ከለዉንንሕጎም ግዲ ከም ዘይብሎምን ንርእዮምሰባት ኣጋንንታዊ ኣእምሮ እንተለዎምክፉእ ነገር ክፍጽሙ ምኽንያት ኣይደልዩን እዮም

52 – 53

ንሳቶም ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ ኢሎም መለሱሉ

 

ኵሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ

ከምዚ ኢሎም ዝዛረቡ ሰባትብዛዕባ እቲ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣርእስቲ ብዙሕ ከም ዘይፈልጡ ኣይተረድኦምንምኽንያቱ ናሆምሆሴእን ዮናስን ካብ ገሊላ እዮም እቶም ንቃል ኣምላኽ ኣንቢቦም ናብቲ ንሳቶም ዝደልዎ ትርጉም ጥዉዮም ዝርድእዎ ሰባትብዛዕባ እቲ ክቕበልዎ ዘይደለዩ ምልእኽቲ መጽሕፍ ቅዱስ ክፈልጡ ኣይክእሉን እዮም ምኽንያቱ ከኣ ነቲ ንእምንቶም ዝጻረር ነገር ንከይቕበልዎ እዞም ዓዮም እዮም 2ይ ነገስት 14:25

 

ኣብ መጽሕፍ ቅዱስ ካብ ዝርክበ ቃል ኣምላኽሓደ ነገር ክሳብ ዘይፈለጥክዎብእኡ ኣይሽገርን እየበቲ ዝፈለጥክዎ ነገራት ግን ክሽገር ግድን እዩማርክ ትወይን