ዮሃንስ 13

1. የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።

 

ንደቅና ዋላ ዉን ክጋገዩ እንከለዉ፣ ነፍቅሮም ኢና።  ኣምላኽ ግዳ ከመይ ጌሩ ኣዕዚዙ ዘየፍቅር።  ንይሁዳ ከይተረፈ ክሳብ መወዳእታ ኣፍቀሮ። 

2. ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ።


ኣጋንንታዊ ሓሳባት ኣብ ኣምእሙሮ ይጅምር፣ ኣብኡ ክሓድር እንተፈቂድካሉ ከኣ ቀጺሎም ናብ ልብኻ እዮም ዝኸዱ። 2 ቆሮንቶስ 10:5

3 – 4

የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡ፡

 

ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀ።


ንሰባት ብምንም መንገዲ ዘይትሕግዞም ከሎኻ የፍቅሮም እየ ክትብል ከቢድ እዩ።  ፊሊጲ 2:7

5.
ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረ።

 
ኣብዚ ጎይታ፣ ናይ ባርያ ወይ ዉን ናይቲ ኣአንጋዲ ቦታ ወሲዱ እዩ ኣእጋሮም ዝሓጽብ ዘሎ።  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣቐዲሞም ኖም ከም ዝዓቢ እዮም ዝከራኸሩ ዝነበሩ።ሉቃስ 22:24 27

6 7

ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሐጽበኒ ኢኻ፧ በሎ።

 

የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ።

 
ርእስና ኣድኒንና፣ ከምዚ ክንብል ይግባእ፣ "ጎይታ፣ እጂ እንታይ ትገብር ከም ዘሎኻ እንተዘይተረደኣኒ ድሓር ከም ዝርደኣኒ ግን እኣምን"

8. ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሐጽበንን ኢኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ።

ኣብ መንጎ ክርስትያን ምዃንን፣ ምስ ጎይታ የሱስ ጥቡቕ ሕብረት ምህላዉን ፍልልይ ኣለዎ።  ኣብ መንጎ ኣባ ናይ ስድራቤት ምዃን ግን ከኣ ዝኾነ ምዝርርራብ ይኹን ሕብረት ዘይምህላዉን ኣብ መንጎ ጥቡቕ ዝምድና ምህላዉን ፍልልይ ኣለዎ።

9. ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን፡ በሎ።


ጴጥሮስ፣ ትርጉም እዚ እግሪ ምሕጻብ እንታይ ከም ዝኾነ ኣይተረድኦን ነበረ።  እዚ ኣርእስቲዚ፣ ብዙሓት ቤት ክርስትያናት ክዘራረብሉ ኣይፈትዉን እዮም። ይታ የሱስ፣ ንርእስና ኣጸቢቕና ከነትሕት ይምህረና ከም ዘሎ ክንፈልጥ ኣሎና። 

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሐደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ፊሊጲ 2:3

10 12

የሱስ ከኣ፡ እቲ እተሐጽበ፡ ኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹም፡ ግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን፡ በለ።

 

ነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኵላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን፡ ዝበለ።

 

ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎም።


ጎይታ የሱስ ንኣእጋር ይሁዳ ሓጸበን።  ድሒርና ዉን ከም እንርእዮ፣ ይሁዳ ንክልወጥ ጎይታ እኹል ግዜ ከም ዝሃቦ እዩ።  ኣብ ክንድ ብዛዕባ ይሁዳ ጥራይ ትሓስብን ግን፣ ጎይታ የሱስ ክንደይ ግዜ ተመሳሳሊ ዕድል ከም ዝሃበካ ዘክር።

13
15

ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም።

 

ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።


ብብርክኻ ተንበርኪኽካ ናይ ካልእ ሰብ እግሪ ንክትሕጽብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፍለካ ሕሰብ።  ብዙሕ ትሕትና ዝሓትትን ንትዕቢት ክትዉሕጣ ዘገድድን እዩ።  ግን ብከመይ ጌርካ እዩ ትዕቢት ቀቲልካ ትሑት ክትክዉን ትኽእል? ብዙሕ ክትጽዕረሉን ንርእስኻ ከኣ እዚ ነገር ክትገብሮ ከም ዝሕሸካ ከተረድኣ ኣሎካ።

ብዙሕ ግዜ ንሕና፣ "ንገዛእ ኣእጋሩ ባዕሉ ክሕጽቦ ኔርዎ" ወይ "ባዕልኻ  ግበሮ!" ምበልና ኔርና። እዚ ክግበር ይከኣል እዩ፣ ኣምላኽ ግን ነዚ ኩነታት ዘምጽኦ ብምኽንያት እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ፣ ኣምላኽ ነዚ ግድል ዝኾኑካ ኩነታት ክህልዉ ዝፈቅድ፣ ንሕና ንካልኦት ሰባት ከነገልግል ከም ዘይደሊ ንከርእየና እዩ።   ብዙሕ ግዜ፣ ንጎይታ ተገልግለ ዘሎኻ ይመስለካ፣ ጎይታ ግን ካብኡ ንላዕሊ ክትገብር ይሓተካ ሞ፣ በዚ ከኣ ብዙሕ ክትዓዮ ዝግበኣካ ነገር ከም ዘሎ ትመሃር።   ቀጽል እሞ ኣተግብሮ፣ ብድሕሪኡ ከኣ ጽቡቕ ብዙሕ ደስ ዘብል ሰላም ኣብ ዉሽጥኻ ክዓርፍ እዩ።

16 17

ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

 

ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።


ኣምላኽ ብሰብ ክብሪ ዘይወሃቦም ሰባት ንዕዮኡ ክጥቀመሎም ይኽእል እዩ።  ኣብዚ ንይሁዳ ዝኸዉን ካልእ ዕድል ንርኢ።  ጎይታ ዝብሎም ዘሎ፣ "ኣብ ክንዳይ ኮይኩም ክትዓዩ፣ እልእከኩም ኣለኹ።  ኣምላኽ ብከመይ ከም ዝተጠቐመልካስ ትዝክር ?  ንመን ተገልግል ከም ዘሎኻ ዘክር። ከም ዝብል ዘሎ እዩ ዘስምዕ።"

ንርእስኻ ንጹህ ጌርካ እንተሓሊኻያ፣ ንኣምላኽ ኣብ ዘኽብር ኣገልግሎት ዝዉዕል ፍሉይ ኣቕሓ ክትከዉን ኢኻ።  ሂወትካ ጽሩይ ይኸዉን፣ ጎይታ ከኣ ንኹሉ ሰናይ ዘበለ ዕዮ ንክትዓዪ መታን ከዳልወካ እዩ።
 
2 ጢሞቴዎስ 2:21

ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን።  ማርቆስ 10:44

18.
ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፥ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸኰናኡ ኣባይ ኣልዓለ።


ጎይታ፣ ነዚ መዝሙር ዝጠቐሰሉ ምኽንያት፣ ኣብ ሂወት ደቀ መዛሙሩ ወይ ክርስትያናት ክመጽእ ዘኽእል ፍጼማታት ንዝምልከት መጠንቀቕታ ንምሃብ እዩ።   እዚ ነገራት ኣቐዲምካ ኣብ ቃሉ እንተደኣ ርኢኻዮም፣ ምስ ዘጋጥሙ ብእኦም ኣይክትግረምን ኢኻ። ዳዊት 19:11, ዳዊት 41:9, ዳዊት 55:12 – 14

19 – 20

ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም አሎኹ።

 

ነቲ ዝለኣኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።


ሕጂ ዉን እንተኾነ፣ ንይሁዳ ካልእ ዕድል ክወሃቦ ከሎ ንርኢ። ንሱ ዝብል ዘሎ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፣ "ሰባት ትስዕቡኒ ከም ዘለኹም ይፈልጡ እዮም።  ክትስዕቡኒ ከለኹም፣ ናይ መን ከም ዝኾነኩም ተርእዩ ኣለኹም።"

21 22

የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጕህዩ፥ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መስከረ።

 

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጣማመቱ።


ይሁዳ፣ ጎይታ የሱስ ምሟቱ ዘይተርፎ እንተኾይኑ፣ ካብ ምማቱ ገንዘብ ዘየእቱ ኢሉ ሓሲቡ ይኸዉን።

23
26

ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ።

 

ንእኡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ።

 

እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጐዝጕዙ ዘሎ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፧ በሎ።

 

የሱስ ከኣ፥ እቲ ኣነ ቝራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኸኣ ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፡ ሃቦ።


ጎይታ ይሁዳ ከም ናይ ክብሪ ዕዱም ጌሩ ከም ዘኽበሮ በቲ ዝሃቦ እንጌራ ክንርኢ ንኽእል።  ጸኒሑ ከኣ ከም ዓርኩ ጌሩ ክጽዉዖ ንርኢ። ጎይታ ብዛዕባ ሰባት ተስፋ ኣይቆርጽን እዩ፣ ሓደ ሓደ ሰባት ግን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ተስፋ ይቆርጹ።

ማቴዎስ 26:50

27.
ድሕሪ እታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ።


ጎይታ ንይሁዳ ክጋለጽ ብዘይምግባሩ ንደገ ምሕረቱ ከም ዘይዓጸወ ንርኢ። ሰባት ንጸጋ ኣምላኽ ድሕሪ ምንጻጎም፣ ሽዑ ሽዑ ሰይጣን ከጥቆዖም ንርኢ። ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን።ያዕቆብ

1:14

28 29

ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን።

 

ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስ፥ ንበዓል እንደልዮ ዓድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሃብ፡ ዝበሎ መሊልዎም ነበረ።

 
ኣይሁዳዉያን ንፋስጋ ክዳለዉ ኢሎም፣ ናብ ቤት መቕደሰ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኸዉን ሒዞም ናይ ምምጻእ ልምዲ ነበሮም።

30. ንሱ ግና ነታ ቝራስ እንጌራ ምስ ተቐበለ፡ ብኡብኡ ወጸ፡ ለይቲውን ነበረ።

  ሓደ ሓደ ሰባት "ኣነ ዉሳነይ ወሲነ እየ፣ ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ሓስባይ ኣይልዉጥን እየ" ይብሉ። ፋሪሳዉያን ገንዘብ ይህቡ ምዃኖም ምስ ፈለጠ፣ ይሁዳ ንሰይጣን ናብ ሂወቱ ክዕድሞ ወሰነ።

ኩሉ ዓይነት ኣጋንንታዊ ንጥፈታት፣ ካብ ኣጋንንታዊ ማእሰርቲ ከም ዝመጸ ጌርና ከይንሓስብ ምጥንቃቕ ኣድላዪ እዩ።  ይሁዳ ዲያብሎስ ተኣሲሩ/ተታሒዙ ነበረ፣ ምኽንያቱ ከኣ ዓዲምዎ ስለ ዝነበረ።   ሓደ ሓደ ሰባት ንዝተኣጒደ ሓዊ እናኾለሉ ብዲያብሎስ ወይ ኣጋንንቲ ክተሓዙ ይሓቱ እዮም። 

ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ እንተ ዘይዓዲምካዮ፣ ጎይታ የሱስ ናብ ሂወትካ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ፍቓድ ከይረኸበ ብሎስ ናብ ሰብ ክኣቱ ኣይክእልን እዩ።   ብዙሕ ካብቲ ብኣጋንንቲ ምእሳር እንብሎ፣ ምእሳር ዘይኮነስ፣ ካብ ኣጋንንቲ ጸቕጢ ክወርደካ ከሎ እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 10:38

ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል ይሁዳ ኣተወ፡ ንሱ ኻብ ቍጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡

ሉቃስ 22:3

31. ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለ፥ ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ።


"
ሕጂ ኣነ እግሩ ሓጺበዮስ፣ ብከምዚ መንገዲ ክምልሰለይ!" ኢሉ ጎይታ ኣይተዛረበን።
ናይ ጎይታ ሞት ኽብሩ እዩ።  ጎይታ ንሞቱ ከም ዘሕዝን ነገርን ከም ናይ መጨረሽታ ጌሩ ኣይርእዮን እዩ፣ ምሉእ ሂወቱ ግን ንሞቱ እዩ ዝዳሎ ዝነበረ።

32 – 33

ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ።

 

ደቀየ፡ ገና ቕሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድ፥ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስካትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ዝበልክዎም፡ ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም አሎኹ።


ጎይታ የሱስ እንደገና ንርእሱ ኣብ መስቀል ንክስቀል ይህብ ኣሎ።  ጎይታ የሱስ፣ ይሁዳ ናይ ጥልመት ስርሑ ከተግብር ይብገስ ከም ዘሎ ይፈልጥ እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ካብ ሂወቱ ክብሪ ክረክብ ከም ዝደሊ ዘሎ ንርኢ።  ኣምላኽ ኩሉ ካብ ሂወትና ዘበለ ነገር ክብሪ ንክወስድን፣ ንዓና ዝኸዉን ከኣ ከይነትርፍ ክንጥንቀቕ ኣሎና። 
 
34
35

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ።

 

ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።

 
እዚ ቅድሚ ሕጂ ሰሚዕሞ ኔሮም እዮም፣ ሕጂ ግን "ንሰባት ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ኣፍቅርዎም" እዩ ዝብሎም ዘሎ።  እቲ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያናት ዘሎ ደቀቕቲ ፍልልያት ናይ ሰረት እምነት/ዶክትሪንን ወይ ሙዚቃን ዘይኮነ ዘገድስ፣ እቲ ንሓድሕድና ፈቅረሉ መንገዲ እዩ ዘገድስ።   "ምስቲ እትኽተልዎ ሰረተ እምነት ዝሰማምዑ እንተኾይኖም ደቀ ሞዛሙርተይ ከም ዝኾንኩም ክፈልጡ እዮም" ኣይበለን።

36.
ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ክትከትድ ኢኻ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

ጎይታ የሱስ፣ ጴጥሮስ ደሓር ክመዉት ከም ዝኾነ እዩ ዝነግር ዝነበረ።2 ጴጥሮስ 1:14, ዮሐንስ 21:18 – 19

37. ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይነ፡ ህይወተይ እኳ በጃኻ ኤሕልፋ እየ፡ በሎ።


ጴጥሮስ፣ " ካብ ኩሎም ኣብሊጸ እየ ዘፍቅረካ" እዩ ዝብል ዘሎ። እዚ ንኩላትና መጠንቀቕታ እዩ። ካብ ዝኾነ ሰብ ኣዕዚዝና ንጎይታ ከም እነፍቅሮ ኮይንና ክንሓስብ የብልናን- ብኽመይ ፈሊጥና ኢና ከምኡ ክንሓስብ ንኽእል?

38. የሱስ ከኣ፥ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋ፡ ሰለስተ ጊዜ ኽሳዕ እትክሕደንስ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።


ቅድሚ ጴጥሮስ ከምኡ ጌሩ ኢልና ምግራምና፣ንሕና ኩላትና እከይ ነገራት ክንፍጽም ተኽእሎ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ይግባእ።  ንሕና ክንፍጽሞ ኢልና ሓሲብናዮ ዘይንፈልጥ ነገር ፈጺምና  ወይ ንፍጽም ንኸዉን ኢና፣ ዲያብሎስ ከኣ ካብቲ ጠፊእናዮ ዘሎና መምለሲ ከም ዘይብልና ጌሩ የርእየና።  ጴጥሮስ፣ እዚ ዓይነት ፍቕሪ ክንነብረሉ/ ኣብ ሂወትና ከነንጸባርቖ ከም ዘይንኽእል ክርኢ እዩ።

ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ።

ሉቃስ 22:31