ዮሃንስ 3

1. ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ።

 ዮሃንስ 3:51 ጎይታ የሱስ ንሰባት ኣይኣምኖን ከም ዘይነበረ ንርኢ ። ኒቆዲሞስ ግን፣ ጎይታ ነቶም ነጋዶ ካብቲ ቤት መቕደስ ከዉጽኦም ከሎ ርእይዎ ኽከዉን ይኽእል፣ ስለዚ ከኣ ብዛዕባ እቲ ጎይታ የሱስ ዝብሎ ዝነበረ ዝያዳ ክፈልጥ ደለየ። ንሕና ድማ ብቅኑዕ ልቢ ንኣምላኽ ሕቶ ምስ እንሓቶ ኣምላኽ ከኣ መልሲ ክህበና እዩ።   

2. ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ ።

 ዓለም ጎይታ የሱስ ንፉዕ መምህር ክገልጽዎ ይስምዑ። ስለዚ ንጎይታ ልክዕ ከምዞም ኣ ዘበንና እንርእዮም፣ ማለት ከምቶም ዓይንኻ ዓምቶሞ ጸዓት ተቐበል፣ ሽግራ ከኣ መወዳእታ ክህልዎ እዩ ዝበሉ ካብ ኤስያ ዝመበቆሉ ሃይማኖት ዝምህሩ ሰባት ብሓደ ዓይኒ ይርእዎ። ብመንገዲ ጎይታ የሱስ ሓደሽቲ ፍጥረት ክንከዉን ከም ዝግባእ ኣየስተዉዕሉን።

3 – 4
የሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ'ዶ እዩ፧ በሎ።

 
ኒቆዲሞስ፣ በቲ  ሰብ  ብብዙሕ ግብርታት ምኽንያት እዩ ናብ መንግስተ ሰማያት ዝኣቱ ዝብል ትምህርቲ ኣይሁዳዉያን ስለ ዝተዓብለለ፣ እቲ ጎይታ ዝበሎ ማለት ከም ብሓድሽ ብምዉላድ ጥራይ ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን ነበረ።

5 – 6
የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።

 
ሓደ ሓደ መምሃራን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ምዉላድ ዝምጽእ ማይ ዝዛረብ ዘሎ እዩ ዝመስሎም። ገለ ገለ ቤት ክርስትያናት፣ ብማይ ብምጥማቕ ትድሕን ኢሎም ይሓስቡ። ጥምቀት ነቲ ኣረጊት መንነትና ከም ዝሞትና ንዓለም እነርእየሉ እዩ። ጥምቀት ከም ዝተወለድና ዝርኢ ዘይኮነስ እረጊት መንነት ከም ዝሞተ ዝርኢ እዩ። ጥምቀት ዘድሕን እንተ ዝኸዉን ኔሩ፣ እቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን እንረኽቦም ኣመንቲ ኣይደሓኑን ማለት እዩ።

ጎይታ የሱስ ብጥምቀት ኢና ንድሕን ኣይኮነን ዝብል ዘሎ። ጎይታ ዝበለ እቲ ካብ ሓጥያት ኣምሊጥና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከኣ ምስክር ነርእየሉ መስርሕ፣ ብሓገዝን ድርኺትን መንፈስ ቅዱስ ኢና ንገብሮ።
ስለዚ እምበራ ጥምቀት ዘይኮነስ እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ እዩ ካብ ሓጢኣት ምስ ረሓቕና ሓድሽ ሰብ ዝገብረና። ግብ  2:38

7 – 9
ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ

 
ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ ህዝ 37፣ እብ 11:1

10 – 12
 የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ 
 
ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስርክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። 
 
ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧

  
ኒቆዲሞስ ደሓር ክኣምን ጀመረ ብመዓልቲ ግዜ ከኣ ከም ሰዓቢ የሱስ ንክፍለጥ ኣይሓፍርን ነበረ። ዮሃ 19:38 – 42
 
13. ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።

 እዛ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናያ ጥቕሲ ንኒቀዲሞስ ብዛዕባ መጽሓፍ ምሳሌ ከዘክሮ ይኽእል።

 ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደ መን እዩ∶ ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝኣከቦ መን እዩ∶ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ∶ እንታይ እዩ ስሙ∶ ስም ወዱኸ እንታይ እዩ∶ እዚዶ ትፈልጥ ኢኻ∶  ምሳ 30:4

14 – 15
ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ።


ናይ ሓሶት መምሃራን ነቲ ዝጽሕፍዎ መጽሓፍቲ ምስ እተንብቡ ክትድሕኑ ኢኹም ኢሎም ይምሀሩ። ኣምላኽ ግና ነቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ የሱስ ክርስቶስ ምስ እንርኢ ከምእንድሕን ከም እንፍወስን ይምህረና። ሓደ ሓደ ሰባት “እዚ ሞ ዘይከዉን እዩ ምበሉ ኔሮም። ናብ የሱስ ምጥማትስ ከመይ ጌሩ እዩ ዘድሕነኒ ምበሉ፣ ኣነስ ከምዚ ኣይገብርን፣ ካልእ ዝድሕነሉ መንገዲ ደኣ ከናዲ” ምበሉ ኔሮም።

ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ። ዘሁ 21:9

16. ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

 ኣምላኽ፣ ምእንታና ንክመዉት ልኣኾ፣ ካብዚ ንላዕሊስ ብከመይ መንገዲ እዩ ፍቕሩ ዘርእየና? ኣብየና ናይ ሓሶት ሃይማኖት/ወብ ሰርሖ ሃይማኖት ዘሎ ጣኦት እዩ ንሰብ ዘፍቅር። ከምዚ ዓይነት ቃላት እየን ንኒቀዲሞስ ዘድሓንኦ።
 “ኣታ ህዝበይ፣ እንታይ ገይረካ እየ∶ ብምንታይከ ኣድከምኩኻ∶ እስኪ መስክረለይ?” ሚክ 6:3

17 – 18
ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ።

 
ኣብዚ ክንዝክሮ ዘሎና ሰይጣን በይኑ ጥራይ እዩ ከሳሲና፣ ራኢ 12:10፣ ሮሜ 8:1።

 ገሃነም ንደቂ ሰባት ኣይኮነን ዝተዳለወ፣ ሰባት ግን ከም ሳዕቤን ካብ ናጻ ፍቓዶም ተበጊሶም ዝመረጽዎ ዉሳኔታት እዩ ናብ ገሃነም ዝኣትዉ። ጎይታ የሱስ ንዓለም ክፈርዳ ኣይኮነን መጺኡ፣ ከምኡ እንተ ዝኸዉን ኔሩ፣ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ደቒቕ ምፈረዳ ኔሩ፣ ኣብ መኣቀል ዉን ዘምዉት ምኽንያት ኣይምነበሮን ኔሩ።  ሰብ ብምርጫኡ ከመይ ጌሩ ናብ ገሃነም ይኣቱ እንተ ኢልኩም፣ ነዞም ኣብ ክንዲ ን ኣምላኽ ከድሕኖም ዝልምንዎ ከም ዘለዉዎ ክሞቱ ዝመርጹ ሰባት ርኣይዎም።

 ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና፡ በልዎም። ራኢ 6:16
“…ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ማቴ 25:41

19 – 21
እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።


ሰባት ናብ ኣምላኽ ዘይመጹሉ ምኽንያት፣ ኪዳን ኣምላኽ ከም ዘፍርሱ ስለ ዝርድኦም ካብ ኣምላኽ ክሕብኡ ይፍትኑ። ምስቶም ምስ ኣምላኽ ዘይትተዓረኹ ሰባት ኣብ ንዛረበሉ ግዜ፣ ነቲ ጽቡቕ ዘየለ ኩነታቶም ዘርኢ ብርሃን ከይመጾም ይፈርሑ። ስልዚ ኣብ ከምዚ ኩነታት ብጥንቃቐ ክንዛረቦም ኣሎና፣ ከምኡ እንተ ጌርና ከኣ፣ ንሳቶም ኣንጻር ኣምላኽ ኣይክከራኸሩን እዮም፣ በዚ ምኽንያት ከኣ ኣምላኽ ክዛረቦም ይኽእል።

22 – 26
ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። 
ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። 
 
ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤ። 
 
ናብ ዮሃንስ መጺኦም፥ “መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ አሎ፡” በልዎ።

  
ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፣ ሰባት ካብ ሓጢያት ኣምሊጦም ናብ ኣምላኽ ክምዕቆቡ ከም ዝግብኦም ምስ ጎይታ የሱስ ተሰማሚዖም ነበሩ። ንዮሃንስ ከም መንፈሳዊ መራሒ ይርእይዎ ነበሩ።
 
27 - 29
 ዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለ፥ ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። 

ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። 

እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። 
 

ኣብ ቤት ክርስትያን ዝካየድ ኩሉ ስርዓት ዘይክንሰማምዓሉ ንኽእል፣ ኩላትና ግን ኣብ መልእኽቲ ናይ ወንጌል ንሰማማዕ ኢና።   እዚ ዘርእየና ዋላ እኳ ብሓደ ሓደ ጉዳያት ዝፈላለይ ሓሳባት እንተሃለወና፣ ኩሉ ግን ብፍቕሪ ኢና ንገብሮ።  ማር 9:38 – 40
 
30.  ንሱ ኺዓቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።

 ተልእኾና ንዓና ዝኾኑ ሰዓብቲ ንከነጥሪ ኣይኽዕነን።  ሓደ ሓደ ናይ ሓሶት ምምሃራን፣ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮዎም ክጉይተቱ ዝደልዩ ኣለዉ።   ንሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ክእትዉዎም ዝደፋፍእ ፈተና ይብርትዖም። እቶም ከምዚኦም  ዝኣመሰሉ ሰባት፣ ክርስትያናት ከመይ ጌሮም ባዕሎም ቃል ኣምላኽ ክምገቡ ከምዘለዎም ኣይምህርዎምን እዮም፣ እንታይ ደኣ ኩሉ ግዜ ናብኣቶም ኣናመጹ ክምገቡ ይደልይዎም።

31 – 32
“እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር።”


 ንቃል ኣምላኽ ግዜ ሂብና ናይ ምጽናዕ ልምዲ እንተዘይብልና፣ ንሓሳባት ሰባት ጥራይ ክንሰምዕን ክንክተልን ክፉታት ንኸዉን፣ በዚ ምኽንያት ከኣ ንድምጺ ኣምላኽ ክንሰምዕ ይኸብደና።

33. እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ።

 ንሕና ብቐሊሉ ክንገልጾ እኳ እንተኸበደና፣ መንፈስ ቅዱስ ግን ኣብ ዉሽጥና እዩ ዝነብር፣ እዚ ማሕተም መንፈስ ቅዱስ ናቱ ከም ዝኾንና ዝምስክር እዩ።

34. ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር።

 ንሕና ብዝተወሰነ ምልክዕ ብመንፈስ ቅዱስ መሊእና ኢና፣ ንመንፈስ ቅዱስ ፍቓድ ብዝሃብናዮ መጠና ከኣ ክንምላእ ንኽእል። ጎይታ የሱስ ግን ምሉእ ብምሉእ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኔሩ።
 
35. ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ኢዱ ሃቦ።

36. ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።


 እቶም ንጎይታ የሱስ ዝስዕቡ ኣብ ልዕሊኦም ከለላ/ መጽለሊ ኣለዎም። እቶም ነዚ መጽለሊ እየድልየናን እዩ ዝብሉ ከኣ ንኹሉ እቲ ካብ ዓለም ዝዉርወር መጥቃዕትታት ግሉጻት ይኾኑ።