ዮሃንስ 19

1. ሽዑ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ።


ጎይታ የሱስ ሽዑ ኔሩ እንተዘይከዉን፥

ካልእ ካብ ድንግል ዝተወልድ ክህሉ ኔሩዎ።ኢሳይያስ 7:14

ንሱ ከኣ ካብ ቤት ዳዊት ኢሳይያስ 11:10

 
ኣብ ቤትሊሄም ተወልደ ሚክያስ 5:2

 
ኣብታ ዳኒኤል ዝበላ ልክዕ ዕለት ከኣ ዝመጽእ ዳንኤል 9:25 – 26

 
ብሰላሳ ሲቃል ብሩር ከኣ ዝጥለምን ዝሽየጥን፣ እቲ ገንዘብ ከኣ ኣብ ቤት መቕደስ ዝድርበን  ዘካርያስ 11:13

 
እዚ ሰብ ከኣ ኣብቲ ዝስዕብ ምዕራፋት ብዝሰማማዕ መንገዲን ብዛዕባ ዓጽሙ ከም ዘይስበርን፣ ምስ ሃብታማት ከም ዝቕበረን፣ ካልእ ብዙሕ ነገራትን የጠቓልል። ኣምላኽ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ጎይታ የሱስ ክፍጸም ከም ዝኾነ ነጊሩ ከም ዝነበረ ርኢኻ ? ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ከኣ ብከምዚ መከራራታት ዝሓለፈ ሰብ ኣይነበረን።

2 – 3

እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ።

 

መመጺኦም ከኣ፥ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ።
 

ንግሆ ሰዓት 8 ነበረ። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሰባት ንጉስ ናይ ምዃ ትምህርቲ የባጭዉሉ ነበሩ።

4 5

ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፥ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም አሎኹ፡ በሎም።

 

ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፥ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም።


ፒላጦስ "ተመልከቱ ክሳብ ሞት ዝቐርብ ተገሪፉ፣ ሕጂስ ኣይኣኽለኩም ዲዩ" ይብል ኔሩ ይኸዉን' 

ኢሳይያስ  ጎይታ የሱስ ብጣዕሚ ካብ ምግራፉ ዝተላዕለ ዋላ ዉን ናይ ሰብ ምስሊ ከም ዘይነበሮ ተነብዩ ነበረ።ኢሳይያስ 52:14

6.
ሊቃውንቲ ካህናትን እቶም ገላውን ምስ ረኣይዎ፥ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ፡ በሎም።

ንጎይታ የሱስ ኣንጻር ሮማ ዝቐንዐ ዕልዋ/በደል ክረኽበሉ ኣይከኣለን። እቲ ተዛሪብዎ ዝበልዎ ከኣ ምስ ሕጊ ሮማ ዘራኽብ ከም ዘይነበሮ ተረድአ።

7 9

ኣይሁድ ከኣ፥ ንሕና ሕጊ አሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ።

 

ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ፈርሄ።

ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንየሱስ፥ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱሱ ግና ኣይመለሰሉን።


ጲላጦስ ነቲ ጎይታ የሱስ ድሮ ዝነገሮ ሓቂ ኣይሰምዖን።  ኣምላኽ እቲ ዝሃበና ሓቂ ክሳብ ዘይተጠቀምናሉ ዝያዳ ሓቂ ኣይህበናን እዩ።

10 11

ጲላጦስ ከኣ፥ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ።

 

የሱስ ከኣ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሕዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

 

ሓጢኣት ጲላጦስ፣ ጎይታ የሱስ ንጹህ ከም ዝኾነ ይፈልጥ ነበረ፣ ከምኡ'ዉን ክለቆ ስልጣን ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ፣ እንተኾነ ግን ድሌት ናይ ኣይሁድ ከማልእ ደለየ።

12. ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፥ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ።

 

ጲላጦስ ካብቶም ሓለፍቲ ሮማ ተወሳኺ ሽግር ክመጾ ኣይደለየን፣ ከምኡ ኸኣ እቶም ኣይሁድ ዝደለይዉ እንተዘይጌሩ ስልጣኑ ክኸስር ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነበረ።

13 15

ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ።

 

ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፥ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም።

 

ሽዑ ንሳቶም፥ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፥ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፡ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፥ ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ።


ሕጂ ግን ጲላጦስ ካብዚ ሽግር መዉጽኢ ከም ዘየለ ረኣየ።  ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ ምኽንያቱ ከኣ ጎይታ የሱስ ንክቅትልዎ ክፍቕደሎም ድሮ ወሲኑ ኔሩ።  መጀመርያ ግን ንኣይሁድ ከባጭወሎም ደለየ።  እቶም ኣይሁዳዉያን'ዉን ኣባጨዉሉ።  ንመንግስቲ ሮማ ይጸልኡ ነበሩ ሕጂ ግን ብዘይካ ቄሳር ካልእ ንጉስ ከም ዘይብሎም ተዛረቡ።  ኣምላኽ ከም ንጉስ ኣይተቐበልዎን፣ እዚ ከኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ሳሙኤል ዝኾነ እዩ።1 ሳሙኤል 8:7

16 17

ሽዑ ኺሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሀቦም። ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ።

 

መስቀሉ ጾይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ ወጸ።


ሓደ ሓደ መምሃራን ኣይተሰማምዑን፣ ነዃላት ዘለዎ ከዉሕታት ኣብ ርእሲኣ ዘለዋ ኩርባ፣ሽክና ርእሲ ዝመስል ምስሊ ከኣ ዘለዋ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዮርሳሌም ደዉ ኢላ ምህላዋ ዘገርም እዩ።ዕብራውያን 13:12

18 22

ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ የሱስውን ኣብ ማእከሎም።

 

ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ የሱስ ናዝራዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ።

 

እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ ብቛንቛ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ።

 

ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፥ ንሱ ባዕሉ፥ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍ፡ በልዎ።

 

ጲላጦስ፥ ዝጸሐፍክዎ ጸሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ።


ጳዉሎስ ነዚ ስመልስ ተዛሪቡ ኔሩ፣ ማለት ሰይጣን ኣብ ርእስና ምልክት ጌሩ ክኽንነናን ከም ሓጢኣተኛታት ከኣ ክኸሰናን ይደሊ። ቆሎሴ 2:14

23
24

እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም ኣብ ኣርባዕተ ምስ መቐልዎ፡ ነንሓደ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን።

 

ንሓድሕዶም ከኣ፥ ንዝበጽሔ ኪበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ፡ ተባሃሀሉ። እቲ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕፅ ተዋደቑሉ፡ ዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ኪፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ።


ንኽዳውንተይ
ይማቐልዎ፣ ንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ።

ዳዊት 22:18


25.  ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።


ማርያም፣ መልኣኽ ገብሪኤል ከመይ ጌሩ ናብኣ ከም ዝመጸን፣ የሱስ ከኣ እቲ መሲሕ ከም ዝኸዉን ከም ዝነገራ ንኩሉ ሰብ ክትነግር ምኸኣለት ኔራ።  ቅድሚ ምምርዓዋ፣ ብከመይ እቲ ህጻን ብናይ ኣምላኽ ሓይሊ ክዓቢ ከም ዝኸኣለ ክትነግር ምኸኣለት ኔራ።   ኣምላኽ ንርእሳን ንዮሴፍን ዝነገሮም ብዛዕባ ንህዝቡ ምድሓንን ንዘልኣለም ብዛዕባ ምግዝኡን ዝምልከት ኣመነት።  ዓይና እትርእዮ ነገራት ብዘየገድስ፣ ኣምላኽ ነዚ ንክገብሮ ከም ዝኽእል ብእምነት ኣብኡ ተወከለት።

26 27

የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ።

 
ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።

 
ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ከም ዝሕብረና፣ ማሪያም ምስ ዮሃንስ ኣብ ኤፌሶን ትነብር ከም ዝነበረት እዩ፣ እዚ ከኣ ክርስትያናት ብሰንኪ ስደት ካብ ዮርሳሌም ድሕሪ ምዉጽኦም እዩ።

28 30

ድሕርዚ የሱስ ኵሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኪፍጸም፥ ጸማእኩ፡ በለ።

 

ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።

 

የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ዝመልኤ ምስ ጠዐመ፥ ተፈጸመ፡ በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱውን ወጸት።

 
ንካልእ ሰብ ክድሕን ኢሉ ዝሓለነ ሰብ ርእሱ ክድሕን ኣይክፍትንን እዩ።  ጎይታ የሱስ ክመዉት ከሎ፣ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ እዩ ነይሩ።  ኣብ መስቀል ንሰለስተ ሰዓታት ጸኒሐ።  እቲ ዘማራይ፣ ጎይታ የሱስ ከም ዝጸምአን ነቲ መጺጽ ሓሞት ከም ዝሃብዎን ይነግረና። ዳዊት 69:21, ዳዊት 22:15
 
31. ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ክብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድር፡ መሓዅልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።

ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር። እቲ እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ እሞ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ኣይተርክሳ።


ዘዳግም 21:23

32 33

ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዅልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ።

 

ናብ የሱስ ምስ መጹ ግና፡ ሽዓ ኸም ዝሞተ ርእዮም፡ መሓዅልቱ ኣይሰበርዎን።


ሮማዉያን ንእግሪ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብ ብምስባር ንሞት እቲ ዝተሰቕለ ሰብ የቀላጥፉ ነበሩ።  ምሕኩልቲ ጎይታ የሱስ ኣይሰበሩን ምኽንያቱ ከኣ ድሮ ሞይቱ ስለ ዝነበረ።

34
35

ሓደ ካብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ።

 

እቲ ዝረአየ ኸኣ መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ አሎ።


ናይ ሓሶት መምሃራን ጎይታ የሱስ መንፈስ እዩ ኔሩ ይብሉ።  ዮሃንስ ነዚ ነገር ተዓዘበ እሞ ብዛዕባ ደምን ማይን ክንፈልጥ ደለየና።  መንፈስ ደምን ማይን የብሉን

36.
እቲ፥ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ።



ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።ዳዊት 34:20, ዳዊት 22:17

37.
ካልእ ጽሑፍውን፥ እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ።

 
ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ንኣይ፣ ነቲ ዝወግእዎ ኺጥምቱ እዮም፣ ከምቲ ንሓደ ውሉድ ዚበኽዩሉ፣ ከምቲ ንበዅሪ መሪር ሓዘን ዚሐዝንሉ ኣምሪሮም ኪሐዝኑሉ እዮም።

ዘካርያስ 12:10

38.
ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ የሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ የሱስ ወሰዶ።


እከይ ዘይገበረ፡ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ።


ኢሳይያስ 53:9

39 42

እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዚኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽኤ።

 

ንስጋ የሱስ ወሲዶም፡ ከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ።

 

ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታክልቲ ነበረ። ኣብታ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዜብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሔ።

 

እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።

 
ዮሴፍ ወዲ ኣርማቲያስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፣ ስለዚ ከኣ ኣብ ጥቓ ገበነኛታት ዝስቀሉሉ ቦታ ክቕበር ኣይምደለየን ኔሩ።  ነዚ መቓብር ገዝኦ ምኽንያቱ ቀረባ ስለ ዝኾነን ንመዓልታ ሰንበት ከኣ ክዳለወሉ ዝግባእ ግዜ ስለ ዝነበረ እዩ።  ሓደ ሓደ መምሃራን ኣይሰማምዑን እዮም እምበር፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል እንርእዮ መቓብር፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዮርሳሌም ኣሎ።  ኣብ ጥቓ እቲ ሽክና ርእሲ ዝመስል ኩርባ እዩ።   እቲ መቓብር ጥርሑ እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ዝብሎ።