ዮሃንስ 16

1. ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም።


እዚ ብዛዕባ እቲ ጎይታ ዘዘንተወሎም ኣብ ከዉሒ ብዛዕባ ዝተዘርአ ዘርኢ ይዘኻኽረካ።   ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ክጸግቡ ስለ ዘይተጸበዩ፣ ኣይተሕጎሱን ነበሩ።
 
ማቴዎስ 13:21

2.
ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም፡ ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።


ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ።


1
ጢሞቴዎስ  1:13

3.
ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ፡ እዚ ኺገብርኹም እዮም።


ንሕና ሃይማኖት ኣይኮንናን ዘሎና፣ ምስ ጎይታ ዝምድና/ሕብረት እዩ ዘሎና።  ብዛዕብኡ ሓደ ሓደ ነገር ጥራይ ኣይኮንናን ንፈልጥ፣ በንጻሩ ምስኡ ናይ ቀረባ ሕብረት ኣሎና

4.
ጊዜኦም ምስ በጽሔት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ካብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም።


ጎይታ ምስኦም ከም ዝነበረን ወለሓደ ሰብ ከኣ ክትንክፎም ከም ዘይከኣለን፣ ድሕሪ ካብኦም ምኻዱ ግን መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሕልዎም እዩ ዝነግሮም ዘነበረ።  "

5.
ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ አሎኹ። ካባኸትኩም ከኣ ሓደ እኳ፥ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን።


ኣብ  ዮሐንስ 14:5 ሕቲቶም ኔሮም እዮም፣ ሕጂ ግን ኣይሓተቱን

6 – 7

እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ።

 

ግናኸ እንተ ኸድኹ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።


ጎይታ የሱስ ኣብ ስጋ ሕዲሩ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ፣ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ እዩ ክኸዉን ዝኽእል ኔሩ። ሕጂ ንዓና ኣብ መላእ ዓለም ክልእኸና እሞ ወንጌላ ከኣ ኣብ ኩሉ ከም ዝስማዕ ክገብር ይኽእል እዩ።  "ኣነ ክገብሮ ኣይክእልን እየ" ክንብል ኣየድልን እዩ ምኽንያቱ መንፈሱ ልኢኹ ኣብ ዉሽጥና ክሓድርን ክድግፈናን ስለ ዝኾነ እዩ። 

8. ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ።


ዓለም "ሓጢኣት የበልናን!" እያ ትብል።  ወንጌል ክነበርስ እንከሎና፣ ንኹሉ እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ከም ዝጠሓስናዮ ብምንጋር ክንጅምር ኣሎና።  ክርስቶስ ከም ዘድልዮም ክሳብ ዘይፈለጡ ወለሓደ ሰብ ክመጽእ ይኸብዶ።  ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝጠሓስና ምስ ፈለጡ፣ መንፈስ ቅዱስ ክረትዖም እዩ።  ከምቲ ዝመስሎም ዘይኮነስ ሓጥኣን ከም ዝኾን ክበርሃሎም እዩ።  ንክዉስኑ ኣይትደፋፍኣዮም።  መንፈስ ቅዱስ ንሓደ ብኸምዚ መንገዲ ምስ ዝዛረቦ፣ ሓጢኣቱ ካብ ኣእምርኡ ከዉጽኦ ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ።


ገላትያ 3:24

9.
ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ።


ሰይጣን ንሓደ ሓደ ሰባት ይቕረ ክብበሃሎ ዘይከኣል ሓጢኣት ፈጺምኩም ኢሉ ይነግሮም።  እቲ እንኮ ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ንጎይታ ምንጻግ እዩ።

ስለዚ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን።


ማቴዎስ 12:31

10
11

ብዛዕባ ጽድቂ፥ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ደጊም ኣይትርእዩንን።

 

ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፥ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ።


ንሕና ነቲ ሓቂ ብጭብጢ ከነርእዮ ኣይንኽእልን ኢና።  ክንገብሮ ንኽእል እንተሎ፣ ዘርኢ ክንዘርእን "ጎይታ፣ ኣዒንቶም ክፈተሎም" ኢልና ዉን ክንጽልየሎም እዩ።

ብህድኣት ነቶም ንሓቅ ዝቃወሙ መሃሮም። ምናልባት ኣምላኽ ልቢ እዞም ሰባት ይልዉጥ ይኸዉን እሞ፣ ነቲ ሓቂ ከኣ ክፈልጥዋ ይኾኑ። ብድሕሪኡ ናብ ልቦም ክምለሱን ካብ መፈንጥራ ሰይጣን ከኣ ክመልቁ እዮም።

ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሃቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡

 

ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።


2
ጢሞቴዎስ 2:25-26

12. ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።


ንሕና ተኸልቲ ዘርኢ ከም ዝኾንና ንዘክር።  ንኣሽቱ ዘርኢ ንዘርእ እሞ፣ ንሰባት ከኣ ዝያዳ ክጸምኡ ምኽንያት ንኸዉን።  ንሰባት ካብ ክስከምዎ ዝኽእሉ መልእኽቲ ንላዕሊ ኣብ ሓደ እዋን ኣይትሃቦም።

እቲ ዝተረፈ ኩሉ ሓደሽ ኪዳን ቃል ክርስቶስ ከም ዝኾነ ዘክር።  ኣብ እንዓብየሉን ቃሉ ከኣ ዝያድ ክርደኣና ከኣ ኣብ ዝጅምረሉ ግዜ፣ ቃሉ ንክጽሕፍዎ ንሰባት ነገሮም

13.
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ ኩነታት እቲ ትኽክለኛ ሓቂ ከርእየካ ይኽእል እዩ። ነተን መወዳእታ መዓልታት ንክትርደአን ክርእየካ እዩ።

14.
ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።


ዋሕዚ ሓይሊ ኣምላኽ፣ ካብ መንፈሱ እምበር ካባና ኣይኮነን

ሽዑ ንሱ መሊሱ፣ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፣ ብመንፈሰይ እምበር፣ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐያታ ሰራዊት። ኣታ ዓብዪ ኸረን፣ መን ኢኻ ኣብ ቅድም ዘሩባቤል ጐልጐል ክትከውን ኢኻ። ጸጋ፣ ጸጋ ንእኡ፣ እናተባህለ ኺጭደር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኼውጽኦ እዩ፣ ኢሉ ነገረኒ።


ዘካርያስ  4:6

15 19

እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፥ ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ።

 

ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም።

 

ሽዑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓያሎ፥ እዚ፥ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ፡ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም። ዚብለና ዘሎስ እንታይ እዩ፧ ተበሃሀሉ።

 

ስለዚ፥ ነዚ ዚዛረቦ ዘሎ ኣየስተውዐልናዮን፡ ቅሩብ ጊዜ ዚብሎ ዘሎስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ።

 

የሱስ ከኣ ኺሐትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎም፥ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ አሎኹም


"
ድሕሪ ኣብ መስቀል ምስቃለይን፣ ካብ ሞት ምትንሰአይን  ቅሩብ ግዜ ክርርእዩኒ ኢኹም" ከም ዝብሎም ዘሎ እዩ ዝስምዕ።

19 – 22

የሱስ ከኣ ኺሐትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎም፥ ቅሩብ ጊዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ አሎኹም፧

 

ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሐዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ባህ ኪብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዚልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

 

ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ጊዜኣ ስለ ዝበጽሔ ትጕሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሐጕሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ።

 

እምብኣርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጓሂ አሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፡ ልብኹምውን ኪሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዚወስዶ የልቦን።


ጎይታ" ኣብ መስቀል ምስ ዝርእይዎ ከም ዝበኽዩ፣ ድሕሪኡ ግን ኣምላኽ በቲ ናይ መስቀል ዉዕለት እንታይ ከም ዝፈጸመ ስለ ዝርእዩ ከም ዝሕጎሱ እዩ ዝነግሮም ዘሎ።  ልክዕ ከምቲ ሓደ ሕድሽ ዝተወልደ ህጻን፣ ከምኡ ሓደ መንፈስ ክህልወካ እዩ።

23. በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሐቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዝህበኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።


ናብ ኣቦ ብስም ጎይታ የሱስ ኢና ንጽሊ። ኣምላኽ ብደም የሱስ ተሸፊና ሰለ ዝርእየና፣ ንጻድቃናት ንክማልዱልና ንሓተሎም ምኽንያት የብልናን።

24.

ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።

 
እቲ ናይ መጀመርታ ንክልንልምኖ ብጣዕሚ ብዘዳፋፍእ ቃል እዩ ተጻሒፉ፣

25. እዚ ብምስላ ነገርኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ንኣኻትኩም ብግሁድ ዝነግረላ እምበር፡ ብምስላ ዘይዛረበላ ጊዜ ኽትመጽእ እያ።


እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረብ ዘሎኻ፧ በልዎ።

 

መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻኣትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን።

 

ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም።

 

እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ።


ማቴዎስ 13:10 – 13  

  26 27

በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም አሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ።


ንኣቦ ጾሎታና ንክሰምዖ ክንልም ኣየድልን እዩ። የፍቅረና እዩ፣ ጸሎትና ዉን ክሰምዕ ይደሊ እዩ

እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።


ሮሜ 8:27

2829

ካብ ኣቦ ወጺኤ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ አሎኹ።

 

እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እንሆ፡ ሕጂ ብግሁድ ትዛረብ አሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን።


ከምቲ ሓደ ሓደ ግዜ ንውና ዉን ዝምስለና፣ ኩሉ ነገር ዝተረደኦም ይመስሎም ኔሩ።

30
31

ኵሉ ኸም እትፈልጥ፡ ሓደ እኳ ኺሐተካውን ከም ዘየድልየካ፡ ሕጂ ፈለጥና፡ ስለዚ ኻብ ኣምላኽ ምውጻእካውን ንኣምን አሎና፡ በልዎ።

 

የሱስ ከኣ፥ ሕጂዶ ኣሚንኩም፧


ኣብዚ ዝብሉ ዘለዉ" ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኣሎና" እንተኾነ ግን ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ክዛረብ እንከሎ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ጌና ኣይተረደኦም ኔሩ።   ንሕና ከኣስለ እቲ ዘርኣኻኒ ነገር አመስግነካ፣ ብዛዕባ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተረዳእኩዎ ከኣ ንዓኻ እኣምነካ/እዉከለካ

32.
እንሆ፡ ኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረውላ፡ ንበይነይውን እትሐድጉላ ጊዜ ትመጽእ ኣላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን።


እዚ ዅሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዅሎም ሐዲጎምዎ ሀደሙ።


ማቴዎስ 26:56

ሰይፊ፣ ኣንጻር ጓሳኡን ኣንጻር እቲ ብጻየይ ዝዀነ ሰብን ተንስእ፣ ነቲ ጓሳ ውቖዓዮ፣ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ኪብላ እየን፣ ኢደይ ድማ ኣንጻር እቶም ናእሽቱ ኽመልስ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።


ዘካርያስ 13:7

33. ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አለኩም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።


ገለ ገለ መምሃራን፣ እዚ ዘርእየና ቤተ ክርስትያን ብቁጥዓ ኣምላኽ ዝወርደሉ ግዜ ከም እትህሉን፣ ቁጥዓ ኣምላኽ ከኣ ከም ዝወርድን ይምህሩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎ ግን ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ቁጥዓ የብሉን፣ ምኽንያቱ ከኣ ሂወትና ብደም የሱስ ክርስቶስ ተሸፊና እያ።  ኣብ መንጎ ናይዛ ዓለም መከራን ምዓልቲ ቁጥዓ ኣምላኽን ፍልልይ ኣሎ 1 ተሰሎንቄ  5:9