ዮሃንስ 21

1 – 3

ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ተገልጸሎም፡ በዚ ኸምዚውን ተራእዮም፥

 

ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቀ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ።

 

ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን።

 

ጴጥሮስ ብጎይታ የሱስ ይኣምን እኳ እንተነበረ፣ ከም ሰዓቢ ጎይታ ግን ኣይመላለስን ነበረ።  ጴጥሮስ ናብቲ ናይ ቀደም ሂወቱ ክምለስ ወሰነ። ጴጥሮስ ንካልኦት ደቀመዛሙርቲ ዉን ካብቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ነገራት ገዲፎም ብኻልእ ክሓስቡ ደሪኽዎም እዩ።

ጴጥሮስ ዓሳ ኣይሓዘን፣ ከምኡ ዉን ክርስቶስ ናብኡ ክመጽእ እንከሎ ኣይረኣዮን። በቲ ኣምላኽ ክንከዶ ዘይደልይና መንገዲ ምስ እንኸይድ፣ ኣምላኽ ክዓግተና ዝኽእለሉ መንገድታት ኣለዎ።  ከምቲ ኣብ መወዳእታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዝገበርዎ፣ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ንጎይታ ክሓቱ ኔርዎም።

1:14

4 – 6

ምድሪ ምስ ወግሔ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና የሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን።

 

የሱስ ከኣ፥ ደቀይ፡ ገለ ዚብላዕዶ አሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም፥ የብልናን፡ ኢሎም መለስሉ።

 

ንሱ ኸኣ፥ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ።

 
ኣምላኽ ናብቲ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ዝተራኸቡሉ ቦታ እዩ ዘዘክሮም ዘሎሉቃስ 5:5. 

7.
እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ፥ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ።

ጴጥሮስ ከኣ፣ "ሓንሳብ እሞ  እዚ ደኣ ቅድሚ ሕጂ  ዘጋጠመ ኣይኮነን። የሱስ ክኸዉን ኣለዎ!" ኢሉ ሓሲቡ ይኸዉን።  ጎይታ ብዛዕባ እቲ ብሓባር እትገብሮ ዝነበርካ ነገራት ከዘክረካ ከሎ፣ ኣስተዉዕል።    

8 – 11

እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ምድሪ ኣስታት ክልተ ሚእቲ እመት ጥራይ ርሒቖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ እናሰሐብዎ፡ ብጃልባ መጹ።

 

ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራ ረኣዩ።

 

የሱስ ከኣ፡ ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ፡ በሎም።

 

ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ኣትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለሰትን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን።


ጴጥሮስ ከደ እሞ፣ እቲ ሰኪዔት ሸዉዓተ ሰባት ንክስከምዎ ክሳብ ዝኸብድ ብዙሕ ዓሳታት ረኸበ፣  ሓደ ሓደ ግዜ ኣምላኽ፣ ድሕሪ ምዉዳቕና ክንዓዮ ዘሎና ዕዮ ይህበና እዩ፣ በዚ መንገዲ ከኣ ንቁስልና ብጣዕሚ ፈዉሲ ይኾነና፣ ምኽንያቱ ከኣ ንጎይታ ክንገብረሉ ዕድል ስለንረክብን ብኡ ምኽንያት ከኣ ዕረፍቲ ስለዝስመዓናን።

12 – 14

የሱስ ድማ፥ ንዑ ተመስሑ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኺሐቶ ዝደፈረ የልቦን።

 

የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሀቦም፡ ከምኡውን ነቲ ዓሳ።

 

የሱስ ድሕሪ ኻብ ምዉታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳይ ጊዜኡ እዩ።

 

ጎይታ መጀመርታ ብቁርሲ ይባርኸና፣ ድሕሪኡ ከኣ ብዛዕባ ክስተኻኸሉ ዘለዎም ሓደ ሓደ ነገራት ይዛረበና።

ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧


ሮሜ 2:4

15.
ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ በሎ።


እቲ ናይ ቀዳማይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ ከም ዘርእየና፣ ጎይታ የሱስ "በቲ ዝለዓለ ዓይነት ፍቕሪ ተፍቕረኒ ?" ዝብል ሕቶ ከም ዝሓተተ ክትርጎም ይኽእል።    ጴጥሮስ ከኣ "በቲ ዝለዓለ ዓይነት ፍቕሪ የፍቅረካ እየ ክብል ኣይክእልን እየ፣ እንተኾነ ግዳስ የፍቅረካ እየ" ከም ዝበለ ክትርጎም ይከኣል።

ብተወሳኺ ጴጥሮስ፣ "ኣብቲ ግዜ ፈተናኻ፣ ኣይፈልጠካን እየ ኢለ ኔረ፣ ስለዚ ከኣ ከምቲ ዝግበኣኒ የፍቅረካ እየ ክብል ኣይበቅዕን እየ።" ከም ዝበለ ክትርጎም ይእኽል እዩ።

16.
ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ።

 ሳሙኤል ሹሜከር ዝበሃል ፓስተር ከምዝበሎ፣

"ናብቲ ማዕጾ መንግስቲ ጠቢቐ ክጸንሕ እደሊ።   ብምድህሳስ ነቲ ማዕጾ ክረኽብዎ ዝፍትኑ ዓይነ ስዉራት ሰባት ኣለዉ።  ኣብ ገለ ቦታ፣ ማዕጾ ከም ዘሎ ይፈልጡ እዮም፣ ግን ክረኽብዎ ኣይክእሉን።  ካልኦት ከኣ ነቲ ጎይታ ናይታ መንግስቲ ይፈልጥዎ፣ ብማዕጾ ኣትዮም ከኣ ናብ ጽቡቓት ክፍልታት ይኣትዉን ብዙሕ ጽቡቕ ነገራትን ከኣ ይመሃሩ።  ነዞም ክፍልታት ክበጽሖም ከለኹ ደስ ይብለኒ፣ ግናኸ ኩሉ ግዜ ናብቲ ማዕጾ እምለስ"

 "
ሓደ ሓደ ኣለዉ ኣብቲ ማዕጾ ንቑሩብ ግዜ ይቖሙሞ፣ እንታይ ከም ዝገብሩ ግን ኣይፈልጡን።  ካብቲ ናይ ቀደም/ ብሉይ ሰብ ክምለሱ ከም ዘይግባእን፣ ዝሓለፈ ከኣ ከም ዝኣክልን፣ ከምኡ ኸኣ ኢዶም ኣብቲ መትሓዚ ማዕጾ አቐምጦ

ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ አብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ አብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ አብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።

ዳዊት 84:10

ካብቶም ዘይኣመንቲ ኮይኖም ንኩለን መዓልቲ ኢሎም፣ ካብ ናይ ዝጽልዩ ሰባት ስም ክትጠቅስ ትኽእል ?

17. ሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎ፡ ጕህዩ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ።


ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ካልኦት ሰባትን ዝኾነ ጸገም ምስ ዝፍጠር፣ ዝስመዓና ነገር ንፈልጦ ኢና። ጎይታ የሱስ ጴጥሮስ ከመይ ይስምዖ ከም ዘሎን ይፈልጥ እዩ ከምኡ ከኣ ንኣእምሮኡ ክፍዉሶ ይደሊ እዩ።  ዲያብሎስ እንደገና ይመጽእ እሞ፣ ንጴጥሮስ ይኸሶ፣ ጴጥሮስ ከኣ "ንጎይታ ሰለስተ ግዜ ክሕደዮ ኔረ፣ ንሱ ግን ሰለስተ ግዜ ምሒሩኒ እዩ።  ሓጢኣተይ ኣይተኸድነን ኔሩ፣ ሕጂ ግን ተኸዲኑ እዩ።  ከምቲ ጎይታ ዝበሎ፣ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን!" ክብል ይኽእል ኔሩ።

ጎይታ የሱስ፣ ንክትፍወስ እቲ ዝበለጸ ነገር ንኣባጊዕ ጎይታ ምምጋብ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ወንጌል ንካልኦት ምክፋልን፣ ጾሮም ዉን ከምኡ ምጻርን እቲ ዝበለጸ ፈዉሲ ናይ ዝበኸነ ሂወት እዩ፣

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም።


ማቴዎስ 6:33

 
ጎይታ የሱስ ካብቶም ካልኦት ክርስትያናት ኣዛይድካ ተፍቅሮ እንተኮንካ ክሓተካ ይኽእል እዩ። ካብቲ ግዜኻ ተጥፈኣሉ ዝነበረካ ሓደ ሓደ ነገራት ንላዕሊ ንጎይታ ተፍቅሮ እንተኮንካ ክሓተካ ይኽእል እዩ።

ንጎይታ ብብዙሕ መንገዲ ከተፍቅሮ ትኽእል ኢኻ፣ ግና ካብዞም ነገራት እዚኣቶም ኣብሊጽካ ዘይተፍቅሮ እንተኮንካ፣ ነቶም ኣባጊዑ ክትምግቦም ሓይሊ ኣክህልወካን እዩ።  

18 – 19

ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።

 

ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፥ ስዐበኒ፡ በሎ።

 
ጴጥሮስ ብኔሮ ኣብ ሮማ ኣብ መስቀል ተሰቕለ።  ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ከም ዝብሎ፣ ኣብቲ መስቀል ንቁልቁል ኣፉ ተገምጢሉ ክስቀል ሓተተ፣ ምኽንያቱ ከኣ ንርእሱ ልክዕ ከምቲ ጎይታ የሱስ ዝተሰቕለሉ መንገዲ ክትስቀል ብቕዕቲ ኮይና ኣይረኸባን።

20 – 21

ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ የሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፥ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዚህበካ መን እዩ፧ ዝበሎ እዩ።

 

ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስ፥ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፧ በሎ።

 
ቅድሚ ጴጥሮስ ብዛዕባ ዮሃንስ ቀኒኡ ኢልካ ምሕሳብ ትጅምር፣  እተን ኣንስቲ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ብሓንሳብ እዮም ረኺቦሞም።  ዮሃንስ፣ ንጴጥሮስ ድሕሪ ዘጋጠሞ ፈተና ንክብርትዕ ይድግፎ ነበረ፣ ከምኡ ከኣ ብጣዕሚ ዝፋተዉ ኣዕሩኽ እዮም ዝነበሩ።  ጴጥሮስ፣ "ጎይታ ንምእንታኻ ምሟት ክብረት እዩ፣ ከምኡ ከኣ ዮሃንስ ንከኽብረካ ዝኽእለሉ መንገዲ ክረክብ ይኸዉን? ይብል ኔሩ ይኸዉን

22 – 25

የሱስ ከኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፡ ንስካ ግዳ ስዐበኒ፡ በሎ።

 

ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን።

 

እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወዲ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና።

 

የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።


 
ንዮሃንስ ክቐትልዎ ዝፈተኑሞ ዘይተዓወቱ እኩያት ሰባት ከም ዝነበሩ ዝዝንቱ ናይ ሓሶት ዛንታ ኣሎ፣ እዚ በቶም ቀዳሞት ቤተ ክርስትያናት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ እዩ ዝዝንቶ ዝነበረ።  ካብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ከም እንመሃሮ፣ ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ እሱር ከም ዝነበረን፣ ብዕድመ ኣጸቢቑ ክሳብ ዝደፍእ ከኣ ይነብር ከም ዝነበረ ንፈልጥ።ራእይ ዮሐንስ 1:9