ዮሃንስ 20

1. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ።



ብዘይ ሓገዝ ነቲ እምኒ ክፍንቅልዎ ክኢሎም ነበሩ። እቲ ናይ መጀመርያ ቋንቋ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ነቲ እምኒ ብሓልይሊ ከም ዝሰደድዎ እዩ ዝገልጽ።  ኣብ ማቴዎስ 28:2 መልኣኽ ነቲ እምኒኣንካባሊሉ ከም ዘርሓቖ ይነግረና

2.
ስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፥ ንጐይታና ካብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን፡ በለቶም።


እቶም ወተሃደራት ደቂሶም ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም፣ ምኽንያቱ ከኣ እቶም ደቀመዛሙርቲ መጺኦም ንጎይታ ከይወስድዎ ይፈርሑ ስለ ዝነበሩ።  እዚ ኣንደተደኣ ኣጋጢሙ፣ በቶም ሓለቓታቶም ከም ዝቕተሉ ይፈልጡ ነበሩ።  ካልእ ሕቶ ዝፈጥረልካ ነገር ከመይ ጌሮም ደቀ መዛሙርቱ ወሲዶሞ ክብሉ ይኽእሉ?  ደቂሶም እንተደኣ ኔሮም፣ መን ከም ዝወሰዶ ክፈልጡ ኣይክኽእሉን እዮም።

ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ኸኣ ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ፡

 

ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ፡ ኢልኩም ንገሩ።

 

እዚ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰምዔ፡ ንሕና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም።

 

እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምታ ዝመሀርዎም ገበሩ። እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ አሎ።


ማቴዎስ 28:12-15

3 – 4

ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹ፡ ናብቲ መቓብርውን ከዱ።

 

ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሐደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ። ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ።


ጴጥሮስ ናብቲ መቓብር ክመጽእ ኣሕፊርዎ ክኸዉን ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ከኣ ንጎይታ ክሒድዎ ስለ ዝነበረ።  ሓደ ከሐብነና ዘይክእል ነገር ምስ ንፍጽም ኢና ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዝስመዓና።  ምዕራፍ 21 ጎይታ የሱስ ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዝገብር እዩ ዘርእየና።

5 7

ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረኣየ፡ ግናኸ ኣይኣተወን።

 

ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮ።

 

እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረን።


ነቶም ደቀሞዛሙርቱ እዮም ንጎይታ ወሲድሞ ዝብሉ ሰባት፣ ስለምንታይ ደኣ እቶም ደቀመዛሙርቲ ነቲ ጨርቂ ክዓጽፍዎ ግዜ ዝወሰዱ፣ እሞ ኸኣ ካብቶም ዓቀይቲ/ወተሃደራት ሮማ ኣብ ዝሃድሙሉ ግዜ?

ሓደ ናይ ሓሶት ዝኾነ ጨርቂ ኣሎ፣ እዚ ጨርቂ መግነዝ ናይ ቱሪን ተባሂሉ  ይጽዋዕ፣ ኣብዚ ጨርቂ ከኣ ምስሊ ናይ ጎይታ ከም ዝርአ ይንግረሉ።  እዚ ናይ ሓሶት ምስሊ ካብ እግሪ ክሳብ ርእሲ የርኢ።  ዮሃንስ ከም ዘርእየና፣ ንርእሲ ሓደ ጨርቂ ንዝተረፈ ኣካል ከኣ ካልእ መንጸፍ ከም ዝነበረ የርእየና።  እዚ ዘርእየና፣ እዚ መግነዝ ናይ ቱሪን ናይ ሓሶት ከም ዝኾነ እዩ፣ ምኽንያቱ ከኣ ርእሲ ጎይታ የሱስ ብመንጸፍ ዘይኮነስ ብካልእ ዓይነት ማለት ብመኣረምያ ተሸፊኑ ስለ ዝነበረ እዩ። 

ሓደ ሓደ ቤተ ክርስትያናት፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ብምስራሕ፣ እዚኣቶም ነገራት ሰባት ንኣምላኽ ንከምልኹ ይገብሮም እዩ ይብሉ።  ኣብ ሓደ ሓደ ቤት ክርስትያናት ካብ መስቀል ክርስቶስ እዩ እናበሉ ድርቅምቃም እንጨይቲ ዉን ይሸጡ እዮም።  መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዉሽጥና ስለ ዝነብርን ንከነምልኽ ከኣ ስለ ዝረድኣናን፣ እዞም ነገራት እዚኦም ኣየድልዩናን እዮም።

8 10

ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ።

 

ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ።


ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።


ዳዊት 16:10

ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ።

ማቴዎስ 12:40

ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ፣ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና ኣዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና።


ሆሴእ 6:2

 
11 12

ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡

 

ኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ብትርጋጽ፡ ረኣየት።

 
ኣብቲ መቓብር ክልተ መልኣኽቲ ነበሩእዞም ክልተ መልኣኽቲ ነቶም ኣብ ታቦት ዝርከቡኣብ ክልቴኡ ጫፋት ናይ መኽደን መተዓረቒ ዝነበሩ ክልተ መልኣኽቲ የዘኻኽረካጎይታመኽደኒናን መተዓረቒናን እዩ

13 15

ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ አሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም።

 

እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን።

 

የሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብኪየኪ አሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ አሎኺ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ።


ኣብ እንርብጸሉ ግዜእንታይ ንብል ከም ዘሎና ኣይንፈልጥን ኢናናይ ምሕሳብ ክእለትና ከኣ ይደናገር እዩብከምዚ እንተቀጺልናእቲ ኣብ ሓሳብና ዝመጽእ ነገር ክቆጻጸረና እዩ2 ቆሮንቶስ 10:5

16. የሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእብራይስጢ፥ ረቡኒ፦ ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ።



ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ።


ኢሳይያስ 43:1

 

17 18

የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮም፡ በላ።

 

ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም።


ጎይታ፣ ጴጥሮስ ጽቡቕ ይስምዖ ከም ዘይነበረ ፈሊጡ ነበረ፣ ስለዚ ከኣ ጴጥሮስ ኣብ ጋሊሊ ንክረኽቦ ንክትነግሮ ሓበራ።  ብድሕሪዚ፣ ሰይጣን ጴጥሮስ "ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ፣ ኣምላኽ ምሳኻ ውዲኡ እዩ፣ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ምስኡ ጠቢቕካ ክትመላለስ ኣይትኽእልን ኢኻ።"  ክብሎ ከም ዘይክእል ኮነ። ማርቆስ 16:7

ማሪያም ጎይታ የሱስ ዝበላ ንመሓዙታ ክትነግሮም ፈተነት፣ እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን(ሉቃስ 24:11)  ሓደ ሓደ ግዜ ጎይታ ንዓና ጥራይ ዝነግረና ነገር ክህሉ ይኽእል እዩ።  ንሕና ክንገብሮ እንኽል ነገር እንተልዩ፣ ኣብ ልብና ክንሓብኦንጎይታ ከኣ ንከርእዮም መታ ንክንልምኖ እዩ

19 21

በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኩን፡ በሎም።

 

እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረኣይዎ፡ ተሐጐሱ።

 

ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣካትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም።


ግን እንታይ ንክንገብር እዩ ዝልእከና?  ሰባት ኸመይ ኣብ ነሓድሕዶምን ምስ ኣምላኽን ሰላም ከም ዝኽእል ንከነርእዮምን እዩ ዝልእኸና። ንስኻ ሰላም ቅድሚ ምርካብካ ግን ምስ ካልኦት ሰላም ክትካፈል ኣይትኽእልን ኢኻ።

22.
እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡


ሂወትና ንክርስቶስ ኣብ ንህበሉ ግዜ፣ መንፈስ ቅዱስ ንቕበል። ሕጂ መንፈስ ቅዱስ ክመጸና እንከሎ፣ ካብቲ ናይ መጀመርያ ብዝተፈልየ ምኽንያት ክኸዉን ይኽእል እዩ።

ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። ሮሜ 8:9  

 
ንርእስና ዝያዳ ንክርስቶስ ኣብ ንህበሉ ግዜ፣ መመሊስና ብመንፈስ ቅዱስ ንምላእ። ኤፌሶን

5:18.

ጎይታ የሱስ ጸኒሑ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ክረኽቡ ከም ዝኾኑን፣ እዚ ንፍሉይ ዝኾነ ዕዮ ዓይዮም ንከገልግልዎን እዩ ግብሪ ሃዋርያት 1:8

23.
ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም።


ሓደ ሓደ ቤተ ክርስትያናት፣ እዚ ቃል፣ ሓጢኣት ናይ ምሕዳግ ሓይሊ ከም ዝተዋህቦም ዝምህር ይመስሎም።   ምስ ካልእ ሰብ ወንጌል ኣብ ነካፍለሉ ግዜ፣ ሓጢኣቶም ከም ዝሕደገሎም ንሰማማዕ ኢና።  ብሰንኪ እቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ብዛዕባኦም ሕማቕ እንሓስብን ኢና።  እንተኾነግን፣ ብዛዕባ እቲ ዝሰምዕዎ ወንጌል እንታይ ከም ዝገብሩ፣ እቲ ሓጢኣቶም ዝሕደግ እንተኮይኑን ዝሕደግ እንተዘይኮይኑን ይዉስኖ።

24. እቲ ዲዲሞስ ዚብሃል ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን።


ቶማስ ብናይ ኣጋንታዊ ሓሳባት ይጥቃዕ ነበረ፣ ብዛዕባ ትንሳኤ ምስ ሰምዐ ከኣ ካብቶም ካልኦት ክርስትያናት ይርሕቕ ነበረ።  እዚ ከኣ መጀመርታ ምልክት ናይ ኣጋንታዊ መጥቃዕቲ እዩ።  ሰይጣን ካብ ካልኦት ክርስትያናት ክንርሕቕ ይዛረበና።

25. እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም።


ቶማስ ጥራይ ኣይኮነን ዝተጠራጠረ።  ሰይጣን ሓደ ሓደ ጥርጣረታት ስለ ዘለካ፣ ክርስትያን ኣይኮንካን ምስ ዝብለካ፣ ካብቲ መጓሰ ክፈልየካ ይደሊ ኣሎ ማለት እዩ። ንቃል ኣምላኽ ከምቲ ዝግባእ እንተደኣ በሊዕካዮ፣ ኣምላኽ ነዚ መንፈስ ፍርሒ ዝኸዉን መልሲ ክህበካ እዩ። ዳኒኤል፣ ባት ጥርጣሬኦም ንክኣልዩ ከም ዝሕግዝ ሰብ እዩ ዝፍለጥ ኔሩ። ነዚ ክገብር ዝኸኣለ ከኣ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ከጽንዕ ስለ ዝኸኣለ እዩ። ዳንኤል 5:12

ምስ ረኣይዎ፡ ሰገድሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ። ማቴዎስ 28:17

 

26 27

ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ነበሩ፡ ቶማስውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጕሩ ኸሎ፡ የሱስ መጸ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም።

 

ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ።

 

ንስኻ ኣብ ትቅንዘወሉ ጎይታ ምሳኻ ይቕንዞ እዩ። ዝተጎድኡ ሰባት ንክፍወስ ዝከኣለና ኣብ እንገብረሉ ግዜ፣ ንቁስሊ ጎይታ ከም ምዝናን እዩ።
ንእኡ ኸኣ፣ እዚ ኣብ ማእከል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ እንታይ እዩ እንተ በልዎ፣ ንሱ ድማ፣ እዚ ኣብ ቤት እቶም ዜፍቅሩኒ እተወጋእክዎ እዩ፣ ኪብል እዩ።


ዘካርያስ 13:6

28. ቶማስ መሊሱ ከኣ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ።

ጎይታ የሱስ ኣምላ ኣይኮነን ኢሎም ዝምህሩ ሰባት፣ እዚ ጥቕሲ እዚኣ ክገልጽዋ ትኸብዶም እያ።

29.
የሱስ ከኣ፣ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ።

ጎይታ የሱስ ኩሉ ግዜ ምሳና ከም ዝኸዉን ቃል ኣትዩልና እዩ፣ ዋላ ዉን ክንርእዮ ምስ ዘይንኽእል እዩ።

30
31

የሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ።

 

ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።

 
ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም።

1 ቆሮንቶስ 15:17

ንኣካትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ።


1
ዮሐንስ 5:13