ዮሃንስ 18

1 2

የሱስ እዚ ኢሉ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ርባ ቄድሮን፡ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ መጸ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ።

የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ።

 

እዚ ግራት ናይ ጌተሰማኔ እዩ ኔሩ፣ ትርጉሙ ከኣ "መጽሞቒ ኣዉሊዕ" እዩ።

3.
ይሁዳ ነቶም ጭፍራ ሮማውያንን ንገላዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ ወጸ።


እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈሉ ቀዳማይ ቋንቋ ብዉሑዱ 200 ወተሃደራት ከም ዝነበሩ እዩ ዘመልክት።  ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ መንፈሳዊ ዉግእ ተዓዘብ።  ዲያብሎስ ይከታተለካን ኣብ መፈንጠራ ወዲቕካ ክርእየካን እዩ ዝጽዕር ዘሎ። 

4. ሽዑ የሱስ ዚመጾ ዘበለ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም።

 
ጎይታ የሱስ ክሕብእ ኣይፈተነን በንጻሩ ግን ንክስዋእ ፍቓደኛ ኮነ።

5 6

ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝሬታዊ፡ ኢሎም መለስሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎም። እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ።

 

ሽዑ፡ ኣነ እየ፡ ምስ በሎም፡ ኣድሐርሐሩ ናብ ምድሪውን ወደቑ።

 
እዚ ነገረ እዚ፣ ንሓደ ሓደ ሰባት ደዉ ኢሎም ከም ዝሓስቡ ክገብሮም ይግባእ ኔሩ።  ሓደ ሓደ ግዜ፣ ሰባት "ኣምላኽ ነዚ ነገር ክፍጽም እንተዘይደልየኒ ኮይኑ፣ ስለምንታይ ደኣ እዩ ጠጠዉ ዘየብለኒ?"  ኣምላኽ ጠጠዉ ከብሎም መታን ኣብ መንገዶም ሓደ ነገር እንተ ዝገብር፣ ነቲ ዝደልይዎ ካብ ምግባር ኣይመዓረፉን ኔሮም።

7 9

ከም ብሓድሽ ድማ፥ ንመን ትደልዩ አሎኹም፡ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፥ ንየሱስ ናዝሬታዊ፡ በሉ።

 

እቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ የሱስ፡ ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም።


እቶም ደቀመዛሙርቲ ሃደሙ።  ምስ ጎይታ ደዉ ኢልካ ምቛም ኣብ ዘድልየና ግዜስ ንሕና ንሃድም ? ሰይጣን ኣባኻ ሽግር ኣምጺኡ ንኩሎም ፈተዉትኻ ካባኻ ከህድሞም ምፈተነ  ? ዮሐንስ 17:12

10.
ሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። ስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ።


ብዛዕባ ጴጥሮስ ዝገበሮ ጌጋ ተግባር ንሓስብ ኢና፣ እንተኾነ ግን ንጎይታ የሱስ ክከላኸለሉ ኢሉ ንበይኑ ኮይኑ፣ ነቶም ናይ ሮማ ወተሃደራት ንኽጥቕዖም ብዙሕ ትብዓት ከም ዝርኣየ ግን ንርስዕ።

11.
የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ፥ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። ነታ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፡ በሎ።


ጎይታ ንክንሰትያ ንዓና ዝህበና ጽዋእ ክንሰትያ ንኽእል ኢና?  ንሕና ኣብቲ ቃል ኢና ዘሎና፣ ምስ ጎይታ ከኣ ጠቢቕና ንዓዪ።  ሰባት፣ ሰማያዊ ዝኾነ ሰላም ከም ዘሎናን ካብቲ መሪር ጽዋእ ንከስትዩ ከኣ ክንሕግዞም ከም እንኽእል ክርእዩ እዮም።

ንሱ ኸኣ፡ ጽዋኤይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም።

ማቴዎስ 20:23

ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ።

 

ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧


ማቴዎስ 26:52 – 53

12 14

ሽዑ እቶም ጭፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ።

 

ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ ሓሙኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ።

 

ቀያፋ ኸኣ እቲ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተ ሞተ ይሐይሽ፡ ኢሉ ንኣይሁድ ዝመኸሮም እዩ።


ሃና ሊቀ ካህናት ነበረ፣ ግን ከኣ ጥሮታ ወጺኡ ነበረ።  ቀያፋ ከኣ ንሮማዉያን ገንዘብ ብምኽፋል ሊቀ ኻህን ክኸዉን ከኣለ።   ብሓባር እዞም ሰባት ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ሰደቓታት ይቆጻጸርዎ ነበሩ።  በዚ ምኽንያት ከኣ እዮም ንጎይታ የሱስ ዝጸልእዎ ዝነበሩ።  ጎይታ የሱስ ናብ ቤት ሃና ምስ መጸ፣ ሰዓት 2 ንግሆ ነበረ።ዮሐንስ

11:49

15. ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኰይኑ ንየሱስ ሰዐቦ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙርውን ምስ የሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ኻህናት ኣተወ።


ብዘይካ ዮሃንስን ጴጥሮስን፣ እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ሃዲሞም ነበሩ። ጴጥሮስ ጥቕላላ ፈራሕ ኣይነበረን።

16
18

ጴጥሮስ ግና ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙር ከኣ ወጸ እሞ ነታ ዐጻዊት ደገ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ።

 

ሽዑ ሓንቲ ገረድ፡ ንሳ እታ ዐጻዊት ደገ፡ ንጴጥሮስ፥ ንስኻውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፡ በለቶ። ንሱ ግና፥ ኣይፋለይን፡ በለ።

 

ብዙሕ ቍሪ ነበረ እሞ፡ እቶም ባሮትን ገላውን ሓዊ ኣጕሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።


ጎይታ የሱስ ንጴጥሮስ ከም ዝደንገጸሉ ከነረጋግጽ ንኽእል።  ናብኡ ግልጽ ኢሉ "ነጊርካ ኔረ!" ኣይበሎን።   ልክዕ ከም ጎይታ የሱስ ንኹን፣ ሰባት ኣብ ዝዕንቀፉሉ ግዜ ከኣ ዝገደደ ከም ዝስምዖም ኣይንግበር።

ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፥ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ፡

ሉቃስ 22:61

19. ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሐተቶ።


ብመሰረ ሕጊ ኣይሁድ፣ ንእሱር ኣንጻር ርእሱ ክምስክር ክሓትዎ ኣይፈቅድን እዩ።   ብለይቲ ናይ ቤት ፍርዲ ቆጸራ ክግበር ኣይፍቀድን ነበረ፣ ከምኡ'ዉን ብመሰረት ሕጊ ኣይሁድ፣ ምስክር ክህልዉ ኣለዎም፣ ቅድሚ ዉሳነ ምሃቡ ከኣ ቤት ፍርዲ ንሰለስተ መዓልታት ክጽበዩ ነበሮም።

እዘን ቃላት ኣብ እተንብበለን ግዜ, እንተ ትኽሰስ እሞ ተመሳሰልቲ ሕቶታት ከኣ እንተ ትሕተትሲ እንታይ ምገበርካ ኔርካ? ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ

20
21

የሱስ ከኣ፥ ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረብ፡ ኵሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን።

 

ንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ አሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም፡ ኢሉ መለሰሉ።

ጎይታ የሱስ፣ "ኣንጻር ርእሰይ ክዛረብ ትሓቱኒ ኣለኹም፣ ኣብዚ ጉዳይ ከኣ ምስክር ክህልዉ እዩ ዝግብኦም ኔሩ" ከም ዝብል ዘሎ እዩ።

ካልእ ጎይታ የሱስ ዝበሎ፣ እዚ ኩሉ ነገራት መንፈሳዊ ዉግእ ከም ዝኾነ የርእየና። 

ኣብ ቤተ መቕደስ ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ጊዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም።

ሉቃስ 22:53

22 23

እዚ ምስ በለ፡ ካብቶም ገላው ሓደ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ፥ ንሊቀ ኻህናትናዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ አሎኻ፡ ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ።

 

የሱስ ከኣ፥ ክፉእ እንተ ተዛሪበ፡ ክፉእ ምዃኑ መስክር፡ ጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ አሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

ንእሱር ምህራም ኣንጻር ሕጊ እዩ።

24.
ሃና ኸኣ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብእሱሩ ሰደዶ።


ሃና ጥሮታ ዝወጸ ሊቀ ካህናት እዩ ኔሩ፣ ጎይታ የሱስ ናብኡ ዝተላእኸ ከኣ ንክብረት ሃና ተባሂሉ እዩ፣ ሕጂ ግን ብመሰረት ሕጊ ሮማዉያን፣ ናብቲ ሓቀኛ ሊቀ ካህናት ክዉሰድ ኔርዎ። ሕጂ ሰዓት 3:30 ለይቲ እዩ ዘሎ፣ ቀያፋ ከኣ ሓደ ሓደ ሰባት ኣንጻር ጎይታ የሱስ ክምስክሩ መታን ገንዘብ ከፈሎም።

ኣነ ነዛ ብኢድ እተገበረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ፡ ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብል ተንስእዎ።


ማርቆስ 14:58

25. ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ስለዚ፥ ንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ደዀን ትኸውን፧ በልዎ። ንሱ ግና፥ ኣይፋለይ፡ ኢሉ ኸሐደ።

 
ምናልባት ጌና ኣይተፈጸመን ይኸዉን፣ ሓደ መዓልቲ ግን ክትገብሮ ኢልካ ፈጺምካ ሓሲብካዮ ዘይትፈልጥ ነገር ትፍጽም ትኸዉን።  ከም ብሓድሽ ንክትጅምር ክትዉስን ኣሎካ።  ንጎይታ፣ "እዚ ብምፍጻመይ ክኣምን ኣይከኣልኩን።  ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፣ ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ።  ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ።  ሰይጣን ነዚ ከተዓናቕፎ ኣይፈቕደሉን እየ።  ሓጢኣተይ ብደም የሱስ ክርስቶስ ተሸፊኑ እዩ።  ኣብዚ እየ ዝቐዉም፣ ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ከኣ የለን።" ዳዊት 51:10, ምሳሌ 24:16

26 27

ካብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ካህናት ሓደ፡ ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱ፥ ኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧ በሎ።

 

ሽዑ ጴጥሮስ ከም ብሓድሽ ከሐደ፡ ብኡብኡውን ደርሆ ነቀወ።


ሕጂ ሰዓት 6 ንግሆ ኮይኑ ነበረ። ሰባት ንጴጥሮስ ኣብ ጎደና ምስ ዝርእይዎ፣ ኸም ተባዕታይ ደርሆ ብምንቃዉ ይሕጭጩሉ ከም ዝነበሩ ይንገር።    ሓደ ካብ ሓዉና ምስ ዝወድቕ፣ ኣብ ክንዲ ናይ ዕሽነት ቃላት ተጠቂምና ናብ ታሕቲ ንደፍኦ፣    ናብ ምትንሳኡ ከነተኩር  ሰናይ እዩ።ገላትያ 6:1

28.
ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን።


ሃይማኖታዉያን ሰባት ብከምዚ መንገዲ እዮም ዝዋስኡ።  ካብቲ ዉሽጣዊ ምስሎም በቲ ደጋዊ ምስሎም ዝያዳ ይጭነቑ።ማቴዎስ 23:23

 29. ሽዑ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ ነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ አሎኹም፡ በሎም።

 
ጎይታ የሱስ ናብ ጲላጦስ ሰዓት 6:30 AM ኣምጽእዎ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጸልኡ ሰባት፣ ጲላጦስ ዝበሃል ሰብ ኣይነበረን ኢሎም ይዛረቡ ኔሮም።  ኣብ 1961 "ጴንጢዮስ ጲላጦስ....ናይ ይሁዳ ላዕለዋይ ኣዛዚ/ፕሪፈክት" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ጽላት እምኒ ተረኺቡ ኔሩ።

30 32

ንሳቶም፥ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለስሉ።

 

ሽዑ ጲላጦስ ንስካትኩም ውሰድዎ፡ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ፡ በሎም። የሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ኣይሁድ፥ ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቐደልናን፡ በልዎ።


ጲላጦስ ኣዝዩ እከይ ሰብ ነበረ፣ ንኣይሁድ ከቖጥዕ ከኣ ብዙሕ ነገራት ፈጺሙ ኔሩ።  ኣይሁዳዉያን ብዛዕባ እዚ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ንመራሕቲ ሮማዉያን ነገርዎም።  ስለዚ ከኣ ጲላጦስ እንደገና ከየቖጥዖም ብዙሕ ክጥንቀቕ ነበሮ።

ኣይሁዳዉያን ንየሱስ ክቐትልዎ ኣይከኣሉን ምኽንያቱ ከኣ ሮማዉያን ነዚ መቕተልቲ ንክፍጽሙ ፍቓድ ኣይሃብዎምን ነበሩ።   ብዛዕባ ሃይማኖቶም ንጎይታ የሱስ ናብ ፍርዲ ንከቕርበሎም ንጲላጦስ ክሓትዎ ኣይከኣሉን ነበሩ።   ስለዚ ከኣ ጎይታ የሱስ ነቶም ህዝቢ ኣንጻር ሮማዉያን ንክልዓሉ ይምህሮም ኣሎ ኢሎም ክኸሱዎ ወሰኑ።

እዚ ማለት ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ኣይክእሉን ነበሩ፣ ምኽንያቱ ከኣ ዳዊት 22 እቲ መሲሕ ዝስበር ዓጽሚ ከም ዘይህልዎ ንመሃር።

33. ሽዑ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ፡ ንየሱስ ጸዊዑ ኸኣ፥ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፡ በሎ።

 
ጲላጦስ ብዙሕ ግዜ ናብዝን ናብትን ይብልን፣ ንጎይታ ካብ ምቕታል ከኣ ክርሕቕን ይፍትን ነበረ። ሓደ ካብቲ ምኽንያት፣ ሰበይቱ ኣጠንቂቓቶ ስለ ዝነበረት እያ።ማቴዎስ 27:19

34 35

የሱስ ድማ፥ እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፡ ኢሉ መለሰ።

 

ጲላጦስ ከኣ፥ ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፡ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ካህናትን ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻ፧ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ።

 
እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ እንረኽቦ ሓሳባት ሰይጣን እዩ፣  ንሱ " ንዓንዶ፣ ገለ ሓጢኣት ፈጺምካ ኣለኻ።  ንኹሉ ከኣ ብዛዕባኻ ክነግሮም እየ!  ሕጂ ዋላ ኣምላኽ'ዉን ክሕግዘካ ኣይክእልን እዩ!  ኣምላኽ ተቖጢዕካ እዩ፣ ናባይ ከኣ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ።"

ጲላጦስ ከኣ፥ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ።

ዮሐንስ 19:10

36. የሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ።



ካብ 1095 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ ኤዉሮጳዉያን ሃገራት፣ መሬት እስራኤል ካብ ተኸተልቲ ኣስላም ክመልስዎ ይዋግኡ ነበሩ።  ኣምላኽ ግን ንእስራኤል ፋሕ ዘበሎም ኣንጻሩ ብምዕላዎም ምኽንያት እዩ።  እቶም ዝዋግኡ ዝነበሩ መስቀላዉያን ወይ ክሩሴደርስ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ተዋጊኦም መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ከምጽኦ ኣየድለዮምን ነበረ።  ኣብ 1948 ኣምላኽ መሬት እስራኤል ናብ ኣይሁዳዉያን መለሶ። 2 ቆሮንቶስ 10:4

37. ጲላጦስ ድማ፥ እምብኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝኰነ ኵሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።


ጎይታ የሱስ ዝብል ዘሎ፣ " ከምዚ ትብል ዘሎኻ ኣነ ንጉስ ስለ ዝኾንኩ እዩ"  ኣብዚ ጉዳይ ከም ምስክር ኮንካ ኢኻ ተራኻ ትጻወት ዘሎኻ።

38. ጲላጦስ ከኣ፡ ሓቂ እንታይ እዩ፧ በሎ። እዚ ኢሉ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡ፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡


ኣብዚ ግዜ ዚ፣ ንዓኻ ሕቂ ዝኾነ ንካልእ ሰብ ሓቂ ዘይክኸዉን ይኽእል ይብሉ ኣለዉ።  እዚ ዝብልሉ ምኽንያት፣ ነቲ ካብ ነፍሰ ፍትወት ዝተላዕለ ተግባራቶም ንምሽፋን ተባሂሉ እዩ።

ተጠንቂቖም ዛንታታ ብምምሃዝ፣ ነቲ ዝምህርዎ ማለት ሓደ ነገር ኩሉ ግዜ ሓቂ ኣይኮነን ንዝብል ኣተሓሳስባ ሓቂ ንከምስልዎ ይጽዕሩ።   እቲ ዝምህዝዎ ዛንታታት ከኣ ሓቐኛ ዘይኮኑስ፣ ኣብ ባይታ ዘይተፈጸሙ ሓሳባት እዮም።  ወለሓደ ሓቂ የለን ኢሎም ናይ ዝኣምኑ፣ ብዙሓት ኣብነታት ኣብ ታሪኽ ንረክብ።    ከምዞኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እዮም እምበኣር ሂወት ሰባትን ሂወቶምን ዘዕንዉ።

39. ንኣኻትኩም ግና በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ አሎኩም። እምብኣርሲ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፡ በሎም።

  ጲላጦስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሰላም ሰላም ኣይነበሮን፣ ንጎይታ የሱስ ከኣ ክለቀሉ ዝኽእል ምኽንያት የናዲ ነበረ።  ዘይኣምኑ ሰባት ብዛዕባ ጎይታ የሱስ ሰላም የብሎምን፣ ካብኣቶም ከርሕቕዎ ከኣ ኩሉ ግዜ መንገዲ ምስ ኣናደዩ እዮም።

40.
ሽዑ ኸም ብሓድሽ ዓው ኢሎም፥ ንበርባን ደኣ እምበር፡ ነዝስ ኣይኰነን፡ በሉ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ።

ነቲ ኣንጻር ሮማዉያን ዝዓለወ ባራባስ ይደልዩ ነበሩ፣ እዚ ከኣ ንጎይታ ኣንጻር ሮማዉያን እዩ ኢሎም ድሕሪ ምኽሳስ እዩ!ሉቃስ 23:19

ባራባስ ኣብ ክንድኡ ሰብ ክመዉት ከመይ ከም ዝኾነ ይፈልጥ እዩ።  ድሒሩ ባራባስ ብዛዕባ ወንጌል ሰሚዑ ነቲ ዝተፈጸመ ነገር ተረዲኡ ይኸዉን።  ሎሚ ዘገረም ነገር፣ ፖላይስን ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዉን ዳርጋ ኩሉ ግዜ ንዓና ክብሉ ይሞቱ ምህላዎምን ንሕና ከኣ ብዙሕ ብዛዕባዚ ዘይምሕሳብናን እዩ። 

ጎይታ የሱስ ሰዓት 7 ንግሆ ሄሮዶስ ናብ ጲላጦስ ከም ዝምለስ ተገብረ።