ዮሃንስ 12

1 – 2

ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፡ ናብ ቢታንያ መጸ።

 

ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ። ማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ።


እዚ ዝኾነ ኣብ ቤት ስምኦን እዩ ኔሩ። ስምኦን ጎይታ የሱስ ዘንጸሆ ለምጻም ነበረ(ማርቆስ

14:3)

 ማርታ፣ ኣብዚ ግዜ ዉን ተገልግል ከም ዝነበረት ንርኢ፣ እንተኾነ ግን ሕጂ ብዛዕብኡ ትጭነቕ ኣይነበረትን።  
ሉቃስ 10:38 – 42

3.
ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት።


እቲ ቅዱይ ቅብኢ ናይ መጀመርታ  ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ  "እሙን" ናርዶስ እዩ ዝትርጉሙ ኔሩ። ማርያም፣ ኣብ ዘበን ሂወታ ዝዓቀበቶ ቅቡር ነገር ንጎይታ ኣብ ምኽባር ኢላ ሃበት። ምናልባት ማርያም ብዛዕባ እታ ኣብ ሉቃስ

ምዕራፍ 7 ዘላ ሰበይቲ ሰሚዓ ትኸዉን፣ ካብታ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኣነ ዉን ኣይሓይሽን እየ ኢላ ሓሲባ ትኸዉን፧

4 8

ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥

 

እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ።

 

እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ።


ስለዚ የሱስ፥ ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ።


ንጎይታ እሙን ምዃን ዝዕቀን ብእትህቦ ገንዘብ ኣይኮነን። ዝኾነ ንጎይታ ህያው መስዋእቲ ብምሃብ ከገልግሎ ዝደሊ ሰብ፣ ዝኾነ ካልእ ሰብ ብዛዕብኡ ክፉእ ነገር ክዛረብ እዩ።

9 12

ድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብ፡ የሱስ ኣብኡ ምህላዉ ፈሊጦም መጹ። ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበር፡ ምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹ።


ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።

ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑ

ኣልኣዛር ክቐትልዎ ምስ ዝኽእሉ፣ ጎይታ ካብ ምዉታን ከም ዘተንስኦ ወለሓደ ሰብ ኣይክዛረብን እዩ፣ ከምኡ ከኣ ጎይታ ኣብ ዝፈረደሉ ግዜ ክምስክር ኣይክእልን እዩ። 

ኣብዛ መዓልቲ ከም ዝፍጸም፣ ነብይ ዳኔኤል ብትኽክል ተነብዩ ነበረ። እቲ ዕለት መጋቢት 30, 33 ዓመት ምህርት ድሕረ ልደተ ክርስቶስ እዩ ኔራ። (ዳኔኤል

9:26)

13.
ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።


ገለ ገለ ሰባት "እወ ንጎይታ እደልዮ እየ፣ ግን ኩነታተይ ከምዚ ወይ ከምቲ ምስ ዝኸዉን ጥራይ እዩ" ይብሉ። ናይ ምንታይ ንጉስ እዩ ክኸዉን፧ ሆሳእና ማለት "ሕጂ ኣድሕን" ማለት እዩ። ዳዊት 118:25-26

14 15

ከምቲ፥ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ።


ዲያብሎስ ንጎይታ የሱስ ከም ንጉስ ኮይኑ ንክመጽእ ከም ዝፈተኖ ዘክር
ማቴዎስ 4:9

16. ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዓልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ።

ዮሃንስ ዝብል ዘሎ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕብኡ ኣቐዲሞም ኣይሓሰብሉን ከምኡ ዉን መደብ ኣየዉጹሉን ኔሮም።

17 19

እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ።

 

ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖም፡ ኪቕበልዎ ወጹ።

 

ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፥ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ አሎኹም፡ እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ አሎ፡ ተባሃሃሉ።

 
እዚ ኣምላኽ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ዝፈጸሞ ልዕለ ተፈጥሮኣዊ ተግባር፣ ናይ መጀመርታ ወይ ናይ መወዳእታ ሰባት ዝረኣይዎ ተኣምራት ኣይኮነን።  ገለ ሰባት ንስለ ምፍላጥ ኢሎም ክሰምዑ ደለዩ፣ ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣምላኽ እዚ ክገብሩ ኣይነበሮን ኢሎም ተቖጢዕም ነበሩ።

20 22

ካብቶም በቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩ።

 

ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፡ በዓል ቤተ-ሳይዳ ናይ ገሊላ፡ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርእዮ ንደሊ አሎና፡ ኢሎም ለመንዎ።

 

ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ።


እቶም ኣይሁድ ዝያዳ ተኣምራት ክርእዩ ይደልዩ ነበሩ፣ እቶም ግሪኻዉያን ግን ንጎይታ የሱስ ጥራይ ክርእይዎ ይደልዩ ነበሩ። ኣብ ሓደ ሓደ ፑልፒት እዘን ቃላት ተጻሒፈን ንረኽበን ኢና።  ሰባት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተኸታተሉ፣ ነዘን ቃላት ክርእይወን ሰናይ እዩ።  እንደገና እንድርያስ ንሰባት ናብ ጎይታ ከምጽእ እንከሎ ንርእዮ።

23 24

የሱስ ድማ መሊሱ በሎም፡ ወዲ ሰብ ኪኸብር፡ ጊዜኡ በጺሓ እያ።

 

ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።


ምናልባት በዚ ምኽንያት ይኸዉን እቲ ሓደ ሓደ ግዜ፣ ንሓደ ነገር ኣብ ትቃለሰሉ ግዜ ንበይንኻ ጠጠዉ ክትብል እትግደድ፧  ምናልባት ንኣምላኽ ማይ ንከስትያ ክትሓድጋ ከድልየካ ይኸዉን።

25.
ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።


"
እቲ ክዕቅቦ ዘይክእል ነገር ብምሃብ ካብኡ ክዉሰድ ዘይክእል ነገር ዝረክብ ለባም እዩ" ጂም ኢልዮት

26.
ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።

 
እቶም ፋሪሳዉያን ንወንጌል ናብ ግሪኻዉያን ከምጽኦ ኣንተኮይኑ ሓቶቶሞ ነበሩ።   ግሪኻዉያን ንጎይታ የሱስ ክዛረብዎ ርእዮሞ ይኾኑ እዮም፣ ሓደ ነገር ካብ ጎይታ ተረድኡ ዝኾነ ሰብ ናብ ኣምላኽ ኣቦ ክመጽእ ይኽእል እዩ።

27. ሕጅስ ነፍሰይ ጕህያ ኣላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ ምእንቲዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ


ንሕና ዉን ልብና እንተደኣ ጎህዩ፣ ልክዕ ከምዚ ንብል ኢና። ከምዚ ክንብል ንኽእል፥" ኣቦ፣ ናይ መዓልታዊ ሂወተይ ንዓኻ እህብ፣ ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ ስጋይ ዉን እዉፍዮ።"

28 30

ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ። ሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።

 

ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፥ ነጕዲ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም፥ መልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ።

 

የሱስ መሊሱ በሎም፥ እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን።


ኣምላኽ ብቐጥታ ዉን ካብ ሰማያት እንተ ዝዛረበና፣ ሰባት ኣይምተረድእዎን ከምኡ ከኣ ኣይምተቐበልዎን ኔሮም።   ምስ ኣምላኽ ሰላም እንተደኣ ዘይብልካ፣ ወይ ምስ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ዘይትዘራረብ እንተኮይንካ ወይ ዉን ቃሉ ተንብብ እንተዘይኮንካ፣ ድምጹ ከተለልዮ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ።  ራእይ ዮሐንስ 14:6

31. ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።


ድምጺ ኣምላኽ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዲያብሎስ እዩ ኔሩ።

32 33

ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።

 

ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውት፡ ኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ።

 
ኣመላልስኦም ምስ እንርኢ፣ ነቲ "ልዕል ምስ በልኩ" ዝበሎ ኣብ መስቀል ከም ዝመዉት ማለቱ ከም ዝኾነን እዚ ከኣ ከም ዝተረድኦምን የርእየና።

34. ስለዚ እቶም ህዝቢ፥ ንሕናስ፡ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕና። ንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፥ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለስሉ።

   
ዳዊት 89:36

"
ዘርኡ ንዘለአለም ዝፋኑውን ከም ጸሓይ አብ ቅድመይ ኪነብር እዩ።     ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፣ ግዝኣታ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ፣ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ። ዳንኤል 2:44

35. ሽዑ የሱስ፥ ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም አሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን እዩ።

ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን።  እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። ማቴዎስ 6:23

36 41

ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ፡ በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሐብኤ።

 

እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ፡ ቅልጽም እግዚኣብሄርሲ ንመን ተጋህደ፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን።


ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፥ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ።

 

ኢሳይያስ ክብረት ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበ፡ እዚ በለ።



ኣብ መስቀል ድሕሪ ምሟቱ፣ እቲ ዝደናገሮም ዝነበረ ሓሳባት ከም ዝእለየሎም ወይ ክርድኦም ከም ዝኾነ እዩ ጎይታ ዘርእዮም ዝነበረ። ጎይታ፣ ሰባት እንተ ደኣ ነጺጎሞ፣ ካብኦም ይስወር እዩ።   ናይ ኣምላኽ ብርሃን ሒደት ጥራይ ዝተረደኣካ እንተኮይኑ፣ ናብ ዝመርሓካ ዘበለ ኩሉ ተኸተሎ።

ሓደ ሰብ ንወንጌል ከይሰምዕ እንተ ደኣ ኣብዩ፣ ኣምላኽ ብዝመረጾ መንገዲ ክኸይድ ይሓድጎ።  "ዉሳኔ ወሲንካ ኢኻ ብዝመርጽካዮ ኪድ" ጥራይ እዩ ዝብለካ።  ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብ እንተ ደኣ ዘይወሰንካ ዘሎኻ/ ወይ እንተተጠራጢርካ፣ ካብኡ ኣዚኻ ኣይትርሓቕ ኢኻ ምምላሱ ከይከብደካ።

42 – 43

ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይሰጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሃዱን።


እቶም ሕጂ ብመቀባጠሪት መልሓስ ዝዛረቡኻ ሰባት፣ ጽባሕ ብድሕሪኻ መጺኦም ከጥቅዑኻ ይኽእሉ እዮም። 
ምሳሌ 27:6 "ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም።"

44 45

የሱስ ግና ጨደረ በለውን፥ ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን።

 

ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ።


ሃይማኖታት ናይዛ ዓለም፣ ኣምላኽ ኣበይ ከም ዝርከብ ከነመልክት ጥራይ ኢና ንኽእል ይብሉ።  ጎይታ የሱስ ዝመሃሮ ግን፣ ንኣምላኽ ብግልኻ ክትፈልጡን ህላዉነቱ ከኣ ኣብ ሂወትካ ከተስማቕሮ ከም እንትኽእል እዩ።

46.
እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ።

ብቃል ኣምላኽ መሰረት ኢካ እትፍረድ።

47. ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ።


ፍርሂ ንህይወቶም ዝተቖጻጸሮ ሰባት፣ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣትዉን እዮም።ራእይ ዮሐንስ

21:8

48 50

ኣነስ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።


በሎም ድማ፣ እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘሎኹ ኹሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎም፣ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። ከም ትእዛዛት ናብ ደቅኹም ምሃርዎምሞ ንሳቶም ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ቃላት እቲ ትእዛዛት ክእዘዝዎ። እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እምበር፣ ከንቱ ነገር ኣይኰነን! ዘዳግም 32:46 47