ዮሃንስ 9 1 – 2 ደቀ መዛሙርቱ
ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር
ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ
ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ
ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
እቶም ደቀመዛሙርቱ፣ ሓደ ሰብ ከመይ ጌሩ ዕዉር ኮይኑ ክፍጠር ከም ዝኸኣለ ክሓቱ ከለዉ፣ ድሮ ነቲ ሰብኣይ ከም በዳሊ እናሓሰቡ እዩ። ምስ ጎይታ የሱስ እኳ እንተጸንሑ፣ ነቲ ሰብኣይ ብኸመይ ክሕግዝዎ ከም ዘለዎም ኣይሓስቡን ነበሩ። ሰባት፣ ሰብ እንተ ሓሚሙ ብሰንኪ ኣብ ሂወቱ ዝፈጸሙ ሓጢኣት እዩ ኢሎም ይኣምኑ። መጽሓድ ያቆብ ግና እዚ ሓቂ ከም ዘይኮነ ይረድኣና። ኢዮብ 8:4 ዳዊት 103:10 ኣነ ኣብ
ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን
ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
ጎይታ፣ ንሽግራትና ዝኸዉን መፍትሒ ኣብ ግዜኡ ካብ ምግባር ኣይድንጉን እዩ። ጎይታ ብዛዕባ ሽግራትና ተዘሪቡ ጥራይ ስቕ ኣይብልን እዩ።
6. እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ
ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን
ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ
ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር
ለኸየ እሞ፥ ገሊኦም፥
ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት
ከኣ፥ ኣይኰነን፡ ንእኡ
ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ።
ንሱ ግና ኣነባ እየ፡ በለ።
ምስ ኣምላኽ ግዜ ምስ እነሕልፍ፣ ሰባት ኣባና ገለ ፍሉይ ነገር ይርእዩ።
10 – 12 እዚ ሰብኣይ ጎይታ የሱስ መን ከም ዝኾነ ከይፈለጥ ዓብዩ ክነሱ፣ ሕጂ ግን ከም ነብይ ክርእዮ ጀመረ፣ ካብኡ ቀጺሉ ኣብ መወዳእታ ከም ወዲ ኣምላኽ ክርእዩ ጀመረ።
13 - 16 ንሱ ኸኣ፥
እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡
ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ
ልኸዩ፥ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም
ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ
እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ
መለሰሎም።
እቲ ሰብኣይ
እቲኸ ኣበይ አሎ፧ በልዎ።
ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡
በሎም።
እቶም ኣይሁድ
ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ
እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑ፡
ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ
ኣይኣመንዎን እሞ፥
እዚዶ እቲ
ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ
ወድኩም እዩ፧ ሕጂ ኸመይ
ኢሉ ይርኢ አሎ፧ ኢሎም
ሐተትዎም።
እቶም ወለዱ
ድማ፥ እዚ ወድና ምዃኑ
ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡
ንፈልጥ።
ሕጂ ግና
ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ
ኣይንፈልጥን፡ መንሲ ኣዒንቱ
ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን
ኢና። ንእኡ ሕተትዎ፡
ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ
ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡
ኢሎም መለሱ።
እቶም ፋሪሳዉያን ንጎይታ የሱስ ክኸሱሉ ዝኽእሉ ነጥቢ ንምርካብ ብጥንቃቐ ይፍትሹ ነበሩ። ናብ ዝፍረደሉ ቦታ ንክወስድዎ መታን ክስታትን መሰኻኽርን ይእክቡን ነበሩ።
ሽዑ ነቲ
ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ
ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፥
እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ
ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡
ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡
በልዎ።
ሽዑ ንሱ
መሊሱ፥ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ
ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም
ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ
ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ
ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡
በሎም።
ሽዑ ንሳቶም፥
እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ
ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧
በልዎ።
ሓደ ሰብ ንሓንቲ ሕቶ ብተደጋጋሚ ምስ ዝሓታ፣ ክትጥንቀቕ ኣሎካ፣ ክትብሎ ንዘይሓሰብካ ምእንቲ ክትብሎ ዝተዳለወ መፈንጠርያ እዩ ማለትዩ። ንሓቂ ኣይኮኑ ዝደልይዋ ዘለዉ። ንዓኹም ንከጥፍእኹም ሰይጣን ይነግሮም ስለ ዘሎ እዩ።
ኣሕሊፎም
ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ
ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ
እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ
እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ
ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። 27 – 29
ጸረፍዎ
እሞ፥ ንስኻ ወደ መዝሙሩ
ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ
ሙሴ ኢና።
ንሕናስ፡
ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡
ንፈልጥ አሎና። እዚ ግና
ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን
ኢና፡ በልዎ።
30. እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ ካበይ
ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም
እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ
ከፊቱለይ።
እዚ ኻብ
ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡
ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን
ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
እዚ ሰብ ዚ ዓዉ ኢሉ ይሓስብ ዝነበረ ይመስል። ኣምላኽ ነቲ ናይ ሂወቱ ግድል/ ሕንቅልሕንቅሊተይ ይፈትሓሉ ነበረ። እቶም ፋሪሳዉያን ከኣ ኣብቲ ሙጉት ይሰዓሩ ከም ዝነበሩ ክርእዩ ጀመሩ።
35 – 38
ንሱ ኸኣ፥
ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ
መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ።
የሱስ ድማ፥
ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ
ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ።
ንሱ ኸኣ፥
ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ
ሰገደሉውን።
ኣብ ጥቓ ጎይታ የሱስ ጥራይ ምዃን ከም ዘየድሕነካ ተዓዚብና። መታን ክትድሕን፣ ንጎይታ የሱስ ክትኣምኖ ክትፈልጦን የድልየካ።
39 – 40
ካብቶም
ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን
ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፥ ንሕናኸ
ዕዉራት ምዃንና ዲና፧
በልዎ።
ነቲ ኣብ ሂወትና ዘሎ ሓጢኣት ከይንርእዮ ዓዊርና ኢና። እዚ ከኣ እቲ ዘይርአ/ ዝተኸወለ ንቑታ ወይ blind spot እንብሎ እዩ። ካልኦት ዝፍጽምዎ ጌጋ ይረኣየና፣ ናትና ግን ኣይረኣየናን። 41. የሱስ ድማ፥ ዕዉራት
እንተ ትዀኑስ፡ ሓጢኣት
ኣይምዀነኩምን ነይሩ።
ሕጂ ግና፥ ንርኢ አሎና፡
ትብሉ አሎኹም፡ ስለዚ
ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡
በሎም።
“ካብቶም ክርእዩ ዘይደልዩ ሰባት ዝወዳደር ዑረት የለን” ዝብል ሓደ ብሂል ኣሎ።
|