ዮሃንስ 10

1. እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

ጎይታ ጌና ነቶም ፋሪሳዉያን እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ጎይታ ዝብል ዘሎ ንርኢ ኢና ስል እትብሉ ኣነ ካብ ኣምላኽ ምዃነይ ክትርእዮ ይግባእ። ነቶም መጓሰ ኣብ ክንዲ ብማዕጾ ብልዕሊ መንደቕ ክይድኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም ብዝብል ትምህርቲ ትጎድእዎም ኣለኹም የስምዕ። በቲ ማዕጾ ክትኣትዉ እንተደሊኹም ናባይ ምምጻእ ከድልየኩም እዩ” ከም ዝብሎም ዘሎ እዩ።

ውንጌል ብዘይካ የሱስ ካልእ መንገዲ ከም ዘየለ ይርእየና። ናይ ዓለም ሃይማኖታት፣ ናብ መንግስተ ሰማያት ዝወስዱ ብዙሓት መንገድታት ኣለዉ ይብሉ። ኩለን እተን መንገድታት ከኣ ሓደ እየን ይብሉ፣ እዚ ሰባት ከም ዝደለይዎ ዓይነት ናብራ ንክነብሩ ዝጥቀምሉ   ሰይጣን ዝመሃዞ ሓሶት እዩ።

2.
እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ።

ንሕናኣነ ናይ ርእሰይ ጓሳ ኣይኮንኩን። ንርእሰይ ኣይመርሓን እየ። ቅድሚ ናብ ዝኾነ ኣንፈት መንገዲ ምቕጻለይ ንጎይታ ከርእየኒ ይጽበዮ እየ።  ዝኾነ ሰብ ክደፍኒ ምስ ዝፍትን፣ መጀመርታ ክጽበ እየ። ቅድሚ ዉሳኔ ምዉሳነይ ኣምላኽ እንታይ ከም ዘርእየኒ ምጽባየይ ከኸብደኒ የብሉንክንብል ንኽእል።

3.
ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን።

እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ።

ራእይ ዮሐንስ 2:17

ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን።
ማቴዎስ
10:30

4.
ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ።

ሓደ ጓሳ ነተን ኣባጊዕ ቅድሚ ናብ ሓደ ጎልጎል ምዉጽኡ፣ ናብቲ ጎልጎል/ ሜዳ ብምኻድ ቐዲሙ ኩሉ ነገር ደሓን ምህላዉ የረጋግጽ። ኣብቲ ጎልጎል ከኣ ነተን ኣባጊዕ ክጎድእ ዝኽእል ቦቚሉ ከይህሉ ይረጋግጽ።  እቲ ሓቀኛ ጓሳ ማሕበር ከኣ ከምዚ እዩ ዝገብር።

ጎይታ የሱስ ነቶም ፈሪሳዉያን፣ “ እተን ኣባጊዕ ኣይክስዕባኹምን እየን፣ ምኽንያቱ ከኣ ከም እትሕስዉ ይርእይኹም ኣለዋ፣ እዩ ዝብሎም ዘሎ።

5 – 6

ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። 

 

የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።

ሓቀኛ ኣመንቲ ንፈሪሳዉያን ኣይሰምዑን እዮም።  ሓቀኛ ኣመንቲ ምስቲ ጓሳ ከኣ ግዜ ስለ ዘሕለፉ፣ ናይቲ ጓሳ ድምጺ የለልዩ እዮም። ኣብቲ ቃል ናይ ጎይታ ግዜ ዘይትወስድ እንተኮይንካ፣ ድምጹ ኣይክተለልዮን ኢኻ።

7.
ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

ጓሶት ነተን ኣባጊዕ ናብቲ ሓጹር ዘለዎ ብምእታዉ ይሕልዉወን። ናብዚ ቦታ ንምእታዉ ሓደ መንገዲ ጥራይ እዩ ዘሎ። እቲ ጓሳ ከኣ ኣብቲ ኣፍደገ ብምዃን ነተን ኣባጊዕ ክጎድእ ንዝኽእል ንከይኣቱ ይሕልወን።

8.
እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን።

ጎይታ የሱስ ኣብ ጥቓ እቲ ቤት መቕደስ እዩ ደዉ ኢሉ ዘሎ፣ ቅድሚኡ ከኣ፣ ናብቲ ቦታ መምሃራን ሓሶት መጺኦም ከም ዘነበሩ ይነግሮም።

9.
እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። 

ታሪኽ ቤት ክርስትያን ከም ዝሕብሮ፣ ያዕቆብ ጎይታ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እንታይ ማለቱ ከም ዝኸነ ክነግሮም ተሓቲቱ ነበረ፣ “ያዕቆብ ከኣ ብዛዕባ ኣፍደገ/ መእተዊ መንግስተ ሰማያት ይዛረብ ነይሩ በሎም። ከምዚ ብምባሉ ከኣ ንያዕቆብ ቀተልዎ።

10.
ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

ሰይጣን ካባኻ እንታይ ክሰርቕ ዝደሊ? ሰይጣን ክቐትሎ ዝደለየ ኣባኻ ዘሎ ነገር እንታይ እዩ? እዚ ኣግንታዊ ንጥፈታት እናለልየሉ መንገዲ እዩ። ካብ ዉሽጥና ጀሚሩ ከዕንወና ምስ ዝፍትን።

11. እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።

ጎይታ የሱስ፣ ንሂወቱ ምእንቲ መጓሴኡ ክህብ ከም ዝኾነ እዩ ዝነግሮም ዘሎ። ነቶም ዝሰምዕዎ ዘለዉ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቅለ ዝኸዉን ነገር የዳልዎም እዩ ኔሩ።

12. እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። 

ናይ ሓሶት ጓሳ ነተን ኣባጊዕ ከም ዝሞታ ብምግባር ዉን ይኽፈል እዩ።

ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣባጊዔይ ተዘሪፈን፣ ኣባጊዔይ ከኣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፣ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፣ ጓሶተይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፣ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፣ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፣
ህዝቅኤል
34:8

13.
ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን።

ናይ ሓሶት ጓሳ ንከተለልዩ ቀሊል እዩ ምኽንያቱ ከኣ ልዕሊ እተን ሞጓሴኡ ንርእሱ እዩ ኩሉ ግዜ ዝከናኸን።

14 15

ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን።

ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ።

ካባኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሐድግ፡ ክሳዕ ዝረኽባውን ነታ ዝጠፍኤት ክደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧

ሉቃስ 15:4

16.
ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ።

ብዙሓት ናይ ሓሶት መምሃራን፣ እቲ ጎይታ የሱስ ብዛዕባ ዝጠፍኣ ምጓሰ ክዛረብ እንከሎ፣ ነቶም ናቶም መጓሰ ማለቱ ከም ዝኾነ ጌሮም ይዛረቡ።  ጎይታ ግን ንፈሪሳዉያን ንዓለም ከድሕን እምበር ን ኣይሁድ ከድሕን ከም ዘይመጸ ይምህሮም ነበረ።

17
18

ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 

 

ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ።

ህይወት ጎይታ ካብኡ ኣይተወሰደተን፣ ንሂወቱ ዝሀባ ብርእሱ እዩ። ማቴዎስ ከም ዝጸሓፎ ከኣ ጎይታ ንመንፈሱ ካብ ስጋኡ ፍልዩ ከም ዝለኣኾ እዩ። 

የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት።

ማቴዎስ 27:50

19 20

ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ። 

 

ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፥ ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ አሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እተሰምዕዎ፧ በሉ።

መንፈስካ እንተደኣ ብጣዕሚ ደኹሙን ወዲቑን፣ እቲ ርኹስ መንፈስ ከምዚ ዝረኣናዮ ጌሩ የጋግየካ። ከምዚኦም ሰባት ከኣ ተጸሊልካ ኣለኻ ይብሉኻ።

ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጒህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

ዳዊት 42:5

21.
ካልኦት ግና፥ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከአሎ እዩ፧ በሉ።

እቲ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ፣ ንልቦም ከም ዝተዛረቦም ይሕብር። ነፍሲ ወከፎም ቃላት ናይ ጎይታ ንልቦም ክዛረቦም ተፈለጦም።

 

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።
 
ዕብራውያን 4:12

22 23

ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነ፡ ክረምቲ ኸኣ ነበረ። 

 

የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ።

ቅድሚ ግዜ ጎይታ፣ እቲ ኣብ ዳኒ 11:31 እንርእዮ ርኹስ መራሒ ኣንቲቆስ /Antiochus ነቲ መቕደስ ዝኸዉን ሓሰማ ሃበ። እቶም ኣይሁድ፣ ነቲ መቕደስ ንምላኽ እንደገና ምስ ወፈይዎ፣ ንእሽተይ ክበሃል ዝከኣል ንፋኑስ ዝኸዉን ዘይቲ እንተኾነ ግን፣ እቲ ቤት መቕደስ ይጸሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ምንዳድ ኣየቋረጸን። እዚ በዓል ሕጂ ሃኑካ እዩ ዝበሃል።

2425

ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፥ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ። 

 

የሱስ መለሰሎም፥ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ አሎ።

ጎይታ ዝብል ዝሎ፣ እቲ ኣምላኽ ኣህይወት ሰባት ክገብሮ ዝኽእል ተኣምራታት ዝለዝረኣኹም፣ ተሃንጢኹም ትጽበዩ ኣለኹም፣ እዩ ዝብሎም ዘሎ።

26 27

ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። 

 

እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። 

ሓደ ሰብ ዳግማይ ዝተወለደ መንፈሳዊ መራሒ እንተ ኣልይዎ ኮይኑ፣ ናቶም መራሒ ክትከዉን ኣይትፈትን። ክትመርሖም እንተ ደኣ ፈቲንካ፣ ብሓቂ ይሰምዑኻ ከም ዘየለዉ ከተስትውዕል ኢኻ።

28 30

ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን። 

 

እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ’ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። 

 

ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።

ሓደ ሓደ መምሃራን፣ ሓደ ክርስትያን ካብ እምነቱ ክወድቕ ኣይክእልን እዩ ይብሉ። ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንዉከስ ንኽእል ኢና። ካብ ኢዱ ክፈልየና ዝኽእል የለን፣ ብገዛእ ፍቓድና ግና ካብኡ ክንርሕቕ ንኽእል።

ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ 

 

እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ 

 

እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ።

ዕብራውያን 6:4 6

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። 

 

እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። 

 

ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸረፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም

ዕብራውያን 10:26 29

31 36

ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ። 

 

የሱስ ከኣ፥ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣያናዪ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 

 

ኣይሁድ ከኣ፥ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለስሉ። 

 

የሱስ መለሰሎም፥ ኣብ ሕግኹም፥ ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ 

 

ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ -ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦ 

 

ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧ 

ናብቶም ኣይሁድ፣ ደያኑ ኣማልኽቲ ይበሃሉ ኔሮም፣ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ቤት ፍርዲ ንፍርዲ ኣምላኽ ከም መወሰኒ ይጥቀሙሉ ስለ ዝነበሩ እዩ። ንቃል ኣምላኽ ከም መሳርሒ ይኾኑ ኔሮም። ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እዮም ክገልግሉ እዩ ዝግበኦም ኔሩ። ጎይታ ከኣ ዝብል ዘሎ፣ ንሰባት ዉን ብቃላ ኣምላብ ብዝብሎ መሰረት ስለ ዝፈረዱ  ኣማልኽቲ” ካብ በልክሞም፣ ኣነ ደኣ ወዲ ኣምላኽ ምስ ዝብለኩም ስለምንታይ ትቑጥዑ ኣለኹም? ዳዊት 82:6

37 38

ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። 

 

እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።

እቲ መሲሕ ከድሕን ከም ዝኾነ እቶም ነብያት ተነዮም ኔሮም።

ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፣ ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፣ ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹን ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩን ኢኹም።

ሚልክያስ 4:2                                                                                                                                                    

39 42

መሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘ። 

 

ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። 

 

ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፥ ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፥ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ። 

 

ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ አመኑ።


ጎይታ የሱስ ናብ ደቀመዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ከይዶም ብዛዕባ ወንጌል ኣረድእዎም። ሓደ ሓደ ካብኣቶም ኣመኑ፣ ከምቲ እንፈልጦ ግን ሓደ ሓደ ካብኣቶም ኣብቲ ምድረ በዳ ጸንሑ ሞ ኣባላት እቶም ብ ስሉባት ተባሂሎም ዝፍለጡ ጉጅለ ይኾኑ።