ዮሃንስ 17

1 – 2

የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፥ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ፡ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ።


እዚ ናይ ጎይታ ጸሎት ክበሃል ይከኣል እዩ።  ጎይታ የሱስ፣ ዓለም ኣይከኣልን እዩ ትብሎ ነገር፣ ንኣምላኽ ክብሪ ክህቦ ይኽእል እዩ።   ኣብ መስቀል ሙሟት ንኣምላኽ ክብሪ ይህቦ እዩ ኢሉ ዝሓስብ ወለሓደ የለን  ናይ ኣምላኽ መደብ፣ ወለሓደ ሰብ ክሓስቦ ዘይክእል ነገር ንምትግባር እዩ ኔሩ።  ወዱ ኣብ መስቀል ንክመዉት እሞ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ከኣ ክኸፍልን ንኹሎም ነዚ ዝኣምኑ ዘበሉ ከኣ ንከድሕንን እዩ።  መስቀልና ንዕኡ ኢልና ምስ እንስከም ከኣ ኣምላኽ ክብሪ ይረክብ።

ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። 1 ቆሮንቶስ 2:8, ማቴዎስ 16:24

ሕና ከም ህያብ ኮይንና ብኣምላኽ ኣቦ ጎይታ የሱስ ከም ዝተወሃብና ማለት እዩዮሐንስ 6:37

3.
ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።


እዚ ከምቲ ንዘልኣለም ዝጸንሕ ዓይነት ሂወት ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ዘልኣለማዉያን ዝኾኑ ነገራት እናሓሰብካ ዝንበር ሂወት እዩ።

4
5

ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ።

 

ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።


መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ፊሊጲ 2:1 – 12

6. ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሀብካኒ፡ ቃልካውን ሐለዉ።


ኣብቲ ናይ መጀመርያ ቋንቋ፣ የሱስ ማለት፣ "ኣምላኽ የድሕንዩ" ማለት እዩ።  የሱስ በተንእቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ" ብምባል ናይ ኣምላኽ ስም ኣርኣዮ። ዘጸአት 3:14

    7 9

እቲ ዝሀብካኒ ዘበለ ዅሉ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡ።  

እቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎም፡ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሐቂ ፈለጡ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ።

ኣነ ምእንትኦም እልምን አሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ።

ጎይታ የሱስ ንዓለም መታን ክበጽሕዋ ኢሉ ንደቀ መዛሙርቲ ኢሉ ይጽሊ ኣሎ።   ጎይታ የሱስ ፈልዩ ንደቀመዛሙርቲ ብምጽላዩ፣ ንካልእ ኩሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ሰብ ኣይግደን እዩ ማለት ኣይኮነን።  ብዉሑዳት ቃላት፣ ጎይታ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ዝሰድድ ዘሎ ወንጌል ናብ ዓለም ንከብጽሑ እዩ።  ሓደ ሓደ መምሃራን፣ ንዓለም ክንጽልየላ የብልናን ምኽንያቱ ዝተወሰኑ ሰባት ጥራይ እዮም ዝድሕኑ ብምባል ይጥቀሙላ። 

10.
ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩ።


ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሐፍር፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር እዩ።

ፊሊጲ 1:20

11.
ደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሀብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሐልዎም።


ጎይታ የሱስ ብስሙ ክንፍለጥ እዩ ዝደልየና።  ብስሙ እንተ ደኣ ተፈሊጥና ዓለም ከኣ ነንሕድሕድና ክንጋጮ እንተተዓዚባትና፣ ኣንጻር እቲ ጎይታ ዝጸለዮ ንኸይድ ኣሎና ማለት እዩ!

12.
ኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብስምካ ሐሎኽዎም፡ ነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦን።


ጎይታ ምስኦም ኣብ ዓለም ኣይክህሉን እዩ፣ ስለዚ ከኣ ኣቦ ንክሕልዎም ይጽሊ ኣሎ። ኣይሁድ በቲ ጸረ ክርስቶስ ዝጽወዓሉ ስም እዩ ዝጽዋዕ፣ ንሱ ወዲ ጥፍኣት እዩ ተባሂሉ።  ይሁዳ ጸረ ክርስቶስ ኣይኮነን፣ ግና ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ የርእየና። ዳዊት 41:9, 2 ተሰሎንቄ 2:3

13. ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ አሎኹ።


ምእንቲ ብጣዕሚ ተፍቅሮ ካልእ ሰብ ሞይትካ ካብ ሞት ከተድሕኖም እንተኾንካ፣ ዋላ ዉን ኣብቲ ንክሞቱ ዝተቓረብሉ ግዜ ሓጎስ ምተሰመዓካ

14 16

ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም።

 

ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ።

 

ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።


ንሕና ኣብ ዓለም እኳ እንተሎና ናይ ዓለም ግን ኣይኮንናን።   ንሕጊን ትእዛዛትን ዓለም ብዝእዘዝ መንገዲ ክንነብር ኣሎና፣ እዚ ከኣ ኣንጻር ቃል ኣምላኽ ዘይከይድ እንተኮይኑ ጥራይ እዩ።

ኣብ ጥቓ ረሲኣን ሰባት ክትከዉን ኣይትኽእልን ኢኻ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ምኽንያቱ ጠቕሊልካ ካብዛ ዓለም ክትወጽእ ማለተይ ኣይኮነን።  1 ቆሮንቶስ 5:10

17.
በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ።


ሓደ ሓደ ቤተ ክርስትያናት ኣለዋ ኣብ ፍጽምና ከም ዝበጽሓን ሓጢኣት ከኣ ከም ዘይፍጽማን ዝዛረባ።  እቲ ቀዳማይ ጽሑፍ ናብ ናይ ኣምላኽ ዕላማን ክንፍለ ማለት እዩ፣ ሓጢኣት ንዘይምፍጻም፣ ምፍላይ ብዝብል ቃል ጥራይ ኣይትርጎምን እዩ።  በቲ ኣብ ቃል ናይ ዘሎ ሓቂ ኢና ተፈሊና ዘሎና።

18.
ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለእኽካኒ፡ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም።


ጎይታ የሱስ ቦትኡ ክንወስድ እዩ ዝልእኸና ዘሎ።  ከመይ ዝበለ ሓላፍነት እዩ!

19.
ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ አሎኹ።

ርእሰይ እቕድስ” ክብል ከሎ ካብ ሓጢኣት ማለት ኣይኮነን፣ ናይ ግሪኽ ቃል እንተወሲድናዮ ስሌኦም ኢለ እፍለ/ምፍላይ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ጎይታ የሱስ በይኑ ሓጢኣት ኣይነበሮን።

20.
ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ።

ካብ ዓለም እንፍለየሉ ምኽንያት፣ ልዕሊ ዓለም ክንወጽእን ንዓለም ከኣ ክንበጽሓን እዩ! ጎይታ የሱስ ዝጽሊ ዘሎ ንዓና ነቶም ሓደ መዓልቲ እንዉለድ ሰባት እዩ!

21.
ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ።


በዚ ነገር እሞ ሕሰብ፣ እዚ ብጣዕሚ ዘደንቕ እዩ ምኽንያቱ፣ ንሓደ ብወልፊ ዝተኣስረ ሰብ ብከምዚ ወይስ ከምቲ መንገዲ ምስ ዝጥመቕ እሞ፣ ናትና ቤት ተክርስትያን ከኣ ስለ ትሓይሽ፣ ናብ ቤተ ክርስትያንና ምስ ዝጽምበር ካብ ወልፉ ሓራ ክወጽእ እኻ ምበልና? ንሕና ንሰባት ናብ ክርስቶስ ኢና ነምጽኦም እምበር ናብ ንፈትዎ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይኮነን!

22 – 23

ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም።


ብሓባር ከምዚ ኢልና ጠጠዉ ምስ እንብል፣ ንሰባት ክብሪ ኣምላኽ እዩ ዘርእዮም።   እዞም ሰባት ዝርእይዎ ክብሪ ናይ ኣምላኽ፣ እቲ ክብሪ ኣብ ሂወት ሰባት ምቕያር እዩ ዘሎ።   ሰባት ካብ ማእሰርቲ ሓጢኣት ኣብ ምፍትሖም ዘሎ ጽባቐ ሕሰብ!

ናይ ጎይታ የሱስ መደብ፣ ቤተ ክርስትያን ብሓባር ክትሰርሕ እምበር- ኣንጻር ሕድ ሕድ ክትሰርሕ ኣይኮነን።  "ኣነ ኣባታቶም" ክብል እንከሎ፣ ወንጌል ምስ ካልኦት ምስ እትካፈሉሉ ኣነ ኣብኡ ምሳኻትኩም ኣለኹ ማለት እዩ።  ካብዚ ንላዕሊ ዝበልጽስ ኣሎ ?

24. ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሃብካኒ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ።


ክብረቱ ክንርኢ ኢና፣ ሓደ መዓልቲ ከኣ ብሓባር ክንዝምር ኢና።

ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ።


ራእይ ዮሐንስ 5:12

25. ጻድቕ ኣቦይ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ።


ሓደስቲ ነፍሳት ዘይተምጽእ ቤተ ክርስትያን ቤተ ክርስትያን ኣይኮነትን። ነቲ ብርሃን ኣብ ቤትካ ዘይተብርሃሉ ክነስኻ ናብ ካልእ ቦታ ምዉሳድካ ትርጉም የብሉን።  ግዜኻ ዝባኽን ግጭት ገዲፍና ኣብ ነንሕድሕድና ምድጋፍን ጽቡቕ ግዜ ኣብ ምሕላፍን ነተኩር። እዛ ዓለም ካብ እትምነዮ ንላዕሊ ዚያዳ ሽግራታ ብወንጌል እዩ ክፍታሕ ይኽእል!

26.
እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።


ኣምላኽ ከምቲ ኣብኡ ዘሎ ፍቕሪ ከምኡ ኣባና ከቐምጥ ኣዩ።   በዚ መንገዲ ከኣ ንከነፍቅሮም ዝከብደና ሰባት ከነፍቅር ንኽእል።  ንርእስኻ, “እታ ክመላለሰላ ዝሓተተኒ ሂወት ንክነብራ ሓይሊ ተዋሂቡኒ እዩ" በል ማቴዎስ 28:20