ዮሃንስ 8

1 – 4

የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ።   

ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ። 

  ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥   

መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ።

ናይዛ ሰበይቲ ታሪኽ፣ ኣብ ኩሉ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣይንረኽቦን ኢና፣ ስለዚ ከኣ በታ ቀዳመይቲ ቤት ክርስትያን ናብ ዝሰዓበ  ወለዶ ዝተሰጋገረ ድሓር ከኣ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ክኸዉን ይኽእል እዩ።  

ታሪኽ
መጽሓፍ ቅዱስ እንተርኢና፣ ብዙሓት ሰባት ንቃል ኣምላኽ ክዉስኽሉን ከጉዱሉሉን ይረኣዩ። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ቃሉ ምስ ሓለወ እዩ። ነዚ ዛንታ ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክህሉ ምስ ዘይደሊ፣ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይመሰፈረን ኔሩ።.

ጉይታ የሱስ ኣብ ዝምህረሉ ግዜ፣ እቶም ሰባት ይኾልፍዎ ከም ዝነበሩ ንርኢ። ነቲ ሰብኣይ ከም ዝከላኸልሉ ቃል ኣቲዮም፣ ናጻ ከም ዝሰደድዎ ይስምዕ። ብመሰረት ብሉይ ኪዳን፣ ንክልቴኦም ሰብኣይን ሰበይትን ሒዞሞም ክመጹ እዮም ነይርዎም። እዚ ዝገበርዎ ግን ንጎይታ የሱስ ከኽፍዎ ኢሎም ዝገበርዎ እዩ።                                                                       

5.
ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ።

ንቃል ኣምላኽ ብዘይ ግባእ ትርጉም ሂቦም እዮም ኣምጺኦሞ፣ ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ነታ ሰበይቲ ጥራይ ኣይብልን እዩ።

ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረክበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።

ዘዳግም 22:22

6.
መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ።

ጎይታ የሱስ ብዳርባ እምኒ ክትመዉት ኣለዋ እንትዝብል ኔሩ፣ ንሱ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣይምነገሮምን ኔሩ።  ብተወሳኺ ከኣ፣ ነቲ ናብ ቤት ፍርዲ ከየቕረብካ፣ ንሰባት ብዳርባ እምኒ ንከይትቀትል ዝእዝዝ ሕጊ ሮማዉያን ምጠሓሰ ኔሩ።

7 8

ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። 

  ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈ።

ምናልባት ጥቕሲ 7 ኣብ መሬት ጺሒፍዋ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ምናልባት ዉን ብዛዕባ ንምሕሳዉ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ዝምልከት ጽሑፍ ጽሒፉ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ምናብባት ዉንዝተማሕረኢሉ ጽሒፉ ክኸዉን ይኽእል።

9. ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ።

ጎይታ የሱስ ነቢይ ከም ዝኾነ ፈሊጦም ነበሩ፣ ነብይ ብምዃኑ ከኣ ነቲ ዝገበርዎ ሓጢያት ክነግሮም ከም ዝኽእል ይፈልጡ ኔሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ መሬታ ጸጸኒሑ ይጽሕፍ ኔሩ ይኸዉን፣ ምኽንያቱ ከኣ በብሓደ ይኸዱ እዮም ኔሮም።

ምናልባት ጎይታ ናይ ሓደ ሰብ ሽም ጽሒፉ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ምናልባት ዉን ኣብ ጎኒ እቲ ሽም እቲ ሰብ ዝገበሮ ሓቲኣት ጽሒፉ ይኽዉን እሞ እቲ ሰብ ከኣ ይኸይድ ኔሩ ይኸዉን። ብድሕሪኡ ከኣ ናይ ካልእ ሰብ ሽም ይጽሕፍ እሞ፣ ኣብ ጎኑ ከኣ እቲ ሰብ ዝገበሮ ሓጢኣት ጽሒፉ ይኸዉን፣ ብድሕሪኡ ከኣ እቲ ሰብ ይኸይድ። በብሓደ ከኣ ይኸዱ ነበሩ። 

  ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን እዩ፧ ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ።

ዳዊት 19:12

10 – 11

የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረኣየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፡ ዝፈርደኪዶ የልቦን፡ በላ። 

ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ።

ሓደ ሓደ ናይ ሃይማኖት ጎጅለታት ነዚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ደምሲሶሞ እዮም፣ እቲ ምኽንያቶም ከኣ ጎይታ የሱስ ነዛ ሰብ ምሕረት ኣብዚሑላ ብምባል እዮም።  

12. ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።

እቲ ብርሃን ክሳብ ዝዶግሓካድ ብጣዕሚ ደሚቑካ እዩ? ነቲ ጸልማታካ ደርብዮ!

13. ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻ ንርእስኻ ትምስክር አሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነን፡ በልዎ።

ፍርሃት ኣምላኽ ማለት ኣምላኽ ይዕዘበካ ከም ዘሎ ምፍላጥ እዩ። እዚ ማለት ንኣምላኽ ትፈርሖ ማለት ኣይኮነን። እቶም ፋሪሳዉያን እኹል ምርዳእ ስለ ዘይነበሮም፣ ኣብ ህላወ ኣምላኽ ክኾኑ ከለዉ ኣይፈልጦምን ኔሩ።

እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፣ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፣ ይብሉ ኣለዉ።

ዳዊት 94:7

14.
የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም።

ጎይታ የሱስ፣ምሉእ ሓበሬታ ከይረኸብኩም ትፈርዱኒ ኣለኹምእዩ ዝብሎም ዘሎ።
ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።

ምሳሌ 18:13

16 – 18

ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ። 

  ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ። 

ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ አሎ።

  ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ አሎ።

እቲ ዚመውት ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ሰለስተ ምስክር ይሙት፡ ብኣፍ ሓደ ምስክር ኣይሙት።

ዘዳግም 17:6

19. ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ አሎ፡ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰ።

ንኣምላኽ እፈልጦ ንየሱስ ግን ኣይፈልጦን እዩ ክትብል ኣይከኣልን እዩ።

20.
የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ኺምህር ከሎ፡ እዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ጊዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሔ፡ ዝሐዞ የልቦን።

ንጎይታ ክኣስርዎ ዝደለይሉ ምኽንያት፣ ፈሪሖሞ ስለ ዝነበሩ እዩ። እቲ ዝነብሮም ነገራት ካብ ኢዶም

ከምዚ እንተ ሐደግናዮ፡ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ።

ዮሐንስ 11:48

  21 – 22

ስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽ፥ ኣነ እኸይድ አሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም። 

  ሽዑ ኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ኪቐትላ ኢሉ፡ በሉ።

እዚ፣ ሰባት ኣእምሮ ሰባት ምስ ተደናገረ ዘጋጥም ነገር እዩ፣ኣብዚ ግዜ፣ ሰባት ንሓደ ሰብ ከኽፍኡ ኢሎም ባዕሎም ብዝኣለምዎ ሓሳብ ተጠቒሞም ነቲ ሕቶ ዝፈጠረሎም ነገር ክገልጽዎ ይፍትኑ። 

23 – 24

ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። 

ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም።

ኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴ፡ እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ፡ በሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ ኣሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም።

ዘጸአት 3:14

25. ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ።

ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ 

የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ።

1 ዮሐንስ 4:2 – 3

26 – 27

ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ አሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩ፡ ካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር አሎኹ፡ በሎም። 

  ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም፡ ኣይፈለጡን።

ጎይታ የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብ ይዛረቦም ነበረ። ንሳቶም ግን፣ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዝነበረ ኣይፈልጡ ነበሩ።

ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም

ኤፌሶን 4:18

28.
ስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።

ድሕሪ መስቀል ጴጥሮስ እንታይ ከም ዝገበሩ ምስ ነገሮም፣ ንሳቶም ከኣ ሕልናኦም ክኸሶም ከሎ ተሰመዖም። ግብሪ ሃዋርያት 2:37

29.
እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም።

ናይ መዓልቲ ዕላማና፣ሎሚ ንሰማያዊ ኣቦይ ዘሓጉሱ ነገራት ጥራይ እየ ክፍጽምዝብል ክኸዉን ኣለዎ።

30
31

ንሱ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። 

  ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።

ብዙሓት ሰባት ንጎይታ የሱስ ከም ዝኣምኑ ይዛረቡ። ጎይታ የሱስ ከኣኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፥ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኩምይብለና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሂወትና ምስ እነርሕቖ፣ ብዙሕ ርሑቕ ኣይክንከይድን ኢና። 

  32. ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

ሓራ ንክትከዉን እንታይ የድልየካ? ንርእስኻ ሓራ ከተዉጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓቂ ጥራይ እያ ሓራ ተዉጽኣካ። ንርእስኻ ሓቂ ንገራ፣ ከምኡ ምስ እትገብር ከኣ፣ ሓሳባት ሰይጣን ካባኻ ክርሕቕ እዩ።

33. ንሳቶም ከኣ፥ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ።

ኣይሁዳዉያን ኣብ ግብጺ፣ ባቢሎን፣ ከምኡ ከኣ ንሮማዉያን ባራዩ ኮይኖም ኔሮም።  ብዛዕባ ሽዑ ዝነበርዎ ህይወት ይሓስቡ እኳ እንተ ነበሩ፣ እዚ ግን ዉሉዳት ባራዩ ምዃኖም ኣይተረፎምን።

34. የሱስ መለሰሎም፥ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ።

ጎይታ የሱስ ብዛዕባ እቲ ዝዛረብዎ ዘለዉ ዓይነት ባርነት ኣይኮነን ዝዛረቦም ዝነበረ፣ ሰባት ሓጢኣት ከመይ ጌሩ ቀልጢፉ ንሂወቶም ከም ዝቆጻጸሮን፣ ብድሕሪኡ ከኣ ባራዩ ከም ዝገብሮም ይግረሙ። 
እንታይከ ንበል፧ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧ ያእ ኣይፋልናን።

ሮሜ 6:15

35 – 36

ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ይነብር እዩ። 

  ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።

ሰባት፣ ካብ መንፈሳዊ ባርነት ክገላገሉ እንተደሊና፣ ክሳብ እቲ ዕማምና ዝዉዳእ ምሳታቶም ክንጸንሕ ኣሎ። ሓጻር ጸሎት ጸሊናሎም ጥራይ ኣይኮናን ክንገድፎም ዘሎና። ንብዙሕ ነገራት፣ ንነዊሕ ግዜ ባርያ ኔሮም እዮም፣ ክሳብ ካብቲ ባርነት ምሉእ ብምሉእ ተላቒቖም ሓራ ዝኾኑ ከኣ ምሳታቶም ዝመላለስ ሰብ የድልዮም።  

37 – 38

ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ አሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡ 

  ኣነ ኣብ ኣቦይ ዘርኤኽዎ እዛረብ ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኤኹምዎ ትገብሩ አሎኹም።

ብዙሕ ግዜ፣ ሰባት ንቃል ኣምላኽ ክሰምዑ ምስ ዘይደልዩ፣ እቲ ምኽንያት ሰይጣናዊ ዝኾነ ናይ ጸማም ዝገብር መንፈስ እዩ። እዚ ንከይሰምዑ ብዙሕ ግዜ ምስ ኣበዩ እዩ ዝፍጸም። ሕጂ ነቲ ኣብ ርእሶም ዝመላለስ ድምጽታት ጥራይ እዮም ክሰምዑ ዝደልዩ። እዚ ናብ ኣምላኽ ክእመኑሉን፣ ነቲ ንሰይጣን ዝሃብዎ ግዝኣታት ሂወቶም ከኣ ንክመልስዎ ክንሕግዞም ኣሎና።

ሓደ ሓደ ሰባት፣ ኣብ ሂወቶም ኩሉ ነገር ፈቲኖም መፍትሒ ዝሰኣኑሉ ኩነታት ከይመጸ፣ ነዚ መግለጺ እዚ ኣይሰማምዕሉን እዮም፣ ምስ ኣምላኽ ትመላልስ እንተኮንካ፣ ኣምላኽ ኩሉ ነገር ከርእየካ እዩ።

39 40

ንሳቶም፥ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለስሉ። የሱስ ከኣ፥ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። 

  ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን።

ጎይታ የሱስ ከምዚ እዩ ዝብል ዘሎ፥ "ሓቀኛ ዉሉድ ኣብራሃም ክቀትለኒ ኣይምደለየን ኔሩ፣ ንስኻትኩም ብዛዕባ ምድራዊ ኣቦኹም ትሓስቡ ኣለኹም። ኣነ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዉሉዳት ኣብራሃም እየ ዝዛረብ ዘለኹ

እምብኣርከ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ።

ገላትያ 3:7

41.
ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ አሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፥ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን። ሓደ ኣቦ አሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላክ እዩ፡ በልዎ።

ንሳቶም፣ ኣደ ጎይታ የሱስ፣ ማለት ማርያም ሓቲኣ እያ፣ ብከምዚ መንገዲ እዩ ከኣ ክዉለድ ዝከኣለ፣ እዮም ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ከኣ ኣብ ከተማ ጎይታ ብምኻድ ብዛዕብኡ ከም ዝሓተቱን፣ ሓሶት ዝኾነ ዛንታታት ከም ዝሰምዑን እዩ ዘርእየካ።

  42 – 43

የሱስ በሎም፥ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። 

  ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፡ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ።

ነቲ ቃል ዕዉር ዲኻ? ኣቦኻ መን ከም ዝኾነ ንክንገረካ ቀሊል እዩ። ብቃል ኣምላኽ ዘይትግደስ እንተኮንካ፣ ቃል ኣምላኽ ከኣ ንዓኻ ትርጉም ዘይህበካ እንተኮይኑ፣ መንፈስካ ብህይወት የለን ማለት እዩ። ካብ ዝደቀስካዮ ተበራበር እሞ፣ ንቃል ኣምላኽ ከኣ ንክትሰምዖ መታን ከኣ ኣኻልቦኻ ሃቦ፣ ምኽንያቱ ከኣ ጎያታ ቃሉ ዘይተምዕ እንተኮንካ፣ ናይ ኣምላኽ ኣይኮንካን እዩ ዝበለ።  

  44 – 45

ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ። 

  ንኣይ ግና፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩ፡ ኣይትኣምኑንን።

ሓደ ነገር ስለ ዝተመነኻ፣ ርእስኻ ንሰይጣን እንተደኣ ሸይጥካያ፣ ናቱ ዉላድ ኢኻ ትኸዉን። እቲ ዘገርም፣ ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ክንዲ ሓቂ፣ ብዛዕባ ሓሶት ክሓስቡ ይፈትዉ። ሓደ ሓደ ጉጅለታት እቲ ዝበለጸ ሓሶት ብምሕሳዉ ንሰብ ንከተእምን ዝዓለመ ዉድድራት ዘካይዱ ጉጅለታት ኣለዉ። ምሳሌ 4:6

46.
ካባኻትኩም'ብሓጢኣትዚረትዓኒኸ'መንአሎ፧ሓቂዝዛረብካብኰንኩኸ፡ስለምንታይደኣዘይትኣምኑኒ፧

እግዚኣብሄርምስ ህዝቡ ነገርኣለዎ፣ ምስ ኣስራኤልድማ ኪካታዕ እዩ እሞ፣ኣቱም ኣኽራን፣ንስኻትኩምውንጽኑዓት መሰረትድሪ፣ነገርእግዚኣብሄርስምዑ።ኣታህዝበይ፣ እንታይገይረካ እየ∶ብምንታይከኣድከምኩኻ∶እስኪ መስክረለይ።ሚክያስ

47. እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ።

ንቃል ኣምላኽ ክትስምዑ ከም ዘየድልየካ ትሓስብ እንተ ኮንካ፣ ሓደ ከቢድ ጸገም ኣሎ ማለት እዩ። 

48 – 49

ኣይሁድ ከኣ፥ ሳምራዊ ምዃንካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስ፡ ጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናን፧ ኢሎም መለስሉ። 

  ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ ኤኽብሮ አሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ አሎኹም።

ንሰይጣን ኣብ ሂወትና ቦታ ምስ እንህቦ፣ ልብና ከም ዝከፋፈል ይገብሮ። ኣንጻር ገዛእ ርእስናን ኣንጻር ኣምላኽ ከኣ ንከፋፈል። 

  ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ስምካ ኽፈርህሲ፣ ንልበይ ኣዳልዎ።

ዳዊት 86:11
 
50 – 51

ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዝደልን ዚፈርድን ግና አሎ። 

  ቃለይ ዚሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።

ዓለም ንሞት እትገልጾ፣ ካብ ሓንጎል ዝብገስ ሓደ ሰብ ምስ ሃለዋቱ ከም ዘሎ ዘርኢ ምልክት ኣብ ሓንቲ ናይ ሆስፒታል ማሽን ምስ ዘይርአ እዩ ብምባል እዩ።

ኣምላኽ  ንኣምላኽ ኣብ ሂወትካ ቦታ ምስ ዘይትህቦ፣ ብመንፈስ ከም ዝሞትካ እዩ ዝርእየካ። ኣብዛ ዓለም እትነብሮ ናብራ ርእስኻ ንከተዘናግዕን ንከተሓጉስን እንተኮይኑ ብህይወት የለኻን ማለትዩ። ስጋኻ ህያው እንከሎ መንፈስካ ግን ዝሞተ ክኸዉን ይኽእል እዩ። 

52.
ኣይሁድ ድማ፥ ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈለጥና። ኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውን። ንስኻ ግና፥ ቃለይ ዚሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ ትብል አሎኻ።

ዎ እግዚኣብሄር፣ ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፣ መገድኻ ምሀረኒ፣ ስምካ ኽፈርህሲ፣ ንልበይ ኣዳልዎ።

  ምሳሌ 9:7

53.
ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢ፧ ነብያትውን ሞይቶም። ንርእስኻ መን ትገብራ አሎኻ፧ በልዎ።

ኣብራሃም ኣቡኦም ከም ዝኾነ ዝነበረ እምንቶኦም ቀጸልዎ። ንርእሶም ብጽቡቕ ከቕርብዋ ጸቕጢ ነበሮም። ቅጡዓት ሰባት፣ ነቲ ናተና እዩ ዝብልዎ ንከይከስርዎ ብጣዕሚ ይሰግኡ። ቁጥዐን ንፍርሒ ቀረባ እዩ። እቲ ዘፍርሖም እንታይ ምዃኑ እንተደኣ ፈሊጥካ፣ ሓደ ሓደ ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ሰባት ግን ሓገዝ ኣይደልዩን እዮም፣ በንጻሩ ነቲ ቁጥዐ ከም ዘስክር ወልፊ ይዉለፍዎ። 

54. የሱስ ከኣ፥ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።

ኣብዚ ጎይታ ዝብሎ ዘሎ፣ ብርእሰይ ኣነ ጥራይ እንተተመካሕኩ፣ እቲ ዝብሎ ቃል ፍረ ኣይምሃለዎን፣ እቲ ዘኽብረኒ ግን ባዕሉ ኣምላኽ እዩ” 

55.
ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እየ።

እቲ ናይ መጀመርያ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፣ንኣምላኽ ብቀረባ/ ብተመክሮ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ንኣምላኽ ክሳብ ተስተማቕርዎ ኣይተመላለስኩምንብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዓርከይ እዩ ወይ ካልእ ከምኡ ዓይነት ዘረባ ይዛረቡ።

ናብራ ምስ ኣምላኽ ከየስተማቕርካዮ ከለኻ፣ ንኣምላኽ ከም ዓርክኻ ክትገልጾን ንርእስኻ ከኣ ብከምዚ ዓይነት ቃላት ክትጥብራ ሰናይ ኣይኮነን። ናብራ ምስ ኣምላኽ ኣምላኽ ኣስተማቒርውዮ ክትብል እንተደኣ ኮንካ፣ ምስ ኣምላኽን ምስ ቃሉን ግዜ ምስትወስድን፣ ህልዉንኡ ምስ ትምኮረሉን ጥራይ እዩ።

56.
ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሓጐሰ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም።

እዚ ቃል ብዛዕባ ኣብራሃም ንጎይታ የሱስ ከም መልኬጸዴቅ ምስ ረኣዮ፣ ወይ ከኣ ጎይታ ነድንኳኑ ምስ በጽሖ እዩ። 

57 – 58

ኣይሁድ ከእ፡ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ። 

  የሱስ ከኣ፥ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

ሓደ ሓደ ግዜ፣ ኣምላኽ ካብ መንግስተ ሰማያት ወሪዱ፣ ንርእሱ እንከይገለጸ ከም ዘይኣምኑ፣ ይዛረቡ።  ኣምላኽ ግና ብመንገዲ እቲ ሰብ ዝኾነ ጎይታ የሱስ ፈጺምዎ እዩ። እቲ ኣብኦም ዘሎ ክፉእ መንፈስ ግና፣ ነቲ ሓቂ ንከይፈልጥዎ ኣእምሮኦም ይዓጽዎ። እዚ ከኣ ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ንሙሴ ኣብታ እትነድድ ቖጥቋጥ ዝተገልጸሉን፣ ሙሴ ከኣንስኻ ኣምላኽ ኢኻ ኢለ ኣይኣምንን፣ ክቀትለካን ንሕልናይ ንከትዛረቦ ዉን ክዓግተካ እየከም ምባል እዩ።  

ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።

ሉቃስ 16:31

59.
ስለዚ ኺድርብዩሉ እምኒ ኣልዐሉ። የሱስ ግና ተሐብኤ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሐሊፉ ወጸ።, m

የሱስ ድማ፥ ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ በደሎም ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ።

ሉቃስ 23:34