ዮሃንስ 9

1 – 2

ኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረኣየ። 

ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ።

እቶም ደቀመዛሙርቱ፣ ሓደ ሰብ ከመይ ጌሩ ዕዉር ኮይኑ ክፍጠር ከም ዝኸኣለ ክሓቱ ከለዉ፣ ድሮ ነቲ ሰብኣይ ከም በዳሊ እናሓሰቡ እዩ። ምስ ጎይታ የሱስ እኳ እንተጸንሑ፣ ነቲ ሰብኣይ ብኸመይ ክሕግዝዎ ከም ዘለዎም ኣይሓስቡን ነበሩ።

እቶም ናይ ኣይሁድ መምሃራን፣ ህጻዉንቲ ጌና ኣብ ማህጸን እንከለዉ ዉን ይሓጥዉ ኔሮም ኢሎም ይሓስቡ ኔሮም። ነቲ ናይ ጌጋ ትምህርቶም ከኣ ንምርዳእ ከኣ ናይ ያቆብን ኤሳዉን ታሪኽ ከም ምሳሌ ይጥቀሙሉ። ዘፍጥረት 25:22

ሰባት፣ ሰብ እንተ ሓሚሙ ብሰንኪ ኣብ ሂወቱ ዝፈጸሙ ሓጢኣት እዩ ኢሎም ይኣምኑ። መጽሓድ ያቆብ ግና እዚ ሓቂ ከም ዘይኮነ ይረድኣና። ኢዮብ 8:4

ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።

ዳዊት 103:10

3.
የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ።

ኣምላኽ፣ ኣብ ሂወትካ ሽግር ክህሉ ከም ዝፈቅድን ድሒሩ ከኣ ከም ዝፍወሰካን ክትርኢ ፍቓደኛ ዲኻ? ኩሉ እቲ ኣይከኣልን እዩ ዝበለ ከኣ ብህላዉነት ናይ ኣምላኽ ይትንከፍ።

4 – 5

መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ። 

ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። 

ጎይታ፣ ንሽግራትና ዝኸዉን መፍትሒ ኣብ ግዜኡ ካብ ምግባር ኣይድንጉን እዩ። ጎይታ ብዛዕባ ሽግራትና ተዘሪቡ ጥራይ ስቕ ኣይብልን እዩ። 

6. እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥

ሰንበት መዓልቲ ንሰብ ምፍዋስን፣ ወይ ዉን ጭቃ ምስራሕን ኣንጻር ሕጊ ናይ ኣይሁድ እዩ። እቶም ኣይሁድ፣ 

7.
ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም- ትርጓሚኡ ልኡኽ፦ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ።

እቲ ሰብኣይ ነቲ ዝተኣዘዞ ፈጸሞ እሞ ሓወየ ከኣ። ንእማን ከይዱ ክሕጸብ ምስ ተነግሮ፣ መጀመርያ ኣብዩ ነበረ። 2ይ ነገስት 5:10 – 11

8  – 9

ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፥ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። 

ገሊኦም፥ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፥ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና ኣነባ እየ፡ በለ። 

ምስ ኣምላኽ ግዜ ምስ እነሕልፍ፣ ሰባት ኣባና ገለ ፍሉይ ነገር ይርእዩ። 

10 – 12

ስለዚ ንሳቶም፥ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ልኸዩ፥ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡ በሎም።

እዚ ሰብኣይ ጎይታ የሱስ መን ከም ዝኾነ ከይፈለጥ ዓብዩ ክነሱ፣ ሕጂ ግን ከም ነብይ ክርእዮ ጀመረ፣ ካብኡ ቀጺሉ ኣብ መወዳእታ ከም ወዲ ኣምላኽ ክርእዩ ጀመረ። 

13 - 16

ስለዚ ንሳቶም፥ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፡ በልዎ። 

ንሱ ኸኣ፥ እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ልኸዩ፥ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 

እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡ በሎም።

እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡ በሎም።


እቶም ፋሪሳዉያን ዝሓስብዎ ዝነበሩ እንኮ ሓሳብ፣ ጎይታ የሱስ ንሰብ ብምሕዋዩን ጭቃ ብምስርሑን ንሕጊ ሰንበት ከም ዘፍረሰ ጥራይ እዩ። ነቲ ኣብ ምዕራፍ 8 ዘነገሮም ድሮ ረሲዕሞ ነበሩ።

17 – 21

ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፥ ነብዪ እዩ፡ በለ። 

እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመንዎን እሞ፥ 

እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኩም እዩ፧ ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ አሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም። 

እቶም ወለዱ ድማ፥ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ። 

ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ኣይንፈልጥን፡ መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተትዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ። 

እቶም ፋሪሳዉያን ንጎይታ የሱስ ክኸሱሉ ዝኽእሉ ነጥቢ ንምርካብ ብጥንቃቐ ይፍትሹ ነበሩ። ናብ ዝፍረደሉ ቦታ ንክወስድዎ መታን ክስታትን መሰኻኽርን ይእክቡን ነበሩ።

22.
ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪስጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ።

ኩሎም ፈተዉትኻን ስድራቤትካን ምስ እትኸስሮም፣ ኣምላኽ ክልኦት ፈተዉትን ስዳቤትን ክህበካ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብል፣ ንፈተዉትኻን ስድራቤትካን ከይትኸስሮም ኢልካ ንጎይታ የሱስ ኣይክስዕብን እየ እንተ ኢልካ፣ እቶም ሰባን ናይ ጎይታ ፍቕሪ፣ ምሕረትን ሰላም ክፈልጥዉ ኣይክእሉን እዮም፣ ንዘል ኣለም ዉን ክትኸስሮም ኢኻ። ናብራ ናይ ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ብምርኣይ ብዙሓት ሰባት ናብ ክርስቶም ከም ዝመጹ ዝትርኽ ታሪኽ ናይ ስድራቤታትን ፈተዉትን/ ኣዕሩኽን ኣሎ። ኣይትፍራሕ። ምሳሌ 29:25

23 – 26

ስለዚ እቶም ወለዱ፥ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ። 

 

ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡ በልዎ። 

 

ሽዑ ንሱ መሊሱ፥ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም። 

 

ሽዑ ንሳቶም፥ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ። 

ሓደ ሰብ ንሓንቲ ሕቶ ብተደጋጋሚ ምስ ዝሓታ፣ ክትጥንቀቕ ኣሎካ፣ ክትብሎ ንዘይሓሰብካ ምእንቲ ክትብሎ ዝተዳለወ መፈንጠርያ እዩ ማለትዩ። ንሓቂ ኣይኮኑ ዝደልይዋ ዘለዉ። ንዓኹም ንከጥፍእኹም ሰይጣን ይነግሮም ስለ ዘሎ እዩ። 

ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ።
ማቴዎስ
10:19

27 – 29

ንሱ ኸኣ፥ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ አሎኹም፧ ንስካትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 

 

ጸረፍዎ እሞ፥ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። 

 

ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ አሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ። 


እቲ ክፍጽምዎ ዝሓስቡ ነገር ከም ዝፈልጥን፣ ከምኡ ከኣ ንሳቶም ከም ዘይተዓወቱን ይርእዩ ነበሩ። ስለዚ ከኣ ንሳቶም እምበር ንሱ ኣይፈልጦን እዩ ዝበለዎ ናይ ኣምልኽ ፍልጠት ከም ዘለዎም ኣምሲሎም ክዛረቡ ነበሩ።

ጠቢብ
ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዅሪ ወይ ከኣ ይስሕቕ፡ ዕረፍቲ የብሉን።

ምሳሌ 29:9

ዓሻ ነቲ ጥበብ ዘረባኻ ይንዕቆ እዩ እሞ፡ ኣብ ኣዝኑ ኣይትዛረብ።
ምሳሌ 23:9

30. እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ።

እቲ ዘይኣምን እኳ ኣምላኽ ኣብ ሂወቱ ገለ ነገር ከም ዝገበረሉ ይፈልጥ እዩ።

31.
ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም፡ ንፈልጥ ኢና።

ሓደ ሓደ መምሃራን፣ ኣምላኽ ንጸሎት ሓጥኣን ኣይሰምዕን ይብሉ። ከምኡ እንተኮይኑ፣ ኩላትና ጠፊእና ኢና።  ኢሳይያስ 59:1

32 – 33

ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን። 

 

እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 

እዚ ሰብ ዓዉ ኢሉ ይሓስብ ዝነበረ ይመስል። ኣምላኽ ነቲ ናይ ሂወቱ ግድል/ ሕንቅልሕንቅሊተይ ይፈትሓሉ ነበረ። እቶም ፋሪሳዉያን ከኣ ኣብቲ ሙጉት ይሰዓሩ ከም ዝነበሩ ክርእዩ ጀመሩ። 

34.
ንሳቶም ከኣ፥ ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ።

ሕጂ ከም ከም ተኸተልቲ ሂንዱ ይዛረቡ ኣለዉ። ተኸተልቲ ሂንዱ፣ ኣብዚ መድሪ ዝመጻኻ ሰናይ ንገር ክትገብረ እዩ፣ እከይ ተግባራት እንተ ደኣ ፈጽምካ፣ ክትመዉት ኢካ፣ ድሕሪ ሙማትካ ከኣ ከም ሓሰኻ ኮንካ ትምለስ/ ትመጽእ። ንላም ኣይበልዕዋን እዮም፣ ምኽንያቱ ከኣ ኣቦሓጎኻ ክትከዉን ስለ ትኽእል ኢሎም ይኣምኑ፡። እንተኮና ግና, ከይተረድኦም ሓሰኻ ረጊጾም ከይኮኑ ክሓስቡ ኣይደልዩን እዮም። እቶም ፋሪሳዉያን ከኣ ልክዕ ከምኡ እዮም ተደናጊሮም ዝነበሩ።.

35 – 38

የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፥ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ። 

 

ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ። 

 

የሱስ ድማ፥ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ። 

 

ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን። 

ኣብ ጥቓ ጎይታ የሱስ ጥራይ ምዃን ከም ዘየድሕነካ ተዓዚብና። መታን ክትድሕን፣ ንጎይታ የሱስ ክትኣምኖ ክትፈልጦን የድልየካ።

39 – 40

የሱስ ድማ፥ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ። 

 

ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፥ ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ። 

ነቲ ኣብ ሂወትና ዘሎ ሓጢኣት ከይንርእዮ ዓዊርና ኢና። እዚ ከኣ እቲ ዘይርአ/ ዝተኸወለ ንቑታ ወይ blind spot እንብሎ እዩ። ካልኦት ዝፍጽምዎ ጌጋ ይረኣየና፣ ናትና ግን ኣይረኣየናን።

ብዙሕ ግዜ፣ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሂወትና ዝገብሮ ከይንርእዮ ዕዉራት ኢና። እቲ ጎይታ ኣባና ዝገብሮ ጸኒሕና ንርእዮሞ፣ ደኒና ከኣ የመስግነካ ጎይታይ ኣይረኣኽዎን ኔረ ከም እንብል ይገብረና።

41. የሱስ ድማ፥ ዕዉራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፥ ንርኢ አሎና፡ ትብሉ አሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም።

ካብቶም ክርእዩ ዘይደልዩ ሰባት ዝወዳደር ዑረት የለንዝብል ሓደ ብሂል ኣሎ።