ዮሃንስ 14

1. ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።


መፍትሒ ንዝተሸበረት ልቢ እዚ እዩ፣ ንኣምላኽ ምእማን!  ንሓደ ሰብ ክትኣምኖ ዘይትኽእል እንተኮይንካ፣ ዓርኩ ክትከዉን ኣይትኽእልን ኢኻ።  ሰባት ብድሕሬኻ ኮይኖም ይብድሉኻ ከም ዘለዉ እንተ ጠርጢርካ፣ ዓርኮም ክትከዉን እይትኽእልን    ሓደ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ኣገዳሲ ነገር፣ ንኣምኖ ዲና ወይ ኩሉ ግዜ ጌጋ ይግብር ኣሎ ኢልና ንሓስብ ኣሎና ክፈልጠና ይደሊ።   እቲ ቀዳማይ ነገር ዲያብሎስ ሄዋን ዝበላ ነገር እንተሎ ኣምላኽ ክኣምንዎ ከም ዘይብሎም እዩ። ዘፍጥረት 3:1 – 5

2 – 3

ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡

 

ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።


ኣብ ናይ ኣይሁድ ባህሊ፣ እቲ መርዓዊ ንመርዓቱ ዝኸዉን ገዛ ይዳልወላ እዩ።   ሓደ ሓደ ሰባት፣ ጎይታ የሱስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ ዓቢ ገዛ ከዳልወሉ ከም ዝኾኑ እዩ ተዛሪቡ ኢሎም ይኣምኑ።  መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህሮ፣ መንፈስና ካብ ስጋና ምስ ተፈልየ፣ ኣብ ሓድሽ ስጋ ክንነብር ከም ዝኾንና እዩ።

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።  2 ቆሮንቶስ 5:1

ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣሎና።   2 ቆሮንቶስ 5:4

4 – 6

ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኹም።

 

ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፡ በሎ።

 

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።


ሃይማኖታት ናይዛ ዓለም፣ ናብ ኣምላኽ ክበጽሓሉ ንኽእለሉ ገለ መንገድታት ንፈልጥ ኢና ይብሉ።   ሂወት ናይ ጎይታ ዝምህረና ናብ ኣምላኽ ክንበጽሓሉ እንኽእል እንኮ መንገዲ፣ ንጎይታ፣ ነቲ ምእንታና ዝሞተን ድሕሪኡ ከኣ ሂወት ክህበና ዝተንስአ የሱስ፣ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ምእማን እዩ።  ነዚ እንተደኣ ኣሚንናዮ፣ ከምቲ ዝነበሮ ከኣ እንተነቢርና፣ ኣብዛ ምድሪ ንባረኽን ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ንዘልኣለም ንነብር።

7
9

ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡ በሎ።

 

ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ።

 

የሱስ በሎ፥ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል አሎኻ፧


ጎይታ የሱስ ናብዚ ምድሪ ዝመጸ፣ ንክመዉት ጥራይ ዘይኮነስ ኣምላኽ ከመይ ከም ዝመስል ዉን ንከርእየና እዩ።   ዓለም ኣምላኽ ንኩሉ ሰብ ናብ ገሃንም ከእቱ ዝደሊ ቁጡዕ ሰብ ጌራ ትፈልጦ።  ጎይታ የሱስ፣ ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ንህዝቡ ከም ዝሓሊን፣ ኩሉ ብሉጽ ዘበለ ከም ሓስበሎም እዩ ዘርእየና።  ንሕና ከኣ ብከምዚ መንገዲ እንተነቢርና፣ ኣምላኽ ከመይ ከም ዝመስል ከነርእዮም ኢና

10.
ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ።


ኣምላኽ ከምቲ ዘርኣየና ብምግባር ጥራይ ኢና፣ ኣምላኽ ከመይ ከም ዝኾነ ንዓለም ከነርእያ ንኽእል።  እዚ ክንገብሮ እንኽእል ከኣ ብመሰረት ቃሉ ጥራይ እዩ።  ሰባት ይዕዘቡና እዮም፣ እቲ ኣምላኽ ዝበለና ምስ ዘይንገብር ከኣ ብዛዕባና ሕማቕ ነገራት ክብሉ ይኽእሉ እዮም.

11.
ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ።


ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡

 

ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡


ዕብራውያን 1:12

12.
ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።


ናብ ጎይታ ቀሪብና ንመላለስ እንተሊና፣ከምቲ ጎይታ ዝገበሮ ክንገብር ንኽእል ኢና።  ነቶም ዝሓመሙ ንክፍወሱ ንክንጽልየሎምን ነቶም ወዲቖም ዘለዉ ከኣ ንከነተንስኦም እዩ።  ጎይታ ኣብዚ ምድሪ እንከሎ ዘይበጽሖም ቦታታት ክንከይድ ኢና።

13 14

ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ።

 

ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ።


ናይ ስራሕ ሓላፊኻ ካብ ዱንኳን ክትገዝኦም ዘለካ ነገራት ዝርዝር ጽሒፉ፣ ነቶም ሸየጥቲ ከምዚ ዝስዕብ በሎም ምስ ዝብለካ "ሓላፍየይ ነዚኣቶም ደሊዎም ኣሎ፣ ንሱ ከኣ ክኸፍለኩም እዩ።"

ነዚኦም ነገራት ብስምካ ኣይኮንካን ክትገዝኦም፣ ብስም ሓላፊካ ኢኻ ክትገዝኦም።   እቶም ሸየጥቲ ከኣ ንስለ ስም ሓላፊኻ ክብሉ ነቶም ንብረት ክህቡካ እዮም። ስለዚ እዩ ከኣ ብስም ጎይታ የሱስ እምበር ብስምና ዘይንጽሊ። ንኣምላኽ ንሓቶ ነቲ ንሱ ዝደልዮ እምበር ነቲ ንሕና እንደልዮ ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ሰባት ምስዚ ሓሳብ ኣይሰማምዑን እዮም፣ ሓዳሽ ማኪና ወይ ዝያዳ ገንዘብ ዘይረኸብካሉ ምኽንያት እኩል እምነት ስለ ዘይብልካ እዩ ኢልም ይምህሩ።  ጎይታ የሱስ፣ "እኹል እምነት እንተለኩም ኣይኮነን ኢሉ"  ጎይታ ዝበሎ፣ "ብስመይ ገለ እንተለመንኩም" እዩ ዝበለ።

እቶም ምስዚ ዘይሰማምዑ ከኣ ኣምላኽ ኣብዚ ምድሪ ሃብቲምካ ክትነብር እዩ ዝደሊ ይብሉ።  መጽሓፍ ያዕቆብ ካብዚ ብዝፍለ እዩ ዝምህረና፥

ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።


ያዕቆብ 4:3

15. እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።

ንሓድሕድና "ንዓኻ/ንዓኺ ብምፍቃር እየ ኣብኡ ዘለኒ ፍቕሪ ዘርኢ" ንብል ኢና

16 17

ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡

 

ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩም፡ውን ኪነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።

 
ጎይታ የሱስ ሓድሽ ሃይማኖት ክጅምር ኣይኮነን መጺኡ።  ንሰባት ናብ ኣምላኽ ንክመልሶም እዩ መጺኡ።  ንሕና ድኹማት ከም ዝኾንና ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ብዘይ ናቱ ሓገዝ ኣብዚ ምድሪ ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና።  ሂወትና ንዕኡ ምስ እንህብ፣ መንፈሱ ኣባና የሕድር።  ንሕና እንገብሮ ነገር እንተሎ፣ ቀሪብና ክንሰምዖን ኣብዚ ምድሪ ከሎና ከኣ መይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ክንፈልጥን እዩ።

18 21

ኣነ ዘኽተማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምን፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ።

 

ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስካትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።

 

በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም።

እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።

 

ኣምላኽ ርእሱ ንመን እዩ መጀመርታ ክገልጸሉ?  ንሱ ምስኦም ከም ዘሎ ብኸመይ እዮም ክፈልጡ? እቲ ንቃሉ ዝሰምዕ ዘበለ ክፈልጥ እዩ።

22.
እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማ፥ ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ፡ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ፧ በሎ።

 
ጎይታ ኣብ መንፈስና ዘርእየና ነገራት ኣለዎ። ዓለም ነቲ ኣብ ዉሽጠና ዘሎ ክትርእዮ ኣይከኣላን እዩ።

23.
የሱስ ከኣ፥ ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።

ጎይታስ ኣብ ቤትካ ምንባር ጥዒምዎ ይኸዉን?  ጎይታስ ደስ ዘየብል ነገር ኣብ ቤትካ ይርኢ ይኸዉን?  ጎይታ ኣብ ቤትካ ንክጥዕሞ መታን ኢልካ እተግብሮ ነገራት ኣሎ ?

24 – 26

እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ።

 

ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም።

 

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

 
እቲ መቓብር ጥርሑ ምስ ረኣይዎ፣ ነቲ ክትዝክርዎ ኢኹም ዝብል ዝተነግሮም ቃል ዘከርዎ።

ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሃብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን።

 
ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ።


ሉቃስ 24:6 8

 
27. ሰላም እሐድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።

ዓለም ናይ ሓሶት ሰላም ክትህበና ትፍትን። ኣምላኽ ዝህበና ሓቀኛ ሰላም ንዓና ህያብ እዩ።  ጌና ከይለመናዮ፣ ባዕሉ እዩ ዝህበና። 

28 – 29

ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹም። ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም።

 

ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ።


ጎይታ ንህዝቡ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኾነ ይነግሮም።  ቃሉ ኣባና እንተሓዲሩ ግን፣ ዓለም ዘይተጸበናዮ ነገር ኣርእያ ኣይክተሰንብደነናን እያ።  ዘይኣምኑ ሰባት እዚ ህያብ የብሎምን።

30.
ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን። ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ።


ኣብቲ ቀዳማይ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፣ ዲያብሎስ ብዙሕ ግዜ ተመላሊሱ ንጎይታ ክፍትኖ ዘሪኢ ጽሑፍ ንረክብ።   ዲያብሎስ፣ ንዓና ዉን ብተመሳሳሊ ይፍትነና እዩ።  እታ ሓንቲ ዘላቶ ኣጽዋር ከኣ ሓሶት ምሕሳዉ እያ።  ንልብና ናይ ኣምላኽ ቃል ምስ እንመልኦ፣ ሓሶት ክንገረና እንከሎ ከነለልዮ ንኽእል ኢና።

ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ወድኤ፡ ንጊዜኡ ሐደጎ።


ሉቃስ 4:13

31.
ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ።


ጎይታ የሱስ ንክትገብሮ መታን ኢሉ ኩሉ እቲ ኣቦ ዝበለካ ነገር ንክትገብሮ መታን ኣብነት ኮይኑ