ዮሃንስ 10
1. እቲ
ናብ ደምበ ኣባጊዕ
ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡
ብኻልእ ወገን
ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን
ጕሒላን ከም ዝዀነ፡
ብሓቂ፡ ብሓቂ
እብለኩም አሎኹ። ራእይ
ዮሐንስ 2:17
የሱስ
እዚ ምስላዚ
መሰለሎም፡ ንሳቶም
ግና ነቲ እተዛረቦም
ኣየስተውዓልዎን። ታሪኽ ቤት
ክርስትያን ከም
ዝሕብሮ፣ ያዕቆብ
ጎይታ ብዛዕባ እዛ
ጥቕሲ እንታይ ማለቱ
ከም ዝኸነ ክነግሮም
ተሓቲቱ ነበረ፣
“ያዕቆብ ከኣ ብዛዕባ
ኣፍደገ/ መእተዊ
መንግስተ ሰማያት
ይዛረብ ነይሩ በሎም።
ከምዚ ብምባሉ ከኣ
ንያዕቆብ ቀተልዎ። 11. እቲ ሕያዋይ ጓሳ
ኣነ እየ። እቲ
ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ
በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። 12. እቲ
ብዓል ዓስቢ ግና፡
ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን
ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡
ተዅላ ኺመጽእ ከሎ
እንተ ረኣየ፡ ነተን
ኣብጊዕ ሐዲግወን
ይሃድም። እቲ ተዅላ
ድማ ነተን ኣባጊዕ
ይዛረፈን ፋሕውን
የብለን።
ናይ ሓሶት ጓሳ ነተን
ኣባጊዕ ከም ዝሞታ
ብምግባር ዉን ይኽፈል
እዩ። 14 – 15
ባዕለይ
እየ በጃ ዘሕልፋ
እምበር ካባይ
ዝወስዳስ የልቦን።
በጃ ኸሕልፋ ስልጣን
አሎኒ፡ መሊሰ
ኽወስዳውን ስልጣን
አሎኒ። ነዛ ትእዛዝ
እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ
እተቐበልክዋ። ማቴዎስ 27:50
ሽዑ
ኻባታቶም ብዙሓት፥
ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ
አሎ፡ እንታይ
ኢልኩምዎ ኢኹም
እተሰምዕዎ፧ በሉ። ዳዊት 42:5
ቃል
ኣምላኽ ህያውን
መስለጥን እዩ እሞ፡
ካብ ክልተ ዝኣፉ
ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡
ነፍስን፡ መንፈስን፡
መፈላልዮ ኣካላትን
ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ
ዚሰጥም፡ ኣብ
ምሕላንን ሓሳብ ልብን
ከኣ ዚፈርድ እዩ።
የሱስ
ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ
ኣብ ገበላ ሰሎሞን
ይመላለስ ነበረ።
የሱስ
መለሰሎም፥ ነጊረኩም
ኣይኣመንኩምን። እዚ
ብስም ኣቦይ ዝገብሮ
ዘሎኹ ግብርታት
ይምስክረለይ አሎ።
እተን
ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ
ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ
ኤለልየን፡
ንሳተንውን ይስዕባኒ።
ሓደ ሰብ
ዳግማይ ዝተወለደ መንፈሳዊ
መራሒ እንተ ኣልይዎ ኮይኑ፣
ናቶም መራሒ ክትከዉን
ኣይትፈትን። ክትመርሖም
እንተ ደኣ ፈቲንካ፣
ብሓቂ ይሰምዑኻ ከም ዘየለዉ
ከተስትውዕል ኢኻ። ኣነ
ኸኣ ህይወት ዘለኣለም
እህበን፡ ንዘለኣለም
ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡
ካብ ኢደይውን
ዚምንዝዔን
የልቦን።
እቲ
ንኣታተን ዝሃበኒ
ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ
እዩ’ ካብ ኢድ ኣቦይ
ሓደ እኳ ኺምንዝዔን
ዚኽእል የልቦን።
ኣነን
ኣቦን ሓደ ኢና።
እቲ
ሰናይ ቃል ኣምላኽን
ሓይሊ እታ እትመጽእ
ዓለምን ከኣ
ዝጠዓሙ፡
እንተ
ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ
ከም ብሓድሽ ንርእሶም
ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን
ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡
ከም ብሓድሽ ንንስሓ
ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ።
ዕብራውያን 6:4 – 6
እቲ
ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ
ብቓል ክልተ ወይስ
ሰለስተ ምስክር እዩ
ብዘይ ድንጋጽ
ዚመውት።
ንወዲ
ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ
እተቐደሰሉ ደም ኪዳን
ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ
ጸጋውን ዝጸረፈ ግዳ
ኽንደይ ዝገደደ
ቕጽዓት ዘይግብኦ
ይመስለኩም
ዕብራውያን 10:26 – 29 31 – 36
የሱስ
ከኣ፥ ካብ ኣቦይ
ብዙሕ ሰናይ ግብርታት
ኣርኤኹኹም። ስለ
ኣያናዪ ግብሪ ኢኹም
ብዳርባ እምኒ
ኽትቀትሉኒ እትደልዩ
ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም።
ኣይሁድ
ከኣ፥ ስለቲ
ምጽራፍካን ሰብ
ክነስኻ ንፍስኻ
ኣምላኽ ስለ ምግባርካን
እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ
ግብርታትካስ
ኣይኰንናን ብእምኒ
እንቐትለካ፡ ኢሎም
መለስሉ።
የሱስ
መለሰሎም፥ ኣብ
ሕግኹም፥ ኣነ፥
ኣማልኽቲ ኢኹም፡
በልኩ፡ ዚብልዶ
ኣይተጻሕፈን እዩ፧
ነቶም
ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም
ኣማልኽቲ ኻብ
ዚብሎም፡ -ጽሑፍ
ኪፈርስ ኣይከኣልን
እዩ፦
ነቲ
ኣቦ ዝቐደሶ ናብ
ዓለምውን ዝለኣኾ
ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ
እየ ስለ ዝበልኩኹም፡
ከመይ ኢልኩም፥
ትጻረፍ አሎኻ፡
ትብሉኒ አሎኹም፧
ናብቶም ኣይሁድ፣
ደያኑ ኣማልኽቲ ይበሃሉ
ኔሮም፣ ምኽንያቱ ከኣ
ኣብ ቤት ፍርዲ ንፍርዲ
ኣምላኽ ከም መወሰኒ
ይጥቀሙሉ ስለ ዝነበሩ
እዩ። ንቃል ኣምላኽ ከም
መሳርሒ ይኾኑ ኔሮም።
ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እዮም
ክገልግሉ እዩ ዝግበኦም
ኔሩ። ጎይታ ከኣ
ዝብል ዘሎ፣ ንሰባት ዉን
ብቃላ ኣምላብ ብዝብሎ
መሰረት ስለ ዝፈረዱ “ኣማልኽቲ”
ካብ በልክሞም፣ ኣነ ደኣ
ወዲ ኣምላኽ ምስ ዝብለኩም
ስለምንታይ ትቑጥዑ ኣለኹም? ዳዊት 82:6 37 – 38
እንተ
ገበርኩ ግና፡ ኣቦ
ኣባይ ምህላዉ፡
ኣነውን ኣብ ኣቦ
ምህላወይ ምእንቲ
ኽትፈልጡን
ከተስተብህሉንሲ፡
ንኣይ እኳ እንተ
ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ
ግብረይ እመንዎ። ሚልክያስ 4:2
39 – 42
ከም
ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ
ቀደም የጥምቐላ
ዝነበረ ስፍራ ናብ
ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡
ኣብኣውን ተቐመጠ።
ብዙሓት
ድማ ናብኡ መጺኦም፥
ዮሃንስ ሓንቲ
ተኣምራት እኳ
ኣይገበረን፥ እቲ
ዮሃንስ ብዛዕባኡ
እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ
ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ።
ኣብኡውን
ብዙሓት ብእኡ አመኑ።
|