ዮሃንስ 11

1 – 2

ኣብ ቢታንያ፡ ኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን፡ ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረ። 

 

ማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶ፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፡ እቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ።


ጎይታ የሱስ ምስቶም ስድራቤቱ ጽቡቕ ምሕዝነት ነበሮ፣ ንሳቶም ከኣ ናብ ቤቶም ይዕድምዎ ነበሩ። 

 3. ስለዚ እተን ኣሓቱ፥ ጐይታይ፡ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ፡ ሐሚሙ አሎ፡ ኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ።


ንሳተን ጎይታ የሱስ  ንሓወይ ግድን ከሕዉየለን ኣለዎ ኣይኮናን ዝብላ ዘለዋ። ሰባት ኣምላኽ ግድን ሓደ ነገር ግድን ክግብረሎም ከም ዘለዎ ምስ ዝብሉ፣ ኣብ ጸገም እዮም ዝኣትዉ።

4. የሱስ እዚ ሰሚዑ፥ እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን፡ በለ።

ኣብ መንጎ ንሞት ዝኸዉን ሕማምን ንመቕጻዕቲ ዝኸዉን ሕማምን  ((1 ቆሮንቶስ 11:30) ኣብ መንጎ ንክብሪ ኣምላኽ ዝኸዉን ሕማምን ( ዮሓንስ 9:3) ንዘሎ ፍልልይ ዝሕግዝ ትምህርቲ ኣብ ጽሑፍ ከነስፍሮ ኣሎና።

5.
የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቕሮም ነበረ።


ድንገተኛ ነገር ምስ ዘጋጥመና፣ እታ ቀዳመይቲ ነገር ሰይጣን ዝብለና፣ ኣምላኽ ብኣና ከም ዘይግደስ እዩ። ኣብዚ ዮሃንስ ክምህረና ዝደለየ፣ ኣምላኽ ዋላኳ ብኡ ብኡ ነዛ ስድራቤት እንተዘይሓገዛ፣ ነዛ ስድራቤት የፍቅራ ከም ዝነበረ ኣዩ ዘርእየና።

6. ምሕማሙ ምስ ሰምዔ፡ ኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ።


ኣይሁዳዉያን፣ ሰብ ምስ ሞተ ክትንስእ ከም ዝኽእል ይኣምኑ እኳ እንተነበሩ፣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግን ክትስንእ ይኽእል እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን ነበሩ።

7. ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ደጊም ንዑናይ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎም።


ጎይታ የሱስ ዝብል ዘሎ "ኣነ ሓደ መደብ ኣሎኒ፣ እቲ ዝገብሮ ዉን ብርድኢትን ብዕላማን እዩ"

8.
ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ መምህር፡ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትከይድ፧ በልዎ።

ብኸምዚ መንገዲ ካብ ምዝራብ፣ እቲ ንዛረቦ ቃሉ ክኸዉን፣ መደብና ከኣ ናቱ መደብ ክኸዉን እዩ ሰናይ።

9 – 10

የሱስ ከኣ፥ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትን፧ እቲ ብመዓልቲ ዚኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን። 

 

እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዜብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።


ኣብ ብርሃን ትመላለስ እንተኮይንካ፣ ዘፍርሕ የብልካን።

11 – 13

እዚ ተዛረበ፡ ድሕርዚ ድማ፥ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ፡ በሎም። 

 

ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ፥ ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩ፡ በልዎ። 


የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ፡ ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም።


ብግቡእ ይሰምዑ ኔሮም እንተ ዝኾኑ፣ ጎይታ የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ምዉታን ከም ዘተንስኦ ምረኣዩ ኔሮም። ናይ ሓሶት መምሃራን ምስ ሞትና፣ ኣብ ድቃስ ኢና ንቕጽል ይብሉ።

ግናኸ እሙንቶ ኣላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውን፡ ባህጊ ኣሎና።


2
ቆሮንቶስ 5:8

14 – 15

ሽዑ የሱስ ብግህዶ፥ ኣልኣዛር ሞይቱ፡ 

 

ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ አሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም።


ኣምላኽ ሽግርና ብቕልጡፍ ኣንተዘይፈቲሑልና፣ ናብ ኣምላኽ ነማርር ኢና። ሓደ ሓደ ግዜ፣ ኣምላኽ ንሽግርና ክፈትሕ ይዳሎ እዩ ዘሎ፣ እንተኾነ ግና ቅድሚ ብሰብ ዘይከኣል ክሳብ ዝኸዉን ይጽበ። በዚ መንገዲ ኸኣ፣ እቲ ዝገብሮ ዘበለ ካብ ኣምላኽ እምበር ካብና ኣይኮነን።

16. ስለዚ እቲ ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲ፥ ንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድ፡ በሎም።

እንተሞትና ዉን ኣብቲ ኣፍደገ ቤቱ ንሙት። ሓደ ሓደ መምሃራን፣ ማቴዎስን ቶማስን መናቱ እዮም  ኔሮም ይብሉ፣ ምኽንይቱ ከኣ ክልቴኦም ብሓንሳብ ኣስማቶም ስለ ዝዝርዘር።

17 – 20

ሽዑ የሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ። 

 

ምቕራብ ቢታንያ ንየሩሳሌም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እስታድዮስ ኣቢሉ እዩ። 

 

ካብ ኣይሁድ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወን፡ ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። 

 

ማርታ ምምጻእ የሱስ ሰሚዓ፡ ክትቅበሎ ወጸት። ማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት።


ጎይታ የሱስ ካብ ቤታኒ 20 ማይል ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማለት ኣብ ስግር ሩባ ዮርዳኖስ እዩ ዝጸንሕ ኔሩ። ናብዚ ቦታ ክትከይድ ብእግሪ ክልተ መዓልቲ እዩ ዝወስድ። ቤታኒ ኣብ በሪኽ ቦታ እያ ትርከብ ስለዚ ከኣ ማርታ፣ ጎይታ የሱስ ደቀ መዛሙርቱን ናብኡ ገጹ ክመጽእ እንከሎ ክትርእዮ የኽእላ እዩ ኔሩ።

 21 – 22

ሽዑ ማርታ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሐወይ ኣይምሞተን ነይሩ፧ 

 

ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካ፡ እፈልጥ አሎኹ፡ በለቶ።


ኣምላኽና፡ ኣይትፈርዶምን ዲኻ? ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን፡ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ።

2 ዜና መዋዕል 20:12

23 – 25

የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ፡ በላ። 

 

ማርታ ድማ፥ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ፡ እፈልጥ አሎኹ፡ በለቶ። 

 

የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ።


ጎይታ የሱስ ዝብል ዘሎ "ከም ሞት ከተንስኦ እየ።"

26 – 27

ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ። 
 
ንሳ፡ እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ አሎኹ፡ በለቶ።

ንጎይታ ወይ ንኣምኖ ኢና ወይ ዉን ኣይንኣምኖን ኢና፣ ማእከላይ መርገጺ ዝብሃል  የለን። ክሳብ እንኣምኖ ዝኾነ ነገር ዘይገብር ብምኽንያት እዩ።ማቴዎስ 13:58

 

28 – 31

እዚ ኢላ ኸደት፡ ንማርያም ሓብታ ድማ ሰላሕ ኢላ፡ መምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን አሎ፡ ኢላ ጸውዓታ።

ንሳ እዚ ምስ ሰምዔት፡ ቀልጢፋ ተንስኤት፡ ናብኡውን ከደት። 


የሱስ ኣብታ እተቐበለቶ ስፋር ጸንሔ እምበር፡ ናብ ዓዲ ኣይኣተወን ነበረ። 


እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዘለዉ ኣይሁድ ግና፡ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውጽኣን ርእዮም፡ ናብ መቓብር ከይዳ ኣብኡ ኽትበኪ እያ፡ ኢሎም ሰዓብዋ።


ማርታ ንሜሪ ብምስጢር ተዛረበታ፣ እዚ ከኣ ጎይታ የሱስ ናብቲ ቦታ ይመጽእ ከም ዘሎ መታን ከይሰምዑ እዩ። ማርያም ንበይና ምስ ጎይታ እተኾነሉን፣ ድምጺ ናይ ካልኦት ሰባት ዘይተሰምዓሉን ግዜ የድልያ ነበረ። ኩላትና ከምኡ ምስ ጎይታ ናይ በይንና ግዜ ይደልየና እዩ።

32 – 33

ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፋራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ በለቶ። 


ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናሕነቕነቐ


እዛ "እናሕነቕነቐ" እትብል ቃል ምስታ ኣብ ሮሜ8:26 ዘላ ማለት "መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና።"

ጎይታ ምስቶም ዝጉህዩ ይጉሂ ኔሩ። እቶም ሰባት ነቲ ነገራት ተስፋ ከምዝይብሉ ጌሮም እኳ ይጉህዩ እንተነበሩ፣ ጎይታ  ተኻፋሊ ጒሂኦም ኮነ።  ሮሜ 12:15

34 – 36

ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ በልዎ። 

የሱስ ነብዔ።

ስለዚ ኣይሁድ፡ እስኪ ርኣዩ፡ ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ፡ በሉ።


ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ።

ዕብራውያን 4:15

37.
ገሊኦም ግና፡ እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፡ ነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን፧ በሉ።


እዚ ዘባጩ መንፈስ፣ ርኹስ መንፈስ እዩ እዚ መንፈስ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣምላኽ እኩል ኣይገበረልናን ኢሉ ብዘይምቁራጽ ዝኸስስ እዩ።

38. ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘ፡ ናብቲ መቓብርውን መጸ፦ እዚ ግና ብእምኒ እተዓጸወ በዓቲ እዩ፦


እቲ ናይ መጀመርታ ቋንቋ ነቲ ናይ ትካዘ ስምዒቱ ከም ዝተቖጻጸረ ይነግረና። 

39 – 40

የሱስ፥ ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ፡ በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፥ ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶ። 

 

የሱስ፡ እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽን፧ በላ።


ጎይታ የሱስ ኣብ ጥቕሲ 23 ከም ዝበለ ማርታ ድሮ ረሲዓቶ ነበረት። እቲ ኣብ ጸልማት እንኮለኻ ኣምላኽ ዝበለካ ኣብ ብርሃን ምስ መጻእካ ኣይትረስዓዮ።

ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ, ዮሐንስ 5:28

41 – 43

ድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ አሎኹ። 

 

እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኣነስ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ፡ እፈልጥ አሎኹ፡ በለ። 

 

እዚ ምስ በለ፥ ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ።


ኣልኣዛር ብስሙ ኣይጸወዖን፣ ኩሉ ዝሞተ እሞ ኣብ መቕብር ዝነበረ ሰብ ምተንሰአ ኔሩ።

44  – 45

እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእስሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፡ በሎም። 

 

ሽዑ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ናብ ማርያም ዝመጹ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ አመኑ።


ሰባት ጎይታ የሱስ ንሓደ ንእሽተይ ወዲን ንእሽተይ ጓልን ካብ ምዉታን ከም ዘተንሰአ ሰሚዕም ይኾኑ፣ እንተ ኾነ ግን፣ ንከይኣምንዎ ዉን ተኽእሎ ኔሩ እዩ። ሕጂ ግን ብዓይኖም ርእዮሞ እዮም።  

ኣልኣዛር ከም ህያው ምስክር ተኣምራት ኣምላኽ ኮነ፣ ዝኾነ ሰብ ከኣ ኣንጻር እቲ ተኣምራት ገለ እኳ ክብል ኣይከኣሎን እዩ።  ዮሐንስ 12:9 –11

 
ብዙሓት ካባና ህይወትና ባዕሉ ይሃዉ ምስክር ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና።

46. ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም።


ሓደ ሓደ ግዜ ግን ዋላ ሰብ ካብ ምዉታት ብምትንስኡ ዘይቅየር ተሪር ልቢ ከም ዘሎ ንርኢ። ሉቃስ 16:31

47
እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧


ኣብ ብዓረብ ሓደ ብሂል ኣሎ" ጸላኢ ጸላእየሲ ፈታዉየይ እዩ"  ፋሪሳዉያንን ሰዱቃዉያንን ይጻልኡ ነበሩ፣ እቲ ተኣምራት ግና ነቶም ሰዱቃዉያን ብጣዕሚ ስለ ዘቕዕጠዖም ምስ ጸላእቶም ሓቢሮም ኣንጻር የሱስ ክኾኑ ጀመሩ። ሳዱቃዉያን ኣብ ትንሳኤ ምዉታን ኣይኣምኑን ነበሩ። ማቴዎስ 22:23

48.
ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ።


ንጎይታ ዘይመእመኒኦም ምኽንያት እዚ ነበረ፣ ንጎይታ ኣብ ኩሉ ነገራት ንከይትኣምንዎ ዝገብረኩም ምኽንያት ኣለኩም ዶ፧

49
50

ሓደ ኻባታቶም ቀያፋ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ፡ ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ 

 

ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእ፡ ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም።

 

ቄፋ "ንቕተሎ" እዩ ዝብል ዘሎ። ህዝቢ እስራኤል፣ ኣንጻር ሮማዉያን ምቅላሶም ይጽቕልዎ ነበሩ፣ ኣብ 70A.D ከኣ ሮማዉያን ኣዕነዉዎም።

51 – 52

በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን። 

 

ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን።


ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡

ኤፌሶን 2:15

53 – 54

ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ። 

 

ድሕርዚ የሱስ ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪ፡ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ እምበር፡ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ኣይተመላለሰን። ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ።


ኤፍሬም ኣይተረኽበን ኔሩ፣ ንሳቶም ዉን ኣይረኸብዎን። ኣዝዩ ዝተነጸለ ቦታ ኔሩ ክኸዉን ኣለዎ።  ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ዮሴፈስ፣ ኤፍሬም ኣብ ጥቓ ቤቲኤል እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ከም ዝኾነት ይነግር። ምናልባት ኤፍሮን ተባሂላ ትጽዋዕ ኔራ ትኸዉን እያ። 2 ዜና መዋዕል 13:19

55 – 57

ፋስጋ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ብዙሓት ሰብ ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁ፡ ካብታ ምድሪ ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 

 

ሽዑ ኣይሁድ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንሓድሕዶም፥ እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧ ተባሃሃሉ። 

 

እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ኪሕብረሎም ኣዘዙ።

 

ሓደ ሓደ ንጎይታ ዝደልዩዎ ሰባት ቅኑዕ ብዘይኮነ መበገሲ ምኽንያት እዮም ዝደልይዎ። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ጎይታ የሱስ ክፈልጥ ስለ ዝደለየ ጥራይን፣ ጎይታ የሱስ ንሂወቱ ክልዉጠሉ ተዳልዩ ማለት ኣይኮነን። ይሁዳ፣ ካብቶም ፋሪሳዉያን ገንዘብ ክጥረ ከም ዝኽእል ሰሚዑ ኔሩ ይኸዉን እዩ።