ዮሃንስ 2

1 – 4
ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደመ። ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ የሱስ፥ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ። የሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ
  
ሓደ ሓደ ቤተ ክርስትያናት ጎይታ የሱስ ማርያም ዝብለቶ ዝለዝፍጽም ናብ ማርያም ክንጽሊ ኣሎና ኢለን ይምህራ እየን። ክንፈልጦ ዘሎና ነገር ግን፣ ጎይታ የሱስ ንማርያም ዝኽብራ እኳ እንተኾነ፣ ብመንግዲ ማርያም ኢና ናብ ጎይታ ንበጽሕ ዝብል መልእኽቲ ግን ሓሶት እዩ።  

5. ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፥ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ”፡ በለቶም።
 
ማርያም ጎይታ ዝብለና ኩሉ ክንገብር ከም ዝግባእ ተርእየና። ኣምላኽ ክንገብሮ ዝደልየና ነገራት ምስ ዝሕሉ ኩሉ ግዜ ብክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር እዩ ዘርእየና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ብቃሉ ጌሩ የፍልጠና። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ክንገብሮ ዝግባእ ክነግሩና እንከለዉ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ክህቡና ኣይክእሉን እዮም።

6 – 8
ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ እዩ። የሱስ፥ “ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ”፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፥ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰድሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።
 
ብዙሕ ግዜ ኣምላኽ ሓደ ነገር ክንገብር ይእዝዘናሞ፣ ንሕና ከኣ እቲ ትእዛዝ ክገርመናን ጌጋ ኮይኑ ከኣ ክስምዓና ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ግን ከምዚ ኣቐድሚና ዝረኣናዮ ክሳብ ክንደይ ብኣምላኽነቱ  ከም እንኣምኖ ክርኢ ዝደሊ ይመስል።

9. እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፦ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፦ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፥

 ስለዚ እቶም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ምስጢሩ ዉን ይፈልጡ እዮም።

10 – 11
ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ። የሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ አመኑ።
 
 ሓደ ሓደ መጽሓፍቲ፣ ጎይታ የሱስ ጌና ህጻን ኣብ ዝነበረሉ ዉን፣ ታኣምራት ይገብር ኔሩ ኢሎም ጌጋ ትምህርቲ ይምህሩ። እንተ ንሕና ግን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽታል የዋጽኣና። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እዚ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝረኣናዮ ትእምርቲ፣ እቲ ቀዳማይ ትእምርቱ ከም ዝኾነ ይነግረና።

12. ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ።

ብድሕርዚ ጎይታ የሱስ ንቅፍርናሆም ከም መበገሲ መደበር ኣገልግሎቱ ተጠቕመላ።

13 – 14
ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ።
  
እቶም ኣቕሽሽቲ ፍሉይ ዓይነታት ናይ ገንዘብ ሰናቲም እዮም ዝቕበሉ ኔሮም። እዚ ከኣ ነቶም ገንዘብ ዘሽርፉ ጽቡቕ ናይ ሸቐጥ ዕድል ፈጠረሎም።.

15 – 16
ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ። ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፥ “እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፥” በሎም።

ሎሚ ኸኣ ኣምላኽ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክርከቡ ዘይግብኦም ነገራት ይርኢ እዩ። ጎይታ ዉን ሕጂ “ እዚ ካብ ቤት ኣቦይ ኣዉጽእዎ!” እዩ ዝብለና።   ጎይታ ቤት ኣቦይ ክብል እንከሎ ኣምላኽ ኣብ ኣቦኡ ከም ዝኾነ፣ ጎይታ የሱስ ከኣ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ከኣ የርእየና።


17. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ “ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡” ጹሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።”

 ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣… መዝ 69:9
 
እንሆ፣ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣሎኹ፣ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፣…ሚል 3:1

18 – 21
ሽዑ ኣይሁድ፥ “እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧” ኢሎም መለስሉ። የሱስ ድማ፥ “ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ”፡ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣይሁድ ከኣ፥ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹዱሽተን ዓመት እያ እተሃንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧” በልዎ። ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ።
 
 ንጎይታ ምስ ኣሰርዎ፣ እቶም ፋሪሳዉያን ነቲ ጎይታ ዝበሎ ጠዋዉዮም ዝዛረብሎም/ብሓሶት ዝምስክርሎም ሰባት ረኸቡ። ጎይታ ከምቲ ኣብ ማሪቆስ እንረኽቦ፣ “ኣነ ነዛ ብኢድ እተገበረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ፡” ኪብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዚብል ተንስእዎ።  ማር 14:58

22. ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበለ ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ።

ዮሃንስ ኣብዚ ዘረድኣና ዘሎ፣  ጎይታ የሱስ ካብ ምዉታን ድሕሪ ምትንስኡ፣ እቶም ደቀመዛሙርቱ ነተን ኣብ መዝሙር ዳዊት 22 ኢሳያስ 53 ዘለዋ ጽሑፋት ክርድእወን ጀሚሮም ማለት እዩ።

23 – 25
 ነቲ፡ የሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ ኣመኑ። የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን።

 ጎይታ የሱስ፣ ኣብ ትእምርቲ ጥራይ ዝግደሱ ሰባት ኩሉ ግዜ ክህልዉን ከም ዝኾኑ ይፈልጥ ነበረ። ጎይታ እቲ እሾኽን እቲ ጻህያይን እዛ ዓለም ነቶም ኣዕሚቕዕም ሱር ክስርቱ ዋጋ ዘይከፈሉ ሰባት ክሕንቆም ከም ዝኾነ ይፈልጥ።   .

 የሱስ ድማ፥ “እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። ዮሃ 6:26

ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን። ዮሃ 6:66