ዮሃንስ 15

1 – 2

ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ።

 

ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ።


ኣምላኽ ለክዕ ከም ናይ መጥባሕቲ ኪኢላ፣ ንነገራት በብሓደ ስጉምቲ እዩ ዝገብሮም።  ኣብ ሂወትና ሓደ ሓደ ፍረታት ይርኢሞ፣ እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ዘየድሊ ነገራት ካብ ሂወትና ምስ ተቆርጸ ከኣ ዝያዳ ከም እነፍሪ ይፈልጥ እዩ።

3.
ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።


እዚ ብቓል ኣምላኽ ምሕጻብ ማለት እዩ  ኤፌሶን 5:26

4.
ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም።


ሓደ ጸሎት ጥራይ ጸሊኻ ንበይንኻ ክትከይድ ትኽክል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከኣ ናብ ጎይታ የሱስቀሪብካእንተዘይኮይኑ፣ኣብ ሂወትካ ይኹን ኣብ ሂወት ካልእ ሰብ ፍረ ከተምጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ።

5. እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።

 
ቱፋሕ ንርእሳ ከተዕቢ ኣይትኽእልን ኢያ፣ ስለዚ ከኣ ኣብቲ ጨንፈር ገረብ ትጸንሕ። ክንገብሮም እንደሊ ነገራት ግን ከኣ ክንገብሮም ዘይከኣልና ነገራት ክንዝርዝር ንኽእል ኢና፣   ብጸሎትን ብቃል ኣምላኽን መንገዲ ምስ ጎይታ ዘይንራኸብ እንተኮይንና፣ ከምቲ ምስ ጉንዲ ወይኒ ዘይተጣበቐ ጨንፈር ኢና ክንከዉን።  

 

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ብክርስቶስ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
ፊሊጲ 4:13

6.
ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።


ሓደ ሓደ መምሃራን እዚ ኣይከኣልን እዩ ይብሉ።   ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ጎይታ ክጸንዑ ከም ዘይመርጹ ጎይታ ተዛሪቡ ኣሎ፣ እዚ ስለምንታይ ይመስለኩም?
 

7. ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።


ኣብ ክንዲ ናይ ጎይታ ናይ ሰይጣን ቃላት ኣባኻ ሓዲሩ እንተሎ ብኸመይ ትፈልጥ?
 
2 ቆሮንቶስ 10:5

8.
ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም።

 
ሂወትና ንዕኡ እትጠቅም ትኹን።  ንክብሩ ንክንዓይ ኢሉ ዝሃበና ዕዮታት ኣሎ።  እቲ ስራሕ እንተ ዘይዓየናዮ፣ ንካልእ ሰብ ክህቦ ይኽእል እዩ።

9
10

ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ።

 

ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም።


ንጎይታ የሱስ ይፍቅሮ እየ ኣናበልካ፣ ነዚ ፈቕሪ ዘርኢ ነገር ዘይትገብር እንተኮይንካ፣ ሰናይ ኣይኮነን።

11.
ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም።


ሓደ ሓደ ክርስትያናት ቅጡዕ ስምዒት ዘርኢ ገጽ ሒዞም ይመላለሱ።  ስምዒትካ ካብ ሕጉስ ናብ ሕዙን ክቕየር ይኽእል እዩ።እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህበካ ሓጎስ ግን ካብ ዉሽጢ መንፈስካ ዝብገስ እዩ።  ናይ ሓቀኛ ሓጎስ መትሓዚኻ ጥርሑ እንተልዩ፣ ኣምላኽ ንኽመልኣልካ ሕተት።

ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።


 
ዕብራውያን 12:2

12 13

ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ።

 

ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን።



ኣብዚ ከመይ ጌሩ ጎይታ ብዛዕባ ሂወትና ምእንቲ እነፈቅሮም ሰባት ከም እንህብ ከም ዝሓተተና ክንሓስብ ንጅምር።  ኣምላኽ ንናይ ግዜ ሰሌዳና፣ ገንዘብና፣ ወይ ካልእ ነገር ብምሃብ ሂወትና ንካልኦት ሰባት ክሓተና ይኽእል እዩ። እዚ እንተ ደኣ ጌርካ፣ ኣብ ሂወትና ተኣምራትን ክትርኢን ክትርዳእን ትኽእል፥ ከምኡ ከኣ ለዉሃት ኣምላኽ፣ ሰላምን ከምኡ ወይን ምሕረትን ሓጎስን።

"
ሂወተይ ናተይ/ንዓይ ኣይኮነትን" ንክብል ምስ ዝሰምዑና ይግረሙን ከምኡ ከኣ ንክሰምዑና ድሉዋት ይኾኑ። 

14 15

ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።

 

እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ።



ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ፣ እቲ ንዓለም ዝፈጠረ፣ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዓርኩ ክትከዉን ይሓተካ ኣሎ።  በቲ ቃሉ ጌሩ ዘርኣየና ነገር እንተ ዘይገበርናዮ፣ ከምኡ ከኣ "የቐንየለይ ኣነስ ኣይደልይን እየ፣ ብቐረባ ክፈልጠካ ኣይደልይን እየ" ምስ እንብሎ፣ ናቱ ኣገልጋሊ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ።ገላትያ 4:7

16.
ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።


ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩ፣ ኩሎም ንኣምላኽ ዝኣምኑን ኣብኡ ከኣ ዝዉከሉን፣ ንሶም ምስኡ ንክኾኑ ዝመረጾም እዮም።

ንዕኡ ዝበቅዕ ፍረ ክነፍሪን እቲ ፍረ ከኣ ነባሪ ንክኸዉን መታን ንክንዓዪ ሓላፍነት ሂብና ኣሎ።  እዚ ማለት፣ ወንጌል ናብ ሰባት ኣብ እነምጻሉ ግዜ፣ ነቶም ሰባት በይኖም ክመላለሱ ክንሓድጎም የብልናን።  ፍሬኦም መታን ክዓቢ ካብ ጥቕኦም ክንፍለ የብልናን።

ክንጽሊ እንከሎና፣ ኣምላኽ ብዛዕባ ክገብሮም ዘለዎ ነገራት መመርሒታት ንክንህቦ ከም ዘይኮነ ክንዝክር ኣሎና።   ጎይታ ጸሎት ክምህረና ከሎ፣ መጀመርያ ንኣምላኽ ከነኽብሮ ድሕሪኡ ከኣ ነቲ ዘድልየና ነገራት ጥራይ ንክንልምኖ እዩ ምሂሩና።  ንኣምላኽ፣ እቲ ሽግር እንታይ ምዃኑ ንገሮ፣ ድሕሪኡ ከኣ  እቲ ክኸዉን ዘለዎ ካባኻ ንላዕሊ ባዕሉ ከም ዝፈልጦ ንገሮ።  ነቲ ኩነታት ከኣ ካብ ኢድካ ክኣልዮን፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ከኣ ጽቡቕ ኮይኑ ዝተራእዮ ክገብር ሕተቶ።

17
18

ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።

 

ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።


ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም።


ገላትያ 5:17

19. ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።



ንሓደ ዘይኣመነ ሰብ ኣብ ትዛረበሉ ግዜ፣ ኣንጻር እቲ ሰብ ናባኻ ከቕንዖ ዝኽእል መንፈስ ጽልኢ ከይህሉ ጸሊ።   እዚ ከም ተራ ዕላል ክመስለካ ይኽእል እዩ፣ ግን ሓደ ድምጺ ይዝረቦም ኣሎ፣ እዚ ድምጺ ከኣ ንከይሰምዑኻ ይዛረቦም እዩ።  ካበይ ከም ዝኾነ ንዕኦም ብዘይርድኦም መንገዲ፣ ኣብ ዉሽጦም ኮይኑ፣ ንዓኻ ምሉእ ብምሉእ ንከይቅበሉኻ ይነግሮም።

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።

 

ኤፌሶን 6:12

20 – 21

ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም።

 

ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም።


ሰባት፣ ጎይታ ንዝበሎ ቃላት ጠዉዮሞ እዮም፣ ከምኡ ኸኣ ንሕና እንብሎ ቃላት ብምጥዋይ ከኽፍኡና ይኽእሉ እዮም።  ንሕና ከኣ " ጎይታ ከምቲ ንዓኻ ዝስምዓካ ዘሎ፣ ንዓይ ከኣ ንክስምዐኒ ስለዝፈቐድካ አመስግነካ።"

22. ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን።

ኣምላኽ ብሰንኪ እቲ ጌጋ ምዃኑ ዘይፈለጥካዮ ነገር ኣይቀጽዓካን እዩ።

እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።

 

ያዕቆብ 4:17

23.
እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ።


ንምንታይ እዮም ሰባት ንጎይታ ዝጸልእዎ?  ብዙሕ ግዜ እቲ ምኽንያት፣ ሓደ ክርስትያን ስለ ዝበደሎም እዮም።  ኣምላኽ ከኣ "እቶም ክርስትያናት ኣሕዋተይ ዝበደልኹም ይቕረ ክትብሉልምስ ኣይምኸኣልኩምን" ኢሉ ክሓተና ይኽእል እዩ።  እቲ ዝገብርዎ ግን ፈሊጦም ዝገበርዎ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ፣ ከምኡ እንተ ዝኸዉን ኣይምገበርዎን ኔሮም።  እዚ ብምዃኑ እሓዝን፣ ጎይታ ግን ንሰባት ብኸምዚ መንገዲ ኣይኮነን ንሰባት ዝሕዝ ዝነበረ።  ሕጂ፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓደ ሓደ ክርስትያናት ዲኻ ተቕዕጢዕኻ ዘሎኻ ወይ ኣብ ልዕሊ ጎይታ የሱስ።

2425

ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና።

እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፥ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ።

ዳርጋ 100% ሽግር ናይ ዓለምና፣ ብሰንኪ ሰባት ንሂወቶም ባዕሎም ክቆጻጸርዎ ብምድላዮም እዩ ዝብገስ።  ንሂወት ሓደ ሰብ ክትቆጻጸሮ እንተፈቲንካ፣ንሳቶም ከኣ ብሚስጢር ዝቆጻጸርዎም ንኣሽቱ ነገራት ክህልዎ ይኽእል እዩ።  እቲ ቀንዲ ምኽንያት ሰባት ንኣምላኽ ዝጸልእዎ፣ ንሂወቶም ባዕሎም ክቆጻጸርዎ ስለ ዝደልዩ እዩ።

ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፥ እዚ ኺነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ።


ሉቃስ 19:14

 

26. እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ።


መንፈስ ቅዱስ፣ ልክዕ ከምቲ ጎይታ የሱስ ኣብ ምድሪ እንከሎ ዝገብሮ ዝነበረ፣ ከምኡ ይገብር እሎ።

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ

ዮሐንስ 16:13

27.
ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርያ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።


ኣምላኽ ኣብ ሂወትናን ኣብ ሂወት ካልኦትን ዝገበሮ ርኢና ኣሎና፣ ንካልኦት ክንምስክረሉ ዘይንኽእል ምኽንያት ደኣ እንታይ ኣሎ?